‘ለጋሳትን መማቐልትን ኩኑ’
1 ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ጢሞቴዎስ ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ “ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ: ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ: ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ” ምእንቲ ክምዕዶም ሃዋርያ ጳውሎስ መምርሒ ሃቦ። (1 ጢሞ. 6:18) ብተወሳኺውን: ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት “ሰናይ ምግባርን ምምቓልን” ከይርስዑ ኣዘኻኸሮም። (እብ. 13:16) እዚ መምርሒታት እዚ ዝጸሓፈ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ “ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ . . . ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ” ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ኢዩ።—ሮሜ 2:10
2 የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ ናይ ኵሉ ነገር ወናኒ ኢዩ። (ራእ. 4:11) ብንብረቱ ንዓና ዝገብረልና ዘሎ ነገራት ብርግጽ ነማስወሉ ኢና። ብዙሓት ሰባት ዘየመስግኑ እኳ እንተዀኑ: እቲ ልዑል ግና ካብቲ ብህይወት ንኽንቅጽል ዘድልየና ብልግሲ ዘዳለዎ ነገራት ኵሎም ክጥቀሙ ፈቒድሎም ኣሎ። (ማቴ. 5:45) ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽንረክብ ኢሉ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ዘፍቅሮ ወዱ እውን ከይተረፈ ከም መስዋእቲ ገይሩ ሂቡና ኢዩ። እዛ ኣምላኽ ኣባና ዘንጸባረቓ ፍቕሪ እዚኣ ንሰባት ለጋሳት ብምዃን መማሰውቲ ምዃንና ንኸነመስክር ክትድርኸና ኣይግባእንዶ፧—2 ቈረ. 5:14, 15
3 እንታይ ኢና ከነማቕል እንኽእል፧ ዘሎና ዅሉ ሃብቲ ንኣምላኽ ብዘሐጕስ መገዲ ክንጥቀመሉ ግቡእ ኢዩ። ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብስጋውን መንፈሳውን መገዲ ክንድግፍ ከም እንደሊ እተረጋገጸ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: እቲ ብስራት “ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን” ስለ ዝዀነ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ክውንኖ ካብ ዝኽእል ነገራት እቲ ዝኸበረ ኢዩ። (ሮሜ 1:16) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ግዜናን ጥሪትናን ብልግሲ ኣብ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን ብምውዓል እዚ መንፈሳዊ መዝገብ ንኻልኦት እናማቐልና ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክንመርሖም ንኽእል ኢና።
4 ንድኻታት ክንሕግዞም ከሎና የሆዋ ይሕጐስ ኢዩ። ከም ዝባርኸና መብጽዓ ኣትዩልና ኢዩ: “ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን: ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ” ብምባል እውን መዘኻኸሪ ሂቡና ኣሎ። (ምሳ. 11:4፣ 19:17) ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብንዋት ምሕጋዝን ኣብ ስብከት ናይቲ ብስራት ምሉእ ብምሉእ ምክፋልን ብሓቂ ለጋሳትን መማቐልትን ምዃንና እነርእየሉ ዘደንቕ መገድታት ኢዩ።