ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/8 ገጽ 14-15
  • ዶርቃስ እትፍቶ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዶርቃስ እትፍቶ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ የሆዋ ስለ እተወከልኩ፡ ናይ ሓቂ ድሕንነት ረኺበ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ክርስትያናት ንሓድሕዶም ተደጋጊፎም ኢዮም ዝነብሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ንጽል ኴንካ ንእትነብሮ ናብራ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/8 ገጽ 14-15

ንደቅኻ ምሃሮም

ዶርቃስ እትፍቶ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧

ኵልና ብሰባት ክንፍቶ ንደሊ ኢና። ንስኻኸ ኸምኡ ዲኻ እትደሊ፧—a መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓንቲ ብብዙሓት ሰባት እትፍቶ ዝነበረት ዶርቃስ እትበሃል ሰበይቲ ይነግረና እዩ።

ዶርቃስ ኣብታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ መዲተራነያን እትርከብ ከተማ ዮጴ እያ እትነብር ነይራ። የሩሳሌም ከኣ ካብ ዮጴ፡ ኣስታት 56 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ ትርከብ ነበረት። ዶርቃስ ሓንቲ ኻብቶም ቐዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እያ ነይራ።

ዶርቃስ ኣዝያ እትፍቶ ዝነበረት ስለምንታይ ይመስለካ፧— መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ትገብርን ንኻልኦት ህያብ ትህብን ከም ዝነበረት ይገልጽ እዩ። ንመበለታት፡ ማለት ሰብኡተን ንዝሞትወን ኣንስቲ፡ ጽቡቕ ክዳውንቲ ትሰፍየለን ነበረት። ብዘይካዚ፡ ልክዕ ከም የሱስ፡ ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ትነግሮም ነበረት።

ንዶርቃስ እንታይ ሕማቕ ነገር ከም ዘጋጠማ ትፈልጥዶ፧— ሓሚማ ሞተት። ኵሎም ፈተውታ ድማ ሓዘኑ። ናብቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝነበሮ ኣስታት 16 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ቦታ ኸኣ ሰባት ለኣኹ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ንጴጥሮስ ቀልጢፉ ኺመጽእ ለመንዎ። ሽዑ ጴጥሮስ ምስ መጸ፡ ናብቲ ዶርቃስ ዝነበረትሉ ላዕለዋይ ደርቢ ኸደ። ኵላተን እተን ኣንስቲ እናበኸያ፡ ነቲ ዶርቃስ ዝሰፈየትለን ክዳውንቲ ንጴጥሮስ የርእያኦ ነበራ።

ድሕሪኡ፡ ጴጥሮስ ንዅሎም ሰባት ካብቲ ኽፍሊ ኣውጽኦም። ንሱን ካልኦት ሃዋርያትን ቅድሚኡ ተኣምራት ገይሮም ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንምዉት ዘተንስአ ግና ኣይነበረን። እሞኸ ጴጥሮስ እንታይ ዝገበረ ይመስለካ፧—

ጴጥሮስ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ተምበርኪኹ ናብ የሆዋ ጸለየ። ድሕሪኡ ንዶርቃስ ንኽትትንስእ ነገራ። ንሳ ኸኣ ተንስአት። ጴጥሮስ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ደው ንኽትብል ሓገዛ። ነተን መበለታትን ንኻልኦት ሰባትን ጸዊዑ፡ ዶርቃስ ከም ዝተንስአት ኣርኣዮም። ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱ ኽትግምቶ ትኽእልዶ፧—

ካብቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዶርቃስ ዚገልጽ ታሪኽ እንታይ ክትመሃር ከም እትኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብቐዳምነት፡ ንኻልኦት ሰባት ትሕግዝ እንተ ዄንካ፡ ብዙሓት ሰባት ኪፈትዉኻ እዮም። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ኣምላኽ ኪዝክረካን ኪፈትወካን እዩ። ነቲ ንኻልኦት ሰባት እትገብሮ ሰናይ ነገራት ፈጺሙ ኣይኪርስዖን እዩ። ኣብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ድማ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበካ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

ግብሪ ሃዋርያት 9:36-43

ራእይ 21:3-5

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ