ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ምንጪ ብርታዐ ዀነኒ
ማርሶ ላርዋ ዘዘንተዎ
ኣብ ክፍለይ ንበይነይ ኰይነ፡ ነተን፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ዚብላ ቓላት ከንብብ ጀመርኩ። ንምንታይ እየ ግና ተሓቢአ ዘንብብ ነይረ፧ እቲ ኣብ ህልውና ኣምላኽ ዘይኣምን ዝነበረ ኣቦይ፡ ነቲ ሒዘዮ ዝነበርኩ መጽሓፍ፡ ማለት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምንባበይ ከም ዘይሕጐስ እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ እየ።
ቅድሚኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ ስለ ዘይፈልጥ፡ እተን ኣብ ዘፍጥረት ዚርከባ ናይ መጀመርታ ቓላት ኣዝየን መሰጣኒ። ‘እቲ ዅሉ ግዜ ዜገርመኒ ዝነበረ ስኒት ግኡዛዊ ሕግታት ኪህሉ ዝኸኣለ እምበኣር ብኸምኡ እዩ’ ኢለ ኸኣ ሓሰብኩ። ኣዝየ ስለ እተመሰጥኩ፡ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ክሳዕ ንጽብሒቱ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ንግሆ ኣንበብኩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝቐጸለ፡ ቃል ኣምላኽ ናይ ምንባብ ልምዲ ጀመርክዎ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ምንጪ ብርታዐ ዝዀነኒ ብኸመይ ምዃኑ እስከ ኸዘንትወልኩም።
“ኵሉ ግዜ ኸተንብቦ ኢኻ”
ብ1926 ኣብታ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ እትርከብ መዐደኒ ኸሰል ዝነበራ ቨርመል እትበሃል ቍሸት እየ ተወሊደ። ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ከሰል ሃገራዊ ኣገዳስነት ዝነበሮ ኣቕሓ ስለ ዝነበረ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ መዐደኒ እሰርሕ ስለ ዝነበርኩ፡ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ነበርኩ። ኰይኑ ግና፡ ዝሓሸ ናብራ ኽነብር ስለ ዝደለኹ፡ ብዛዕባ ራድዮን ኤለክትሪክን ከጽንዕ ጀመርኩ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ግኡዛዊ ሕግታት ዘሎ ስኒት ከም ዝድነቕ ገበረኒ። ወዲ 21 ምስ ኰንኩ፡ ሓደ መማህርተይ፡ “ኪንበብ ዘለዎ መጽሓፍ እዩ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ሃበኒ። ኣንቢበ ምስ ወዳእክዎ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣመንኩ።
ጐረባብተይ እውን ልክዕ ከማይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተሃንጥዮም ዜንብብዎ ስለ ዝመሰለኒ፡ ንዕኦም ኢለ ሸሞንተ ቕዳሕ ተቐበልኩ። እቲ ዜገርም ግና፡ ላግጽን ምጽራርን እዩ ኣጋጢሙኒ። ኣብ ማሪት ዚኣምኑ ኣዝማደይ፡ “ነዚ መጽሓፍ እዚ ሓንሳእ ከተንብቦ እንተ ጀሚርካ፡ ኣኺሉካ ዅሉ ግዜ ኸተንብቦ ኢኻ” ኢሎም ኣጠንቀቑኒ። ልክዕ ከምቲ ዝበሉኒ ምግባረይ ኣየጣዕሰንን እዩ። አረ ኣብ መላእ ህይወተይ ልማድ ገይረዮ እየ።
ገሊኣቶም ጐረባብተይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ተገዳስነት ምስ ረኣዩ፡ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተቐበልዎ ጽሑፋት ይህቡኒ ነበሩ። ንኣብነት፡ ዋን ዎርልድ ዋን ጋቨርንመንትa (ኣብዚ ብፈረንሳይኛ እትርአ ዘላ) ዘርእስታ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል እትገልጽ ንእሽቶ ጽሑፍ ሃቡኒ። (ማቴ. 6:10) ነዚ ተስፋ እዚ ንኻልኦት ከካፍሎም ከኣ ቈረጽኩ።
ሓደ ኻብቶም ንመጀመርታ እዋን ካባይ መጽሓፍ ቅዱስ እተቐበሉ ሰባት፡ ኖኤል ዝስሙ ናይ ንእስነት ዓርከይ ነበረ። ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ሓደ ኻህን ኪኸውን ዜጽንዕ ዝነበረ ሰብኣይ ከም እንራኸብ ገበረ። ፈሪሀ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ከምቲ ኣብ መዝሙር 115:4-8 ዀነ ኣብ ማቴዎስ 23:9, 10 ዘንበብክዎ፡ ኣምላኽ ንኣምልኾ ጣኦት ከም ዘይቅበሎን ንመራሕቲ ሃይማኖት ብመዓርጎም ምጽዋዕ ከም ዘይድግፎን እፈልጥ ነይረ እየ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ሓድሽ እምነተይ ንኽጣበቐሉ ኣተባብዓኒ። ከም ውጽኢቱ፡ ኖኤል ሓቂ ተቐበለ፣ ክሳዕ ሎሚ ድማ እሙን ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ የገልግል ኣሎ።
ንሓብተይ እውን ክበጽሓ ኸድኩ። ሰብኣያ ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ ዚገልጽ መጻሕፍቲ ስለ ዝነበሮ፡ ኣጋንንቲ የሸግርዎ ነበሩ። ዋላ እኳ ኣብ ፈለማ ሓይሊ ዘይብለይ ኰይኑ እንተ ተሰምዓኒ፡ ከም እብራውያን 1:14 ዝኣመሰለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መላእኽቲ የሆዋ ኸም ዚሕግዙኒ ኣእመነኒ። ዘማይ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓሎን ምስ ስሒራዊ ተግባራት ንዚተሓሓዝ ኵሉ ነገራት ምስ ኣወገደን፡ ካብ ጽልዋ ኣጋንንቲ ናጻ ኪኸውን ከኣለ። ንሱን ሓብተይን ከኣ ቀናኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ።
ብ1947 ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጸ ኣርተር ኢምዮት ዝስሙ ሓው ናብ ቤተይ መጸ። ኣዝየ ስለ እተሓጐስኩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣበይ ከም ዚእከቡ ሓተትክዎ። ኣብታ ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ሌቮን እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ፡ ሓንቲ ጕጅለ ኸም ዘላ ነገረኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብሽክለታ እውን እንተ ዀነ ምዕዳግ ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ፡ ንሓያሎ ኣዋርሕ ናብ ኣኼባታት ብእግረይ እመላለስ ነበርኩ። እቲ ኣብ ፈረንሳ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዚእገድ ሸሞንተ ዓመት ሓሊፉ ነበረ። ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ከኣ፡ 2,380 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ነበሩ፣ መብዛሕትኦም ድማ፡ ፖላንዳውያን ስደተኛታት እዮም ነይሮም። ብ1 መስከረም 1947 ግና፡ ኣብ ፈረንሳ ዚግበር ዝነበረ ዕዮና እንደገና ብሕጊ ተፈላጥነት ረኸበ። ኣብ ቪላ ጊበር፡ ፓሪስ ከኣ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንደገና ተኸፍተ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ፈረንሳ ዋላ ሓደ ፈላሚ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ታሕሳስ 1947 ዝወጸት ሕታም ኢንፎርማንት (ሕጂ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና)፡ ኣብ ወርሒ 150 ሰዓት ዚሰብኩ ስሩዓት ፈለምቲ ኸም ዚድለዩ ዚሕብር ጻውዒት ኣቕረበት። (ብ1949፡ እቲ ሰዓታት ናብ 100 ኸም ዚወርድ ተገብረ።) ኣነ ኸኣ ምስቲ ኣብ ዮሃንስ 17:17 ዚርከብ፡ “ቃልካ [ቃል ኣምላኽ] ሓቂ እዩ” ዚብል ቃላት የሱስ ምሉእ ብምሉእ ብምስምማዕ፡ ብ1948 ተጠመቕኩ፣ ብ1949 ከኣ ፈላሚ ዀንኩ።
ካብ ማእሰርቲ ናብ ዳንከርክ ተመለስኩ
ፈለማ፡ ናብታ ኣብ ደቡብ ፈረንሳ እትርከብ ከተማ ኣዠን እኳ እንተ ተመደብኩ፡ ነዊሕ ግና ኣይጸናሕኩን። ካብ ስራሕ ዕደና ኣቋሪጸ ስለ ዝነበርኩ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህብ ነበረኒ። ስለ ዝኣበኹ ግና፡ ተኣሰርኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ክሕዝ እኳ እንተ ዘይተፈቕደለይ፡ ካብ መጽሓፍ መዝሙር ሒደት ገጻት ረኸብኩ። ንዕአን ብምንባብ ከኣ ተተባባዕኩ። ምስ ተፈታሕኩ፡ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣቋሪጸ ናብራይ ክገብር እንተ ዀይነ ኽውስን ነበረኒ። ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብክዎ ሓሳባት ሓጊዙኒ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ፊልጲ 4:11-13 ዚርከብ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ዚብል ቃላት ጳውሎስ ኣስተንተንኩ። ፈላሚ ዀይነ ክቕጽል ከኣ ወሰንኩ። ብ1950 ድማ ናብታ ኣቐዲመ ዝሰብከላ ዝነበርኩ ኸተማ ዳንከርክ ተመደብኩ።
ኣብታ ኸተማ ኣብ ዝበጻሕኩሉ እዋን፡ ዋላ ሓንቲ ኣይነበረንን። እታ ኸተማ ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣመና ዓንያ ስለ ዝነበረት፡ መዕረፍ ኣጋይሽ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ናብ ሓንቲ ቕድሚ ሕጂ ዝሰብከላ ዝነበርኩ ስድራ ቤት ክኸይድ ወሰንኩ፣ እታ ሰበይቲ ምስ ረኣየትኒ ተሓጐሰት፣ “ሚስተር ላርዋ፡ መዓስ ደኣ ተፈቲሕካ፧ ከምቲ ሰብኣየይ ዝነገረኒ፡ ከማኻ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰብኡት እንተ ዚህልዉ፡ ውግእ ኣይምሃለወን ነይሩ” በለትኒ። መዕረፍ ኣጋይሽ ስለ ዝነበሮም፡ ክሳዕ እቲ በጻሕቲ ዚመጹሉ ወቕቲ ዚኣክል ኣብኡ ኽጸንሕ ፈቐዱለይ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኢቫንዝ ዝስሙ ንኣርተር ኢምዮት ሓዉ፡ ስራሕ ረኸበለይ።b ንሱ ኣብቲ ወደብ ከም ኣስተርጓሚ ዀይኑ እዩ ዚዓዪ ነይሩ። ለይቲ ለይቲ ንመርከብ ዚሕሉ ዋርድያ ይደሊ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ምስ ሓደ ኻብቶም ሓለፍቲ እታ መርከብ ኣፋለጠኒ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽአይ፡ ኣመና ዓቢረ ነበርኩ። ኢቫንዝ ነቲ ሓላፊ፡ ክሳዕ ክንድኡ ዝዓበርኩሉ ምኽንያት ምስ ነገሮ፡ እቲ ሓላፊ፡ ካብቲ ኣብ መዝሓሊ ዘሎ ምግቢ ኽበልዕ ከም ዝኽእል ነገረኒ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ መዕረፍን ስራሕን ምግብን ረኸብኩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብተን ኣብ ማቴዎስ 6:25-33 ዚርከባ ቓላት የሱስ ዝነበረኒ እምነት ኣዝዩ ደልደለ።
በጻሕቲ ዚመጹሉ ወቕቲ ምስ ኣኸለ፡ ኣነን ሲሞን ኣፖሊናርስኪ ዝስሙ መገላግልተይን ካልእ መዕረፊ ኸነናዲ እኳ እንተ ነበረና፡ ኣብቲ እተመደብናሉ ቦታ ኽንቅጽል ቈሪጽና ኢና ኔርና። ኣብ ሓደ ዝኣረገ እንዳ ፈረስ፡ መዕረፊ ረኸብና፣ ብሓሰር ኣብ ዝመልአ ፍርናሽ ከኣ ንድቅስ ነበርና። ምሉእ መዓልቲ ኸነገልግል ኢና እንውዕል ኔርና። ንወናኒ እቲ እንዳ ፈረስ እውን መስኪርናሉ ኢና፡ ሓደ ኻብቶም ንሓቂ እተቐበሉ ብዙሓት ሰባት ድማ ዀነ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብቲ ኸባቢ እትሕተም ጋዜጣ፡ “ንጥፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ኸባቢ ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ” ዚብል ንተቐማጦ ዳንከርክ ዜጠንቅቕ ዜና ሒዛ ወጸት። ኰይኑ ግና፡ እቶም ኣብኡ ዝነበርና ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣነን ሲሞንን ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ ኣስፋሕትን ጥራይ ኢና ኔርና። ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ተስፋናን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓና እተኸናኸነሉ መገድን ብምስትንታን ንተባባዕ ነበርና። ብ1952 ካብ ዳንከርክ ኣብ እተቐየርኩሉ እዋን፡ ኣብቲ ቦታ፡ 30 ዚዀኑ ስሩዓት ኣስፋሕቲ ነበሩ።
ሓድሽ ሓላፍነታት ንምስካም በርታዕኩ
ኣብ ከተማ ኣምየን ንሓጺር እዋን ምስ ኣገልገልኩ፡ ኣብ ከባቢ ብሎንየ-ቢዮንከር፡ ፓሪስ፡ ከም ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ። ብዙሓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነበሩኒ፣ ገሊኣቶም ከኣ ጸኒሖም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትን ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነትን ተኻፊሎም እዮም። ንኣብነት፡ ጊ ማቢላ ዝስሙ ሓደ መንእሰይ፡ ሓቂ ተቐቢሉ፡ ሓላው ወረዳን ሓላው ኣውራጃን ኰይኑ ኣገልገለ። ጸኒሑ ኸኣ፡ ነቲ ኣብቲ ኻብ ፓሪስ ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ሉቭየ ኣብ ዚርከብ ቤትኤል ዚግበር ዝነበረ ህንጸት ክፍሊ ሕትመት፡ ብሓላፍነት ይከታተሎ ነበረ። ኣብ ኣገልግሎት ዝገብሮ ዝነበርኩ ተደጋጋሚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ፡ ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ ኣብ ኣእምሮይ ከም ዚቕረጽ ገይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብሓጐስ ከም ዝምላእን ክእለት ኣመሃህራይ ከም ዘመሓይሽን ገይሩኒ እዩ።
ድሕሪኡ፡ ብ1953 ዘይተጸበኽዎ ነገር ኣጋጠመ፣ ኣብ ኣልሳስ-ሎረይን ከም ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ። እዚ ቦታ እዚ፡ ካብ 1871 ክሳዕ 1945 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ክልተ ሳዕ ብጀርመን ተወሪሩ ስለ ዝነበረ፡ ጀርመንኛ ኽመሃር ነበረኒ። ዕዮ ወረዳ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን፡ ኣብቲ ቦታ እቲ፡ ሒደት ማካይንን ቴሌቪዥንን ናይ ጽሕፈት ማካይንን እየን ነይረን፣ ረድዮ ዀነ ኮምፕዩተር እውን ኣይነበረን። ዜሕዝን ህይወት ወይ ናብራ መናኒ ግና ኣይኰንኩን ዚነብር ነይረ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ ህይወት እየ ኣሕሊፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ኪዓናቕፍ ዚኽእል ነገራት ካብ ናይ ሎሚ ዝወሓደ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ‘ጥዕይቲ ዓይኒ’ ኽትህልወና ኸም ዚግባእ ዚገልጽ ምኽሪ ምስዓብ ቀሊል እዩ ነይሩ።—ማቴ. 6:19-22።
ነቲ ብ1955 ኣብ ፓሪስ እተገብረ፡ “ዕዉትቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ፡ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ኣብኡ ምስታ ኻባይ ሓደ ዓመት ኣቐዲማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጀመረት ኢሪን ኮላንስኪ እትበሃል፡ ጸኒሓ ብዓልቲ ቤተይ ዝዀነት ሓብቲ ተራኸብኩ። እቶም ፖላንዳውያን ዝዀኑ ወለዳ፡ ንነዊሕ እዋን ብቕንኣት ዘገልገሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከኣ፡ ኣዶልፍ ዌበር በጺሕዎም ነበረ። እዚ ሓው እዚ፡ ኣታኽልተኛ ሓው ራስል እዩ ነይሩ፡ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪእውጅ ከኣ እዩ ናብ ኤውሮጳ መጺኡ። ኣነን ኢሪንን ብ1956 ተመርዓና፣ ኢሪን ድማ ምሳይ ኰይና ኣብ ዕዮ ወረዳ ተሰንየኒ ነበረት። ኣብ ብምሉኡ እዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብሓቂ ደጊፋትኒ እያ።
ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ካልእ ዘይተጸበኽዎ ነገር ኣጋጠመ፣ ሓላው ኣውራጃ ዀይነ ተሸምኩ። ኰይኑ ግና፡ ሕጽረት ብቑዓት ኣሕዋት ስለ ዝነበረ፡ ከም ሓላው ወረዳ ዀይነ ንገሊአን ጉባኤታት እበጽሐን ነበርኩ። ብስራሕ ኣዝየ ትሑዝ እየ ነይረ። ኣብ ወርሒ 100 ሰዓት ከገልግል፡ ኣብ ሰሰሙን መደረታት ከቕርብ፡ ሰለስተ ትምህርቲ መጽሓፍ ክበጽሕ፡ መዝገብ ክምርምር፡ ከምኡውን ጸብጻብ ከዳሉ ነበረኒ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ግዜ ሰኣንኩ። ስለዚ ድማ፡ ሓንቲ ኣማራጺት ጥራይ እያ ነይራትኒ፣ ካብ ሓደ ዝኣረገ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ገጻት ቀዲደ ኣብ ጁባይ ምሓዝ። ቈጸራ ኽጽበ ኸለኹ ኸኣ፡ ኣውጺአ አንብቦ ነበርኩ። እዘን መንፈስ ዜሐድሳ ሓጸርቲ እዋናት፡ ነቲ እተዋህበኒ ሓላፍነት ብዚግባእ ንኽዋጽኣሉ ሓጊዘናኒ እየን።
ብ1967 ኣነን ኢሪንን ቀወምቲ ኣባላት እቲ ኣብ ብሎንየ-ቢዮንከር ዝነበረ ስድራ ቤትኤል ክንከውን ጻውዒት ቀረበልና። ኣነ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ክዓዪ ጀመርኩ፣ ሕጂ እውን ድሕሪ 40 ዓመት ኣብኡ አገልግል ኣለኹ። ሓደ ኻብቲ ኣዝየ ዝፈትዎ መዳይ ዕዮይ፡ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ደብዳበታት ምምላስ እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ክዅዕትን ‘ንወንጌል ክመጻረን’ ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ። (ፊል. 1:7) ነቲ ንግሆ ንግሆ ቕድሚ ቝርሲ ዚግበር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ምምራሕ እውን ባህ የብለኒ እዩ። ብ1976 ኣባል ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፈረንሳ ዀይነ ተሸምኩ።
ብሉጽ መገዲ ህይወት
ኣሸጋሪ እዋናት እኳ እንተ ኣሕለፍኩ፡ ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ዚኸብደኒ ግና፡ ኣነን ኢሪንን ብሰሪ ምድፋእ ዕድመን ጸገም ጥዕናን ከምቲ እንደልዮ ኽንገብር ዘይምኽኣልና እዩ። ይኹን እምበር፡ ብሓባር ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እነንብብን ስለ እነጽንዕን፡ ተስፋና ህያው እዩ። ነዚ ተስፋ እዚ ንኻልኦት ከነካፍሎም ስለ እንደሊ፡ ናብ ክሊ ጉባኤና ብኣውቶቡስ ኢና እንኸይድ። ክልቴና ብድምር ንልዕሊ 120 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ስለ ዘሕለፍና፡ ነቶም ባህ ዜብልን ጠቓምን ህይወት ኬሕልፉ ዚደልዩ ሰባት፡ ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪኣትዉ ኢና እንመኽሮም። ንጉስ ዳዊት ነተን ኣብ መዝሙር 37:25 ዘለዋ ቓላት ኪጽሕፈን ከሎ፡ ‘ኣሪጉ’ እዩ ነይሩ፣ ኣነ እውን ከምኡ፡ “ጻድቕ ተሐዲጉ . . . ከቶ ኣይርኤኹን።”
የሆዋ ብቓሉ ገይሩ፡ ኣብ መላእ ህይወተይ ኣበራቲዑኒ እዩ። ልዕሊ 60 ዓመት ይገብር፡ ኣዝማደይ፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዚቕጽል ልምዲ ኸም ዚዀነኒ ተዛሪቦም ነይሮም እዮም። ሓቆም እዮም ነይሮም። ፈጺመ ዘይጠዓሰሉ መዓልታዊ ልምደይ እዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብ1944 እተሓትመት፣ ሕጂ ግና ኣይትሕተምን እያ ዘላ።
b ብዛዕባ ኢቫንስ ኢምዮት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1999 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 22-23 ርአ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ኣነን ሲሞንን
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ሓላው ኣውራጃ ዀይነ ኸገልግል ከለኹ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ምስታ መጀመርታ እተቐበልክዋ እትመሳሰል መጽሓፍ ቅዱስ
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ መዓልቲ መርዓና
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ኣነን ኢሪንን ንቓል ኣምላኽ ምንባብን ምጽናዕን የሐጕሰና እዩ