ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/00 ገጽ 1
  • ‘ለጋሳትን መማቐልትን ኩኑ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ለጋሳትን መማቐልትን ኩኑ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ብሰናይ ግብሪ ሃብትም’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ምስ ኣምላኽ ምዕያይ የሐጕሰና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ብበረኸት ምዝራእ በረኸት የምጽእ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 6/00 ገጽ 1

‘ለጋሳትን መማቐልትን ኩኑ’

1 ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ጢሞቴዎስ ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ “ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ: ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ: ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ” ምእንቲ ክምዕዶም ሃዋርያ ጳውሎስ መምርሒ ሃቦ። (1 ጢሞ. 6:⁠18) ብተወሳኺውን: ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት “ሰናይ ምግባርን ምምቓልን” ከይርስዑ ኣዘኻኸሮም። (እብ. 13:⁠16) እዚ መምርሒታት እዚ ዝጸሓፈ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ “ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ . . . ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ” ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 2:⁠10

2 የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ ናይ ኵሉ ነገር ወናኒ ኢዩ። (ራእ. 4:​11) ብንብረቱ ንዓና ዝገብረልና ዘሎ ነገራት ብርግጽ ነማስወሉ ኢና። ብዙሓት ሰባት ዘየመስግኑ እኳ እንተዀኑ: እቲ ልዑል ግና ካብቲ ብህይወት ንኽንቅጽል ዘድልየና ብልግሲ ዘዳለዎ ነገራት ኵሎም ክጥቀሙ ፈቒድሎም ኣሎ። (ማቴ. 5:⁠45) ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽንረክብ ኢሉ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ዘፍቅሮ ወዱ እውን ከይተረፈ ከም መስዋእቲ ገይሩ ሂቡና ኢዩ። እዛ ኣምላኽ ኣባና ዘንጸባረቓ ፍቕሪ እዚኣ ንሰባት ለጋሳት ብምዃን መማሰውቲ ምዃንና ንኸነመስክር ክትድርኸና ኣይግባእንዶ፧​—⁠2 ቈረ. 5:⁠14, 15

3 እንታይ ኢና ከነማቕል እንኽእል፧ ዘሎና ዅሉ ሃብቲ ንኣምላኽ ብዘሐጕስ መገዲ ክንጥቀመሉ ግቡእ ኢዩ። ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብስጋውን መንፈሳውን መገዲ ክንድግፍ ከም እንደሊ እተረጋገጸ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: እቲ ብስራት “ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን” ስለ ዝዀነ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ክውንኖ ካብ ዝኽእል ነገራት እቲ ዝኸበረ ኢዩ። (ሮሜ 1:⁠16) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ግዜናን ጥሪትናን ብልግሲ ኣብ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን ብምውዓል እዚ መንፈሳዊ መዝገብ ንኻልኦት እናማቐልና ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክንመርሖም ንኽእል ኢና።

4 ንድኻታት ክንሕግዞም ከሎና የሆዋ ይሕጐስ ኢዩ። ከም ዝባርኸና መብጽዓ ኣትዩልና ኢዩ: “ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን: ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ” ብምባል እውን መዘኻኸሪ ሂቡና ኣሎ። (ምሳ. 11:⁠4፣ 19:⁠17) ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብንዋት ምሕጋዝን ኣብ ስብከት ናይቲ ብስራት ምሉእ ብምሉእ ምክፋልን ብሓቂ ለጋሳትን መማቐልትን ምዃንና እነርእየሉ ዘደንቕ መገድታት ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ