ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/9 ገጽ 3
  • ጠንቂ ዅሉ እከይ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጠንቂ ዅሉ እከይ መን እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጭከና የኽትም ደዀን ይኸውን፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ሰናይ ንእከይ ዚስዕሮ ብኸመይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/9 ገጽ 3

ጠንቂ ዅሉ እከይ መን እዩ፧

“ምስ ድያብሎስ ሰላም ተበሃሂለ እየ።” ሓደ ኣብ ሩዋንዳ ዝነበረ ኣዛዚ ሓይልታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ብ1994 ኣብታ ሃገር እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ደው ኬብልዎ ኸም ዘይከኣሉ ኺገልጽ ከሎ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በለ። ካልእ ተዓዛቢ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝነበረ ኺእመን ዘይከኣል ኣረሜናዊ ተግባር ኪገልጽ ከሎ፡ “ሰይጣን ከም ዘየለ ብድፍረት ዚዛረብ ሰብ እንተ ኣልዩ፡ ኣብቲ ኣብ ሩዋንዳ ዚርከብ ጋህሲ ንራኸብ” በለ። ድያብሎስ፡ ብሓቂ ምንጪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜስካሕክሕ ነገራት ድዩ፧

መብዛሕትኦም ሰባት፡ ጠንቂ ዓመጽን ጭካነን፡ ሓደ ዘይርአ እኩይ መንፈሳዊ ፍጡር ከም ዝዀነ ገይሮም ኣይሓስቡን እዮም። የግዳስ፡ ጠንቂ እዚ ዅሉ ነገራት፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኽፉእ ባህርይ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚኣምኑ። ገሊኣቶም ሰባት ከኣ፡ ንዓለም ንኺገዝእ ኢሉ ንሰባት ንዓሰርተታት ዓመታት ኪጸሉ ዝጸንሐ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብምስጢር ዚንቀሳቐስ ጕጅለ ሃብታማትን ሓያላትን ሰባት ከም ዘሎ ገይሮም ይሓስቡ። ጠንቂ ዅሉ ግፍዕን መከራን፡ መንግስትታትን ገዛእትን ምዃኖም ዚገልጹ ሰባት እውን ኣለዉ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ነቲ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዚርአ ዘሎ እከይን ጭካነን ግፍዕን መከራን ንምቍጽጻር ጻዕሪ እኳ እንተ ተገብረ፡ መመሊሱ ዜስፋሕፍሕ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ደቂ ሰብ ነቲ ብተደጋጋሚ ዚርአ ዘሎ መጠንቀቕታ ጸማም እዝኒ ዚህብዎን ናብ ጥፍኣት ገጾም ዜምርሑን ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ ጠንቂ እዚ ዅሉ መን እዩ፧ ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎኸ መን እዩ፧ እቲ መልሲ የገርመካ ይኸውን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ