ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/3 ገጽ 30-31
  • ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ተጣበቐሉ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ተጣበቐሉ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • በደል ዚጸልእ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሙሴ ፍሉይ መዝነት ተቐበለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/3 ገጽ 30-31

ንመንእሰያት

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ተጣበቐሉ!

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ-ባህርያት፦ ኤልያስ፡ ኣከኣብ፡ 450 ዚዀኑ ነብያት በዓል

ጽማቝ፦ ኤልያስ፡ የሆዋ ኻብ በዓል ከም ዚበልጽ ኣመስከረ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—1 ነገስት 18:17-40 ኣንብብ።

ንኤልያስን ንነብያት በዓልን ነቲ መሰውእን ኣብ ወረቐት ስኣሎም።

ኣብቲ ኻብ ቍጽሪ 26 ክሳዕ 29 ተገሊጹ ዘሎ ዚርብሽ ትርኢት እንታይ ዓይነት ድምጺ ዚስማዕ ዝነበረ ይመስለካ፧

․․․․․

ኤልያስ ንነብያት በዓል ኪዛረቦም ከሎ፡ ኣብ ድምጹ እንታይ ዓይነት ስምዒት ዘንጸባረቐ ይመስለካ፧

․․․․․

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

ኤልያስ ናብ ኣከኣብ ንኪኸይድን ብኣማእታት ንዚቝጸሩ ነብያት በዓል ዜዋርድ ፈተና ንኼካይድን ትብዓት ዜድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣፋፍኖት፦ 1 ነገስት 18:4, 13, 14)

․․․․․

በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ ብዛዕባ ኣምልኾ በዓል ምርምር ግበር። ንኣብነት፡ ምስዚ ኣምልኾ እዚ ዚተሓሓዝ እንታይ ዓይነት ተግባራት ነይሩ፧ ኣምልኾ በዓል ኣብ እስራኤላውያን እንታይ ጽልዋ ነይርዎ፧

․․․․․

ኤልያስ ኣብ ዙርያ እቲ ንየሆዋ ዝሰርሖ መሰውኢ ጕድጓድ ኵዒቱ ብማይ ዝመልኦ ስለምንታይ እዩ፧

․․․․․

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኽትጣበቐሉ ዜድሊ ትብዓት።

․․․․․

ከምዚ ዓይነት ትብዓት ዜርእዩ ሰባት ዚረኽብዎ ጥቕሚ።

․․․․․

ተወሳኺ ኣወዓዕላ።

ኣበየናይ መዳይ ህይወትካ ኢኻ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኽትጣበቐሉ ዝያዳ ትብዓት ከተርኢ እትኽእል፧

․․․․․

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓቶም፡ ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]

ሓበሬታ ብዛዕባ ኣኼባ ኣውራጃ

ካብዚ ዓመት እዚ ጀሚሩ፡ ኣኼባ ኣውራጃ ብዛዕባ ዚግበረሉ ዕለትን ቦታን ዚገልጽ ሓበሬታ ብዝዀነ ይኹን ቋንቋ ኣብ ዚዳሎ ግምቢ ዘብዐኛ ኣይኪወጽእን እዩ። እዚ ሓበሬታ እዚ፡ ኣብ ወብ ሳይት jw.org ኪርከብ ይከኣል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ