ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/02 ገጽ 3
  • ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ግበር’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ግበር’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሰናይ ነገር ጽዓት!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ‘ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ስበኽ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ሚያዝያ—‘ኣበርቲዕና እንዓየላን እንጽዕረላን’ ወርሒ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ‘ብሰናይ ግብሪ ሃብትም’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 4/02 ገጽ 3

‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ግበር’

1 ኣብ ናይ ለካቲትን መጋቢትን 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ‘ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ስበኽ’ ከምኡውን ‘ብሰናይ ግብሪ ሃብትም’ ዝብል ኣርእስትታት ዘለዎ ዓንቀጻት ወጺኡ ነይሩ። (ቈሎ. 1:⁠25፣ 1 ጢሞ. 6:⁠18) ኣብዘን ሕታማት እዚኣተን ተገደስቲ ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ንኽእከቡ: ዝዛሕተሉ ምስ ጉባኤ ንኽሓብሩ: ከምኡውን ቈልዑ ዀኑ ብቕዓት ዘለዎም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብስራት ምስባኽ ንኽጅምሩ ኣብ ምሕጋዝ ዝያዳ ጻዕሪ ንኽንገብር ተተባቢዕና ኢና። ብትግሃት ብምጽዓርና እተወሰነ ኣሳልጦ ኸም ዝረኸብና ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሕጂ እምበኣር ‘ግዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ ሰናይ ምግባር [ኣይነቋርጽ]።’​—⁠ገላ. 6:10

2 እንደገና ናብ ኣኼባታት ክመጹ ዓድሞም:- ኣብ ዞባና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ በዓል ዝኽሪ ኻብ ዝእከቡ ሰባት ልዕሊ ፍርቂ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ኣይኰኑን። ሓንሳእ ናብ ኣኼባ ምምጽኦም እተወሰነ ተገዳስነት ከም ዘለዎም ስለ ዘርኢ ነዞም “ንዘለኣለማዊ ህይወት ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት “ኣመንቲ” ንኽዀኑ ንኽንሕግዞም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ግብ. 13:⁠48 NW ) ብእተኻእለካ መጠን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኽእከቡ ቐልጢፍካ ዓድሞም።

3 ተገዳስነት ንዘለዎ ሰብ ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ መጺኡ ብዛዕባ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ባህ ዘብል ምይይጥ ክግበር ከሎ ኽሰምዕ ንምንታይ ዘይትዕድሞ፧ ኣብ ዝመጽእ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍሊ እንተልዩካ: ንዘመድካ ወይ ንእትፈልጦ ሰብ ኣብ ኣኼባ መጺኡ ክፍልኻ ኽሰምዕ ክትዕድሞ ትኽእል ኢኻ። ኣርእስትታት ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ዝቐርብ ህዝባዊ ዝርርባት ንገሮ። (ኣብቲ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ እዋናዊ መደብ ክልጠፍ ኣለዎ።) ነቲ ተገዳሲ ንየሆዋ ናይ ምምላኽ ባህጊ ኸለዓዕለሉ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ኣናዲ። ምስ ሓደ ኻብቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣስፋሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየጽንዕ እንተ ዀይኑ ኸኣ ምሳኻ ንኸጽንዕ ብሕያውነት ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

4 ንዝዛሕተሉ ምትብባዕ ኣይተቋርጽ:- ብዙሓት ካብቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ድሮ ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ድሕሪ ገለ ግዜ ነቲ ብስራት ብንጥፈት ምስባኽ ኣቋረጹ። ጳውሎስ ግን “ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ኢሉ ተላብዩና ኢዩ። (ገላ. 6:10) ስለዚ: ንዝዛሕተሉ ሰባት ዝያዳ ኽንሓልየሎም ኣሎና።

5 ምናልባት ገሊኣቶም ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እንደገና ንኽካፈሉ ኻብ ሽማግለታትን ካልኦትን እተዋህቦም ምትብባዕ ተቐቢሎሞ ይዀኑ። ምስ ሓደ ዛሕቲሉ ዝነበረ ኣስፋሒ ኸተገልግል ብሽማግለታት እንተ ተመዲብካ: እቲ ንየሆዋን ንግራት ኣገልግሎትን ዘሎካ ፍቕሪ ነቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ምትእምማን ከም ዘሕድረሉ ኣይትረስዕ። ካብ ኣገልግሎት ሓጐስ ምእንቲ ኽረክብ: ንዕዮ ስብከት ኣጥቢቑ ምእንቲ ኽሕዞ: በረኸት የሆዋ ኸኣ ምእንቲ ኽረክብ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እትካፈል ኣርእዮ።

6 ንሓድሽ ኣስፋሒ ጽቡቕ ጌርካ ኣጀምሮ:- ሓንቲ ተገዳሲት ሰበይቲ ናይ ሓቂ ማሕበር ኣምላኽ ኸም ዝረኸበት ምስ ፈለጠት: ብኡንብኡ ኣገልግሎት ክትጅምር ደለየት። ካብኣ እንታይ ብቕዓት ከም ዝሕተት ምስ ተማህረት: “ቀልጢፈ ኣገልግሎት ክጅምር ኢየ ዝደሊ” በለት። ምሳኻ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ዝነበረ ሰብ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክካፈል እንተ ተፈቒዱሉ: “ቀልጢፉ ኽጅምሮ” ዘለዎ ስለምንታይ ምዃኑ ንኽግንዘብ ሓግዞ: በዚ ኸምዚ ነቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ብጽቡቕ ተጀምሮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንግራት ኣገልግሎት ናይ ምድላውን ምስታፍን ልማድ ንኸጥሪ ሓግዞ።

7 ውላድካ ሓድሽ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ እንተደኣ ዀይኑ: ዕቤት ምእንቲ ኽገብር ብመጠን ዕድሚኡን ክእለቱን ምስኡ ብሓባር ኣገልግል። እተወሰነ ሓገዝ ጥራይ ምስ ገበርካሉ ምስ ካልእ ሰብ ጽቡቕ ዝርርብ ክገብር: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብበሉ: ከምኡውን ጽሑፋት ከበርክት ብምኽኣሉ የገርመካ ይኸውን። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ሓደ ሰብ ብጽቡቕ እንተ ተቐቢልዎ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽገብርን ነቲ ዝረኸቦ ተገዳስነት ንኽዅስኵስን ኣሰልጥኖ።

8 ኣገልግሎትካ ኣስፍሕ:- በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝኽበረሉ ወቕቲ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ካልእ እዋን እውን ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት እትገብሮ ተሳትፎ ንኸተዛይድ ኵነታትካ ይፈቕደልካ ድዩ፧ ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰሰሙን ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ግዜ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓታት ክትውስኽ ትኽእልዶ፧ እንደገና ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ንኸተገልግል እትኽእለሉ እዋን ተናዲዶ ኣሎኻ፧ ወይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምእታው ኣነባብራኻ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧ ኵሉ እቲ ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ጻዕሪ ካልእ ሰብ ሓቂ ንኽቕበል ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ! (ግብ. 8:⁠26-39) ካብ ሕጂ ንደሓር እምበኣር ‘ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድናን ንዅሉን ሰናይ ንምግባር ንጋደል።’​—⁠1 ተሰ. 5:15

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]

ነዞም ዝስዕቡ ሓገዝ ካብ ምግባር ኣይተቋርጽ

□✔ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝመጹ ተኣከብቲ

□✔ ዛሕቲሎም ዝነበሩ ኣስፋሕቲ

□✔ ሓደስቲ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ