ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/02 ገጽ 3-4
  • ‘ብሰናይ ግብሪ ሃብትም’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ብሰናይ ግብሪ ሃብትም’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ስበኽ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ንሰናይ ነገር ጽዓት!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ‘ወንጌል መስክር’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ግበር’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 3/02 ገጽ 3-4

‘ብሰናይ ግብሪ ሃብትም’

1 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ናይቲ ብቕንኢ ዝፍጽሞ ዝነበረ ኣገልግሎቱ ምስ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ብቐረባ ሓቢሩ ይዓዪ ነበረ። ንኽልቲኦም ተመሳሳሊ መተባብዒ ቓላት ጽሒፍሎም ኢዩ። ንቲቶስ ‘እቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ክቐንኡ’ ኸም ዘለዎም ነገሮ። (ቲቶ. 3:⁠8) ንጢሞቴዎስ ከኣ እቶም ኣብ ኣምላኽ ዝእመኑ “ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ” ከም ዝግባእ ነገሮ። (1 ጢሞ. 6:⁠17, 18) እዚ ንዅላትና ጽቡቕ ማዕዳ ኢዩ! ኣብ ናብራና ሰናይ ግብሪ ንኽንፍጽም ዝድርኸና ግን እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታትከ እንታይ ግብርታት ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

2 ብሰናይ ግብሪ ንኽትህብትም ድራኸ ዘሕድረልካ ነገር ካብቲ ንየሆዋ ዘሎና እምነትን ፍቕርን ከምኡውን ካብቲ ንሱ ዝሃበና ዘደንቕ ተስፋ ኢዩ ዝምንጭ። (1 ጢሞ. 6:⁠19፣ ቲቶ. 2:⁠11) ብፍላይ ኣብዚ ወርሓት እዚ: የሆዋ ሉዓላውነቱ ንኸረጋግጽን ነቶም ዝግብኦም ደቅሰብ መገዲ ህይወት ንኽኸፍተሎምን ኢሉ ንወዱ ናብ ምድሪ ኸም ዝለኣኾ ንዘኻኸር ኢና። (ማቴ. 20:⁠28፣ ዮሃ. 3:⁠16) እዚ ኣብቲ ኣብ 28 መጋቢት ዝውዕል በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንጹር ክኸውን ኢዩ። ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ተስፋ ስለ ዘሎና ‘ብሰናይ ግብሪ ንምህብታም’ ዝከኣለና ዅሉ ንኽንገብር ኣይንድረኽንዶ ኢና፧ ብርግጽ ንድረኽ ኢና! ሕጂ እንታይ ግብሪ ኽንገብር ንኽእል፧

3 ኣብ ወርሒ መጋቢትን ድሕሪኡን ክንገብሮ እንኽእል ሰናይ ግብሪ:- ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ናይዛ ዓመት ዝዀነ በዓል ዝኽሪ ኸም እንእከብ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ሉቃ. 22:⁠19) እንተዀነ ግን ዓቕምና ብዝፈቕደልና መጠን ብዙሓት ካልኦት ኣብዚ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኸም ዝካፈሉ ኽንገብሮም ንደሊ ኢና። ኣብታ ናይ 1 ጥሪ 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ጸብጻብ ኣገልግሎት እሞ ርአ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ሃገራት ዝነበረ ብዝሒ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ ምስ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ኽወዳደር ከሎ ብሰለስተ: ኣርባዕተ: ሓሙሽተ: ወይ ካብኡ ብዝዛይድ ዕጽፊ ይበልጽ ኢዩ። ኣብ ብምሉኡ ዞባ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳል ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጉባኤ ብትግሃት ኽዓዪ ኸም ዘለዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ስለዚ: ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ኽሳዕ 28 መጋቢት ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ኣብ ምዕዳምን ብዛዕባ ተስፋ ድሕነት ንኽማሃሩ ኣብ ምሕጋዝን ብእተኻእለና መጠን ብዙሕ ግዜ ኸነሕልፍ ንደሊ ኢና።

4 ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እውን ኣብ ዕዮ ስብከት እቲ ብስራት ብውዕዉዕ መንፈስ ብምክፋልን ‘ንሰናይ ግብሪ ቐናኣት’ ብምዃንን ‘ብሰናይ ግብሪ ንምህብታም’ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣሎና። (ቲቶ. 2:⁠14፣ ማቴ. 24:⁠14) ኣብ መጋቢት ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን እንተ ዘይከኣልካ: ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ወይ ግንቦት ወይውን ኣብ ክልቲኡ ወርሒ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ተገልግል እንተሊኻ ድማ ኽትቅጽሎዶ ትኽእል፧

5 ገሊኣቶም ዓለማዊ ስራሕ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ናብ ስራሕ ክኸዱ ኸለዉ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ኣብ መገዲ እናኣገልገሉ ይኸዱ ወይ ከኣ ነቶም ብጊሓት ኣብ ዝኽፈት ናይ ንግዲ ቦታታት ዝሰርሑ ይምስክሩሎም ኢዮም። ካልኦት ከኣ ገለ ኽፋል እዋን ምስሖም ንዕዮ ምስክርነት ይምድብዎ። ገሊኣቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ንሓደ መሳርሕቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሑሉ ኽኢሎም ኢዮም። ብዙሓት ኣብ ቤት ዝውዕላ ኣንስቲ ሓዳር ደቀን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ንግራት ኣገልግሎት ዝኸውን ግዜ ኽምድባ ኽኢለን ኢየን። ዋኒን ገዝአን ኣንጊሀን ተንሲአን ብምስራሕ ንስብከትን ንምምሃርን ዝኸውን ዝያዳ ግዜ ረኺበን ኢየን።​—⁠ኤፌ. 5:⁠15, 16

6 ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን እኳ እንተ ዘይከኣልካ: ‘ገባር ሰናይ ንምዃን: ብሰናይ ግብሪ ንምህብታም: ከምኡውን ለጋስን መማቐልን ንምዃን’ ዝከኣለካ ዅሉ ብምግባር ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ተሳትፎ ንኽህልወካ ናይ ብሕትኻ መደብ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ።​—⁠1 ጢሞ. 6:⁠18

7 ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ሰናይ ግብሪ ኣይትረስዕ:- ኣብ ዓዓመት ናብ በዓል ዝኽሪ ዝመጹ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ነቶም ኣብቲ በዓል ዝእከቡ ግን ከኣ ዘየጽንዑ ሰባት ገለ ኣባላት እታ ጉባኤ ኣቓልቦ ኽገብሩሎም ምኸኣሉዶ፧ መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኽገብሩ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኽግበረሎም ምተኻእለዶ፧ ገለ ኻብቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝመጹ ሰባት: ኣዝማድ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ዝሓለፈ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ከምኡውን መጽናዕቲ ንኽጅምሩን ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ኣኼባታት ንኽካፈሉን እተወሰነ መተባብዒ ዘድልዮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ከማና ንጡፋት ኣገልገልቲ ዀይኖም ክንርእዮምሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዘምጽእ!

8 ኣብ ወርሒ መጋቢትን ድሕሪኡን ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ንጥፈታት ስለ ዝህልወና: ተመሊስና ኽንበጽሖም ዝግባእ ብዙሓት ተገደስቲ ምርካብና ዘይተርፍ ኢዩ። ክትፍለዮም ከሎኻ ሕቶ ሕተቶም። ድሕሪኡ ኣብታ እትቕጽል ምብጻሕ መልሲ ኽትነግሮም ምዃንካ ቓል እተወሎም። ከምዚ ኽንገብር ከሎና ንተመላሊስካ ምብጻሕ መገዲ ጸሪግና ማለት ኢዩ። ቀልጢፍና ተመሊስና እንተ በጻሕናዮም ከኣ ዝሓሸ ኢዩ። ንሰባት ኣብ ፈለማ ምስ ረኸብናዮም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምረሎም እንተ ዘይክኢልና: ኣብታ እትቕጽል ምብጻሕ ግን ብእተኻእለ መጠን መጽናዕቲ ኽንጅምረሎም ክንፍትን ኣሎና።

9 ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ክንጽመድ ከሎና: ምስ ሰባት ዝርርብ ንምጅማር ክንጽዕር ኣሎና። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ካብ ዝረኸብዎም ተገደስቲ ሰባት ስም: ኣድራሻ: ከምኡውን ቍጽሪ ቴለፎን ተቐቢሎም ኢዮም። እቲ ዝረኸብካዮ ሰብ ኣብ ዞባኻ ዘይነብር እንተ ዀይኑ: ካብ ኣደራሽ መንግስትኹም ‘በጃኻ ተኸታተሎ’ (S-43) ዝብል ወረቐት መሊእካ ንናይ ጉባኤኹም ጸሓፊ ሃቦ: ንሱ ድማ ብግዴኡ ነታ እቲ ሰብ ኣብ ዝነብረሉ ዞባ ዘላ ጉባኤ ኽህቦ ኢዩ። እቲ ጸሓፊ ነዚ ኽገብር እንተ ዘይክኢሉ: ናብታ ጉባኤ ምእንቲ ኽስደደሉ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክሰዶ ኢዩ። በዚ ኸምዚ እቲ ተገዳስነት ይዅስኰስ።

10 እቲ ዝረኸብካዮ ሰብ ኣድራሽኡ ዘይኰነስ ቍጽሪ ቴለፎኑ እንተደኣ ሂቡካ: ቴለፎን ብምድዋል ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበረሉ። ብዛዕባ እንታይ ከተመያይጦ ኸም እትደሊ ኣቐዲምካ ተዳሎ። መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ኣብ ጥቓኻ ግበራ። ገለ ኣስፋሕቲ ንገሊኣቶም ውልቀ⁠-​ሰባት እንተላይ ነቶም ኣብ ቤቶም ክረኽብዎም ዘይከኣሉ ብቴለፎን መጽናዕቲ ኣብ ምምራሕ ኣሳልጦ ይረኽቡ ኣለዉ። ሓንቲ ሓብቲ ነተን ኻብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከላ እትረኽበን ኣንስቲ ቝጽሪ ቴለፎነን ክትሓተን ጀመረት: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክምርሓለን ዝደልያ ክልተ ኣንስቲ ረኸበት።

11 ንዝዛሕተሉ ኣብ ምሕጋዝ ምስ ሽማግለታት ተሓባበር:- ሽማግለታት ነዞም ሰባት እዚኣቶም ፍቕራዊ ሓገዝ ምሃብ ኣዝዩ የገድሶም ኢዩ። ሓያሎ ዝዛሕተሉ ሰባት ብተበግሶኦም ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክካፈሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ መዝሙር 91 ተጠቒሱ ዘሎ መንፈሳዊ ድሕንነት ንምርካብ ምስ ማሕበር የሆዋ ጥብቂ ርክብ ክገብሩ ኸም ዘድልዮም ኣስተውዒሎም ኢዮም። ገሊኣቶም እንደገና ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንምክፋል ተዳልዮም ኣለዉ። ኣብዚ ወርሒ እዚ ኻልኦት ዝዛሕተሉ ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ እንተ ተኣኪቦም: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጅመረሎም ተሓጒሶም ፍቓደኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ጕዳይ ከምኡ እንተደኣ ዀይኑ: ሽማግለታት ነቶም ሓገዝ ዝደልዩ መጽናዕቲ ንኽምርሓሎም ምድላዋት ክገብሩ ኢዮም። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ደገፍካ ኽትህብ እንተደኣ ተሓቲትካ: እትገብሮ ምትሕብባር ዓብዪ ግምት ኢዩ ዝወሃቦ።​—⁠ሮሜ 15:⁠1, 2

12 ‘ሰናይ ግብሪ ምግባር’ ቀጽል:- ንሓደ ወርሒ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብቲ ዝቕጽል ወርሓት እውን ናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈታቶም ወሲኹ ኢዩ። ተመሊሶም ክበጽሕዎም ዝግባእ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ረኺቦም ኢዮም። እዚ ኸኣ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምእንቲ ኽገብሩሎም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ተወሳኺ ጻዕሪ ንኽገብሩ ደሪኽዎም ኢዩ። ንገሊኣቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሮምሎም: እዚ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ተሳትፎ ንኽህልዎም ሓጊዝዎም ኢዩ።

13 ገሊኣቶም ኣብ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ብዙሕ ሓጐስ ስለ ዝረኸቡ: ቀዳምነት ዝህብዎ ነገር ከም ብሓድሽ ንኽምርምሩ ተደሪኾም ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ገሊኣቶም ካብ ዓለማዊ ስርሖም ግዜ ብምቕናስ ብቐጻሊ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ኢዮም። ካልኦት ድማ ስርዓታውያን ፓይነራት ክዀኑ ኽኢሎም ኢዮም። ተስፋኦም ኣብ ዓለም ኣብ ዘሎ ነገራት ዘይኰነስ ብዝያዳ ኣብ ኣምላኽ ክገብሩ ኽኢሎም ኢዮም። “ለጋሳትን መማቐልትን” ምዃኖም ካብ የሆዋ ዓብዪ በረኸት ዘምጽእን “ናይ ሓቂ ህይወት” ንኽረኽቡ ዘለዎም ተስፋ ዘደልድሎን ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። (1 ጢሞ. 6:⁠18, 19) ርግጽ ኢዩ: ብዙሓት ሰባት ፓይነራት ብዝዀኑ መጠን: ብምልእታ እታ ጉባኤ ኢያ እትጥቀም። ፓይነራት ብዛዕባ ተመክሮታቶም ከዘንትዉን ካልኦት ምሳታቶም ንኸገልግሉ ኽዕድሙን ባህ ይብሎም ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብታ ጉባኤ ውዕዉዕ መንፈሳዊ ሃዋሁ ኸም ዝህሉ ይገብር።

14 ኣብዚ በዓል ዝኽሪ ዝኽበረሉ ወቕትን ድሕሪኡን ኵላትና ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እንገብሮ ተሳትፎ ብምውሳኽ: ‘ብሰናይ ግብሪ ንሃብትም።’ ነቲ የሆዋ ኣብ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ብምሃብ ዝገበረልና ምድላው ሞሳና ነርኢ።​—⁠2 ጴጥ. 3:⁠13

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ