4 ኣምላኽ ፍትሓዊ ኣይኰነን እዝስ ሓቂ ድዩ፧
ንስኻ ዝሰማዕካዮ፦ “ኣምላኽ፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝዀነ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዜጋጥም ነገራት፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ኣድልዎን በደልን ግፍዕን ዚሕተተሉ፡ ኣምላኽ እዩ።”
መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ፦ ኣምላኽ ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ በደል ኣይሕተተሉን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ፡” NW] እዩ” ይብል።—ዘዳግም 32:4።
ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ዘይግብኦም ይልግሰሎም እዩ። ንኣብነት፡ “ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ።” (ማቴዎስ 5:45) ካብ ኵሉ ዓሌትን ባህልን ንዝመጹ ሰባት ብፍትሓዊ መገዲ እዩ ዚሕዞም፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፡ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ትገልጽ እያ።
ጠንቂ በደል ደኣ እሞ መን እዩ፧ ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ንፍትሒ ኣምላኽ ዚቐድሕዎ፡ ፍትሓዊ ዘይኰነ ተግባር ይገብሩ እዮም። (ዘዳግም 32:5) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ጸላኢኡ ዝዀነ ድያብሎስ ንዅላ ዓለም ኪገዝኣ ኸም ዝፈቐደሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።a (1 ዮሃንስ 5:19) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዚ ዘይፍትሓዊ ኣገዛዝኣ እዚ ኼጥፍኦ እዩ። ድሮ እኳ “ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ፡” መንግስቲ መስሪቱ ኣሎ።—1 ዮሃንስ 3:8።
ነቲ ሓቂ ምፍላጥካ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ፦ ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዚመስል ንብልሽውናን ንግፍዕን ንበደልን ዚምልከት ጸብጻባት ክትሰምዕ ከለኻ፡ ትሰግእ ትኸውን። ጠንቂ እዚ ዅሉ ጸገማት ምፍላጥካ ግና፡ ኵነታት እናኸፍአ ዚኸደሉ ዘሎ ምኽንያትን ደቂ ሰብ ዝጸዓሩ እንተ ጸዓሩ ዘይኰነሎም ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑን ንኽትርዳእ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 146:3) ኣብዛ ዓለም ግዜያዊ ለውጢ ንኸተምጽእ ኢልካ ግዜኻን ጕልበትካን ካብ እተጥፍእ፡ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እተመስረተ ድልዱል ተስፋ እንተ ሃለወካ ይሓይሽ።—ራእይ 21:3, 4።
ናይ ሓቂ ጠንቂ በደል መን ምዃኑ ምፍላጥና፡ ብፍላይ ብደረጃ ውልቀ ሰብ መከራ ኼጋጥመና ኸሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ዘይፍትሓዊ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ ልክዕ ከምቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ኣንባቆም፡ “ሕጊ ደኸመ፡ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን” ኢልና ነማርር ንኸውን። (ኣንባቆም 1:4) ኣምላኽ ንኣንባቆም ከምዚ ኢሉ ብምዝራቡ ኣይገሰጾን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣገልጋሊኡ፡ ነቲ ዅነታት ዜዐርየሉ ግዜ ኸም ዝመደበ ኣረጋገጸሉ፣ ኣብ ግዜ ጸገም ከኣ ሓገዞ። (ኣንባቆም 2:2-4፣ 3:17, 18) ንስኻ እውን፡ ኣምላኽ ንበደል ከም ዜወግዶ ትተኣማመን እንተ ዄንካ፡ ኣብዛ ምጕዳል ፍትሒ ዝመልኣ ዓለም፡ ቅሳነትን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ድያብሎስ ብኸመይ ናብ ህልውና ኸም ዝመጸ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣምላኽ ብሓቂ ጠንቂ መከራን በደልን ድዩ፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
© Sven Torfinn/Panos Pictures