መንፈስ ኣምላኽ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይትቀበል
“ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።” —1 ቈረ. 2:12።
1, 2. (ሀ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ውግእ እዮም ዘለዉ ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ኣብ ውግእ ኢና ዘለና። ጸላኢና ሓያልን ጐራሕን ተዋጋኢ እዩ። ብርቱዕ ኣጽዋር ስለ ዘለዎ፡ ንመብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ኣምበርኪኽዎም ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ሓይሊ ኸም ዘይብልና ወይ ናይ ግድን ከም እንሰዓር ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። (ኢሳ. 41:10) ዘይጠሓስን ዘይፈርስን ዕርዲ ኣሎና።
2 ውግእና መንፈሳዊ ደኣ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን። ጸላኢና፡ ሰይጣን ድያብሎስ ኪኸውን ከሎ፡ ቀንዲ ኣጽዋሩ ኸኣ “መንፈስ ዓለም” እዩ። (1 ቈረ. 2:12) ነቲ መጥቃዕትታቱ እንከላኸለሉ ቐንዲ ዕርድና፡ መንፈስ ኣምላኽ እዩ። ኣብዚ ውግእ እዚ ኣሰኒፍና ብመንፈስ ድልዱላት ኴንና ንኽንቅጽል፡ መንፈስ ኣምላኽ ንኺወሃበና ኽንልምንን ኣብ ህይወትና ፍሪኡ ኽንፈርን ኣሎና። (ገላ. 5:22, 23) ንምዃኑ ግን፡ መንፈስ ዓለም እንታይ እዩ፧ ብኸመይ እዩ ኽሳዕ ክንድዚ ጽልዋ ኺህልዎ ዝኸኣለ፧ መንፈስ ዓለም ይጸልወና እንተ ኣልዩ ወይ እንተ ዘየልዩ፡ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ መንፈስ ኣምላኽ ብዛዕባ ምቕባልን ንመንፈስ ዓለም ብዛዕባ ምጽራርን፡ ካብ የሱስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
መንፈስ ዓለም እምብዛ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
3. መንፈስ ዓለም እንታይ እዩ፧
3 መንፈስ ዓለም ካብቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን እዩ ዚምንጭው፣ ምስ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ይጻረር እዩ። (ዮሃ. 12:31፣ 14:30፣ 1 ዮሃ. 5:19) እዚ መንፈስ እዚ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ዓብላሊ ዝንባለ ኪኸውን ከሎ፡ ንደቂ ሰብ ድማ ናብ ተግባር ይደፍኦም። እዚ ዜንቀሳቕስ ሓይሊ እዚ፡ ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ምስ ፍቓድን ዕላማን ኣምላኽ ከም ዚጋጮ ይገብሮ።
4, 5. እቲ ኻብ ሰይጣን ዚምንጭው መንፈስ እምብዛ ኼስፋሕፍሕ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧
4 እቲ ኻብ ሰይጣን ዚምንጭው መንፈስ እምብዛ ኼስፋሕፍሕ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ፈለማ፡ ኣብ ገነት ኤድን፡ ሰይጣን ንሄዋን ኣስሓታ። ካብ ኣምላኽ ተፈልያ ብገዛእ ርእሳ እንተ ተመሪሓ፡ ህይወታ ኸም ዚመሓየሽ ገይሩ ኣእመና። (ዘፍ. 3:13) ከመይ ዝበልዎ ሓሳዊ ዀን እዩ! (ዮሃ. 8:44) ድሕሪኡ፡ በታ ሰበይቲ ተጠቒሙ፡ ነቲ ኣዳም ንየሆዋ ዝነበሮ ተኣማንነት ኣበላሸዎ። ብሰንኪ እቲ ኣዳም ዝገበሮ ምርጫ፡ ደቂ ሰብ ንሓጢኣት ተሸጡ፣ በዚ ኸምዚ እውን፡ በቲ ናይ ዘይምእዛዝ መንፈስ ሰይጣን ተጸለውቲ ናይ ምዃን ዝንባለ ወረሱ።—ኤፌሶን 2:1-3 ኣንብብ።
5 ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት መላእኽቲ እውን ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ኣጋንንቲ ዀኑ። (ራእ. 12:3, 4) እቶም መላእኽቲ እቲኣቶም፡ ቅድሚ ማይ ኣይሂ እዮም ንኣምላኽ ከዲዖምዎ። ነቲ ኣብ ሰማይ እተመደበሎም መዓርግ ሓዲጎም፡ ኣብ ምድሪ ብዘይባህርያዊ ትምኒት ኪረስኑ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ኣመኑ። (ይሁ. 6) ሕጂ፡ በቶም ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዘለዉ ኣጋንንቲ እናተሓገዘ፡ ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ ኣሎ።’ (ራእ. 12:9) እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ፡ ሓሳቦም ስለ ዝዓወረ፡ ንጽልዋ ኣጋንንቲ ኣይፈልጥዎን እዮም።—2 ቈረ. 4:4።
መንፈስ ዓለም ይጸልወካዶ ኣሎ፧
6. መንፈስ ዓለም ኪጸልወና ዚኽእል ብኸመይ ጥራይ እዩ፧
6 ብዙሓት ሰባት ንጽልዋ ሰይጣን ኬስተውዕልዎ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ውዲቱ ኣይስሕትዎን እዮም። (2 ቈረ. 2:11) መንፈስ ዓለም፡ ባዕልና እንተ ዘይፈቒድናሉ፡ ኪጸልወና ኣይክእልን እዩ። ብመንፈስ ኣምላኽ ወይ ብመንፈስ ዓለም ንጽሎ እንተ ኣሊና ንኽንፈልጥ ዚሕግዘና ኣርባዕተ ሕቶታት እስከ ንመርምር።
7. ሰይጣን ካብ የሆዋ ንኼርሕቐና ዚፍትነሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧
7 ናይ መዘናግዒ ምርጫይ፡ ብዛዕባይ እንታይ ይገልጽ፧ (ያእቆብ 3:14-18 ኣንብብ።) ሰይጣን ኣብ ልብና ፍቕሪ ዓመጻ ብምሕዳር፡ ካብ ኣምላኽ ኬርሕቐና ይፍትን እዩ። ድያብሎስ፡ የሆዋ ንፈተውቲ ግፍዒ ኸም ዚጸልኦም ይፈልጥ እዩ። (መዝ. 11:5) ስለዚ፡ ሰይጣን ብጽሑፋት፡ ብፊልምታት፡ ብሙዚቃ፡ ከምኡውን ኣብ ርኽሰትን ኣብ ጭካነን ንኽትሳተፍ ብዜለዓዕል ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ገይሩ፡ ንስጋዊ ባህግታትና ኺማርኽ ይጽዕር እዩ። ብፍርቂ ልብና ነቲ ንሱ ዜተባብዖ ሕማቕ ነገራት ክሳዕ ዘፍቀርና፡ ብፍርቂ ልብና ንቕኑዕ ዘበለ እንተ ኣፍቀርና ኣይግድሶን እዩ።—መዝ. 97:10።
8, 9. ንመዘናግዒ ዚምልከት እንታይ ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧
8 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ መንፈስ ኣምላኽ ነቶም ዚቕበልዎ ሰባት፡ ንጹሃትን ሰላማውያንን ብምሕረት ዚመልኡን ንኪዀኑ እዩ ዚድርኾም። ስለዚ፡ ንርእስና፡ ‘እቲ ዝመርጾ መዘናግዒ፡ ጽቡቕ ባህርያት ንኸማዕብል ይድርኸኒ ድዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ፡ “ብዘይ ግብዝና” እያ። እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚጽለዉ ሰባት ንኻልኦት ብዛዕባ ንጽህናን ሰላምን ሰቢኾም ኬብቅዑ፡ ኣብ ቤቶም ዜስካሕክሕ ዓመጻን ርኽሰትን ዘለዎ መዘናግዒ ኣይርእዩን እዮም።
9 የሆዋ፡ ንዕኡ ጥራይ ውፉያት ክንከውን እዩ ዚደሊ። ሰይጣን ግን፡ ከምቲ ንየሱስ ዝሓተቶ፡ ንሓንሳእ ጥራይ እውን ትኹን ከነምልኾ እዩ ዚደሊ። (ሉቃ. 4:7, 8) እምበኣር፡ ንርእስና፡ ‘ናይ መዘናግዒ ምርጫይ ንኣምላኽ ውፉይ ንክኸውን ዜኽእለኒ ድዩ፧ እቲ ምርጫይ ንመንፈስ ዓለም ምጽራር ከም ዝኸብደኒ ድዩ ዚገብር ወይስ ከም ዝቐለኒ፧ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝገብሮ ምርጫኸ ምትዕርራይ ክገብር ኣሎኒዶ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።
10, 11. (ሀ) መንፈስ ዓለም፡ ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪት እንታይ ዓይነት ኣመለኻኽታ እዩ ዜስፋሕፍሕ፧ (ለ) እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ፡ እንታይ ዓይነት ኣመለኻኽታ እዩ ዜተባብዕ፧
10 ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪት እንታይ ዓይነት ኣመለኻኽታ እዩ ዘሎኒ፧ (ሉቃስ 18:24-30 ኣንብብ።) መንፈስ ዓለም፡ ብስስዐን ብፍቕረ-ንዋይን ኣቢሉ “ፍትወት ኣዒንቲ” የተባብዕ እዩ። (1 ዮሃ. 2:16) ንብዙሓት ሰባት፡ ንኺህብትሙ ድሌት የሕድረሎም እዩ። (1 ጢሞ. 6:9, 10) እቲ መንፈስ እቲ፡ ስጋዊ ነገራት ምድላብ ነባሪ ውሕስነት ዜምጽእ ኰይኑ ኸም ዚስምዓና እዩ ዚገብር። (ምሳ. 18:11) ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ዝነበረትና ፍቕሪ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተ ተኪእናያ፡ ሰይጣን ኪዕወት እዩ። እምበኣር፡ ‘ህይወተይ ስጋዊ ምሾትን ተድላን ኣብ ምድላይ ዘተኰረት ድያ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና።
11 ብኣንጻሩ ግን፡ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ኺህልወናን ንርእስናን ንስድራ ቤትናን ዜድሊ ስጋዊ ነገራት ንምምላእ ኣበርቲዕና ኽንዓዪን የተባብዓና እዩ። (1 ጢሞ. 5:8) መንፈስ ኣምላኽ ነቶም ዚቕበልዎ ሰባት፡ ልግሲ የሆዋ ንኼንጸባርቑ ይሕግዞም እዩ። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ከኣ፡ ወሃብቲ ደኣ እምበር፡ ተቐበልቲ ኣይኰኑን። ካብ ንንዋታዊ ነገራት፡ ንሰብ ክብ ኣቢሎም ስለ ዚርእዩ፡ ዘለዎም ነገራት ንኻልኦት ኬካፍሉ ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም። (ምሳ. 3:27, 28) ብዘይካዚ፡ ስጋዊ ነገራት ቅድሚ እቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ኣይሰርዑን እዮም።
12, 13. መንፈስ ኣምላኽ ካብ መንፈስ ዓለም ብእተፈልየ መገዲ፡ ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድረልና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
12 ኣብ ባህርያተይ እንታይ ዓይነት መንፈስ እዩ ዚንጸባረቕ፧ (ቈሎሴ 3:8-10, 13 ኣንብብ።) መንፈስ ዓለም፡ ግብሪ ስጋ እዩ ዜስፋሕፍሕ። (ገላ. 5:19-21) ኣየናይ መንፈስ ከም ዚጸልወና ብሓቂ ኽንፈልጥ እንኽእል፡ ኣብ ምሹእ ሃዋህው ዘይኰነስ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ማለት ክርስትያን ሓውና ወይ ሓብትና ዕሽሽ ኪብለና፡ ኬጕህየና፡ ወይ ኪብድለና ኸሎ እዩ። ኣብ ቤትና ኽንከውን ከለና እውን፡ ኣየናይ መንፈስ ከም ዚጸልወና ይርአ እዩ። ስለዚ፡ ንርእስና ምምርማርና ኣገዳሲ እዩ። ንርእስኻ፡ ‘ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ክርስትያናዊ ባህርያት ብዝያዳ ኣንጸባሪቐ ድየ፡ ወይስ ነቲ ሕማቕ ኣዘራርባይን ባህርየይን ገና ኣይሓደግክዎን፧’ ኢልካ ሕተት።
13 ቃል ኣምላኽ፡ ‘ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥና፡’ “ሓድሽ ሰብ” ንኽንለብስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ፡ ዝያዳ ፈቃራትን ሕያዎትን ክንከውን ይሕግዘና። ዋላ እውን ዜቘጥዕ ነገር እንተ ኣጋጠመና፡ ንሓድሕድና ብኸምኡ ይቕረ ንኽንበሃሃል ክንድረኽ ኢና። ዘይፍትሓዊ ነገራት ክንርኢ ኸለና ድማ፡ ብ“ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን” ምላሽ ኣይክንህብን ኢና። የግዳስ፡ “ተዳናገጽቲ” ንኽንከውን ጻዕሪ ኽንገብር ኢና።—ኤፌ. 4:31, 32።
14. ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንቓል ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧
14 ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ አኽብሮን እፈትዎን ድየ፧ (ምሳሌ 3:5, 6 ኣንብብ።) መንፈስ ዓለም፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ክንዓሉ እዩ ዜተባብዕ። እቶም በዚ መንፈስ እዚ እተጸልዉ፡ ነቲ ኣጸጋሚ ገይሮም ዚርእይዎ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ብምባል፡ ንሰብኣዊ ልምድታትን ፍልስፍናታትን እዮም ዚስዕቡ። (2 ጢሞ. 4:3, 4) ገሊኦም ንቓል ኣምላኽ ብሓፈሻ የነኣእስዎ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ንርእሶም ጠቢባን ገይሮም ስለ ዚርእዩ፡ ንሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሕቶ የእትውዎ እዮም። ነቲ ብዛዕባ ዝሙትን ግብረ-ሶዶምን ፍትሕን ዚገልጽ ንጹህ ስርዓታት ድማ ኣትሒቶም ይርእይዎ እዮም። ብዘይካዚ፡ “ነቲ እከይሲ ሰናይ፡ ንሰናይ ከኣ እከይ” ኢሎም እዮም ዚምህሩ። (ኢሳ. 5:20) እሞኸ በዚ መንፈስ እዚ ተጸሊና ዲና፧ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ ርእስናን ኣብ ሰብኣዊ ጥበብን ዲና እንምርኰስ፡ ወይስ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክንስዕብ ኢና እንጽዕር፧
15. ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ጥበብ ኣብ ክንዲ እንጽጋዕ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
15 መንፈስ ኣምላኽ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ንኸነሕድር ይድርኸና እዩ። ከምቲ ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ፡ ቃል ኣምላኽ ንእግርና መብራህቲ፡ ንመገድና ኸኣ ብርሃን ከም ዝዀነ ጌርና ኢና እንርእዮ። (መዝ. 119:105) ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ጥበብ ኣብ ክንዲ እንጽጋዕ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኢና እንምርኰስ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነኽብሮ ኸም ዘሎና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽ እውን ከነፍቅሮ ኸም ዚግባእ ንፈልጥ ኢና።—መዝ. 119:97።
የሱስ ካብ ዝሓደጎ ኣብነት ተምሃር
16. “ሓሳብ ክርስቶስ” ምህላው እንታይ የጠቓልል፧
16 መንፈስ ኣምላኽ ንኽንረክብ፡ “ሓሳብ ክርስቶስ” ከነማዕብል ኣሎና። (1 ቈረ. 2:16) ‘ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርና ሓደ ሓሳብ ንኽንሓስብ፡’ ነቲ ንሱ ዝመሃሮን ዝገበሮን ፈሊጥና፡ ንዕኡ ኽንመስሎ የድሊ። (ሮሜ 15:5፣ 1 ጴጥ. 2:21) ከምኡ ኽንገብር እንኽእለሉ እተወሰነ መገድታት እስከ ንርአ።
17, 18. (ሀ) ብዛዕባ ጸሎት ካብ የሱስ እንታይ ኢና እንመሃር፧ (ለ) ኣዘውቲርና ‘ኽንልምን’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
17 መንፈስ ኣምላኽ ንኺወሃበካ ጸሊ። የሱስ፡ ገና ፈተናታት ከየጋጠሞ ኸሎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ንኺወሃቦ ጸልዩ እዩ። (ሉቃ. 22:40, 41) ንሕና እውን፡ መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና፡ ንኣምላኽ ክንልምኖ ኣሎና። የሆዋ ነቶም ብእምነት ዚሓትዎ ዘበሉ፡ ብናጻን ብብዝሕን መንፈሱ ይህቦም እዩ። (ሉቃ. 11:13) የሱስ፡ “ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ፡ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ” በለ።—ማቴ. 7:7, 8።
18 መንፈስን ሓገዝን የሆዋ ኽትደሊ ኸለኻ፡ ካብ ምልማን ቀልጢፍካ ኣይተቋርጽ። ብተደጋጋሚ ኣንዊሕና ኽንጽሊ የድልየና ይኸውን። ሓድሓደ እዋን፡ የሆዋ ነቶም ዚልምንዎ ምላሽ ቅድሚ ምሃቡ፡ እቲ ዚልምንዎ ነገር ክሳዕ ክንደይ ከም ዜተሓሳስቦምን ክሳዕ ክንደይ ናይ ሓቂ እምነት ከም ዘለዎምን ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ።a
19. የሱስ ወትሩ እንታይ ይገብር ነበረ፧ ንዕኡ ኽንመስሎ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧
19 ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተኣዘዞ። የሱስ ወትሩ ንኣቦኡ ዜሕጕስ ነገር ይገብር ነበረ። እንተ ወሓደ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ዅነታት ካብቲ ኣቦኡ ዚደልዮ ብእተፈልየ መገዲ ኺሕዞ ደልዩ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብምትእምማን ንኣቦኡ፡ “ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን” በሎ። (ሉቃ. 22:42) ንስኻ እውን ንርእስኻ፡ ‘ተኣዛዝነት ቀሊል ኣብ ዘይኰነሉ እዋን እውን ከይተረፈ ንኣምላኽ እእዘዞ ድየ፧’ ኢልካ ሕተት። ንኣምላኽ እነርእዮ ተኣዛዝነት፡ ንህይወት ኣገዳሲ እዩ። ከም ፈጣሪናን ምንጪ ህይወትናን መጠን፡ ምሉእ ብምሉእ ክንእዘዞ ይግብኣና እዩ። (መዝ. 95:6, 7) ተኣዛዝነት መተካእታ የብሉን። እዙዛት እንተ ዘይኴንና፡ ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።
20. ህይወት የሱስ ኣብ ምንታይ ዘተኰረት እያ ነይራ፧ ንዕኡ ኽንመስሎ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
20 ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕካ ፍለጦ። የሱስ ነቲ ኻብ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እምነቱ ዝወረዶ ቐጥታዊ መጥቃዕቲ ኺቃወም ከሎ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ እዩ። (ሉቃ. 4:1-13) ንሃይማኖታውያን ተቓወምቱ ምላሽ ኪህብ ከሎ እውን፡ ንቓል ኣምላኽ ከም ምንጪ ገይሩ ይጥቀመሉ ነበረ። (ማቴ. 15:3-6) ህይወቱ፡ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ምፍላጥን ኣብ ምፍጻምን ዘተኰረት እያ ነይራ። (ማቴ. 5:17) ንሕና እውን ንኣእምሮና በቲ እምነት ዜደልድል ቃል ኣምላኽ ክንምግቦ ኢና እንደሊ። (ፊል. 4:8, 9) ንገሌና፡ ናይ ብሕትን ናይ ስድራ ቤትን መጽናዕቲ እንገብረሉ ግዜ ምርካብ ኣጸጋሚ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ግዜ ኽሳዕ እንረክብ ኣብ ክንዲ እንጽበ፡ ግዜ ኽንዕድግ የድልየና ይኸውን።—ኤፌ. 5:15-17።
21. ንቓል ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንፈልጦን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ዚሕግዘና እንታይ መሰናድዎታት ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧
21 እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ፡” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን ግዜ ንኽንረክብ መሰናድዎ ብምግባር፡ ናይ ብሕትን ናይ ስድራ ቤትን መጽናዕቲ እንገብረሉ ግዜ ንኽንረክብ ሓጊዙና እዩ። (ማቴ. 24:45) እሞኸ ነዚ መሰናድዎ እዚ ብጥበብ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧ ሓሳብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺህልወካ፡ መጽናዕቲ ኣብ እትገብረሉ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ እትገብሮ ምርጫ፡ የሱስ እንታይ ከም ዝመሃረ ተጠንቂቕካ ኽትምርምር ትኽእልዶ፧ ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ እትገብረሉ ጕዳይ፡ ኣብቲ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ዚበሃል መሐበሪ ብዙሕ ተወሳኺ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ካብ 2008 ክሳዕ 2010 ኣብ ሕታም ህዝቢ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝወጸ፡ “ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ” ዘርእስቱ ዓምዲ፡ 12 ተኸታታሊ ዓንቀጽ ሒዙ ኣሎ። መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ፡ ነዚ ዓንቀጻት እዚ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ካብ 2008 ኣትሒዙ እውን፡ “ንኣምላኽ ቅረቦ” ዘርእስቱ ዓምዲ ይወጽእ ኣሎ። እዚ ዓምዲ እዚ፡ ንኣምላኽ ብዝያዳ ንኽትቀርቦ ኺሕግዘካ ተባሂሉ እተዳለወ እዩ። ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣብ እትገብረሉ እዋን፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓንቀጻት ስለምንታይ ዘይትጥቀመሉ፧
ንዓለም ክንስዕራ ንኽእል ኢና
22, 23. ንዓለም ንኽንስዕራ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
22 ብመንፈስ ኣምላኽ ክንምራሕ እንተ ደሊና፡ ንመንፈስ ዓለም ክንጻረሮ ኣሎና። ከምኡ ምግባር፡ ቀሊል ኣይኰነን። ከቢድ ግድል ኪዀነና ይኽእል እዩ። (ይሁ. 3) ኰይኑ ግን፡ ክንዕወት ንኽእል ኢና! የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኩም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” በሎም።—ዮሃ. 16:33።
23 ንሕና እውን፡ ንመንፈስ ዓለም እንተ ተቓዊምናዮን መንፈስ ኣምላኽ ንኽንረክብ ዚከኣለና እንተ ጌርናን፡ ንዓለም ክንስዕራ ንኽእል ኢና። እወ፡ “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧” (ሮሜ 8:31) መንፈስ ኣምላኽ ምስ እንረክብን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎ መምርሒታት ምስ እንስዕብን፡ ዕግበት፡ ሰላም፡ ሓጐስ፡ ኣብታ ድሕሪ ሓጺር እዋን እትህሉ ሓዳስ ዓለም ከኣ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኽንረክብ ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 170-173 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
• መንፈስ ዓለም እምብዛ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
• እንታይ ኣርባዕተ ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧
• መንፈስ ኣምላኽ ብዛዕባ ምቕባል፡ ካብ የሱስ ክንመሃሮ እንኽእል ሰለስተ ነገራት እንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ
ገሊኦም መላእኽቲ፡ ኣጋንንቲ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧
ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ
ሰይጣን ንሰባት ንምቍጽጻር፡ መንፈስ ዓለም ዚጥቀም እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕና ግን ካብ ጽልዋኡ ሓራ ኽንከውን ንኽእል ኢና