ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዕ
1 ዶርቃስ “ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት እያ” ነይራ። (ግብ. 9:36, 39) ለጋስ ምዃና ብየሆዋ ኣምላኽ ይኹን በቶም ዚፈልጥዋ ሰባት ከም እትፍቶ ገበራ። እብራውያን 13:16 “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ: ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ” ትብል። ንሕናኸ ሎሚ ሰናይ ክንገብርን ንኻልኦት ከነማቕልን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ሓደ ኻብቲ ንኻልኦት ክንሕግዘሉ እንኽእል መገዲ ‘ብጥሪትና’ እዩ። (ምሳ. 3:9) እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ እንገብሮ ወፈያ: ኣብ መላእ ዓለም ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ: ዓበይቲ ኣኼባታት ዚግበረሉ መአከቢ ኣደራሻት: ከምኡውን መሳለጥያታት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንኺህነጽ ኣኽኢሉ እዩ። ልግስና ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ ቲኦክራሲያዊ መምርሕን ሃናጺ መንፈሳዊ ምቅርራብን ኪጥቀሙ ሓጊዙ እዩ።
3 ንኻልኦት ኣጸናንዕ:- ባህርያዊ ዕንወት ኬጋጥም ከሎ: ህዝቢ የሆዋ ንክርስትያናት ብጾቶም ይኹን ከም ናቶም ዓይነት እምነት ንዘይብሎም ሰባት ‘ሰናይ ንምግባር’ ድሉዋት እዮም። (ገላ. 6:10) ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓደ ኬሚካል ዜፍሪ ትካል ንትጓ ምስ ኣጋጠመ: ኣብ ጥቓኡ ዚነብሩ ዝነበሩ ምርዑዋት ሰብኣይ ሰበይትን: “ክርስትያናት ኣሕዋትና ንገዛናን ኣብቲ ዝነበርናዮ ህንጻ ንዝነበረ ኻልእ ገዛውትን ኣብ ምጽራይ ንኺሕግዙና ቐልጢፎም መጹ። ጐረባብትና ብዙሓት ሰባት ኪሕግዙና ብምምጻኦም ኣዝዮም እዮም ተገሪሞም” በሉ። ካልእ ሓብቲ ድማ: “ሽማግለታት ንኺሕግዙናን ንኼተባብዑናን ኣብ ጐድንና እዮም ነይሮም። ከም ሓቂ: ካብ ስጋዊ ሓገዝ ንላዕሊ እዚ እዩ ዜድልየና ነይሩ” በለት።
4 ንጐረባብትና ሰናይ ክንገብረሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት እኳ እንተሎ: እቲ ዝበለጸ ኽንሕግዘሉ እንኽእል መገዲ ግን: ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ንእተመባጽዖ “ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ዜጠቓልል ክቡር ፍልጠት ሓቂ ምክፋል እዩ። (ቲቶ. 1:1, 2) መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብሰንኪ ዅነታት ዓለምን ሓጢኣቶምን ዚሓዝኑ ሰባት ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ኪህቦም ይኽእል እዩ። (ማቴ. 5:4) ሃየ እምበኣር ኢድና ኽትገብሮ ዚከኣላ እንተ ዀይኑ: ሰናይ ምግባርን ንኻልኦት ምምቓልን ኣይንረስዕ።—ምሳ. 3:27