ንባህርያዊ ሓደጋታት ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧
ባህርያዊ ሓደጋታት ብተደጋጋሚ የጋጥምን ከቢድ ዕንወት የውርድን ስለ ዘሎ፡ ሓደ ሰብ ንባህርያዊ ሓደጋታት ብኸመይ ኪዋጽኣሉ ይኽእል፧ ቀጺልና እስከ ሓድሓደ ግብራዊ ስጕምትታት ንርአ።
ካብቲ ሓደጋ ኼጋጥመሉ ዚኽእል ቦታ ርሓቕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ይብል። (ምሳሌ 22:3) እዚ ጥበባዊ ምኽሪ እዚ፡ ንባህርያዊ ሓደጋታት ንኽንዋጽኣሉ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዜስግእ ምንታጕ እሳተ ጎመራ፡ ብዛዕባ ምዕልቕላቕ ማይ፡ ወይ ብዛዕባ ህቦብላ መጠንቀቕታ እንተ ተዋሂቡ፡ ጥበበኛታት ሰባት ካብቲ ሓደጋ ኼጋጥመሉ ዚኽእል ቦታ ይርሕቁ እዮም። ከመይሲ፡ ካብ ቤት ወይ ካብ ስጋዊ ሃብቲ ንላዕሊ፡ ህይወት ኣዝያ ትኸብር።
ገሊኣቶም ሰባት ካብቲ ሓደጋ ኼጋጥመሉ ዚኽእል ቦታ ርሒቖም ኪነብሩ ይኽእሉ ይዀኑ። ሓደ ብዓል ስልጣን፡ “መብዛሕትኡ እዋን፡ ገሊኡ ቦታታት ብምኽንያት ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኡ፡ ብዙሕ ሓደጋታት እዩ ዚረኣዮ። ሓደጋታት ኣብ ንእሽቶ ኽፋል ምድሪ እዩ ዜጋጥም፣ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም መጠነ ሰፊሕ ሓደጋታት እውን፡ ኣብቲ ኸባቢ ኸም ዚርአ እዩ ትጽቢት ዚግበር” በለ። ንኣብነት፡ ኣብ ለጠቕ ዝበለ ገማግም ባሕሪ ወይ ኣብ ስንጣቕ መሬት፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ብተደጋጋሚ የጋጥም እዩ። ስለዚ፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ቦታታት ክትርሕቕ ወይ ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ኽትግዕዝ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ካብ ባህርያዊ ሓደጋታት ከተምልጥ ትኽእል ኢኻ።
መደብ ይሃሉኻ። ዋላ እኳ ብዚግባእ እንተ ተጠንቀቕካ፡ ሃንደበታዊ ሓደጋ ኼጋጥመካ ይኽእል እዩ። ኣቐዲምካ መደብ እንተ ኣውጺእካ ግና፡ ብቐሊሉ ኽትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ምሳሌ 22:3 ዚርከብ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምኽሪ ዚሰማማዕ እዩ። ሃንደበታዊ ዅነታት ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ብኡብኡ ሒዝካዮ እትኸይድ ነገራት ኣዳሊኻዶ ኣለኻ፧ 1-2-3 ኦቭ ዲዛስተር ኤጁኬሽን እትብሃል ጽሕፍቲ፡ ናውቲ ቐዳማይ ረድኤትን እተዓሸገ ማይን ዘይበላሾ ምግብን ኣገዳሲ ሰነዳትን ክንሕዝ ከም ዚግባእ ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ምስ ስድራ ቤትካ ዄንካ፡ ብዛዕባ እቲ ኼጋጥም ዚኽእል ሓደጋታትን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።
ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ይሃሉኻ። ከምኡ ምግባርካ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ፡ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ፣ ‘ብጸበባና ዘበለ ኸም ዜጸናንዓና’ እውን ይገልጽ እዩ። ካልእ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ “ንጥቑዓት ዜጸናንዕ ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4፣ 7:6።
ኣምላኽ ንዅነታት እቶም ብእኡ ዚእመኑ ሰባት ኣጸቢቑ እዩ ዚፈልጦ። ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም እሙናቱ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዜተባብዖም። (1 ዮሃንስ 4:8) ተኣምር ኪግበረልና ዘይኰነስ፡ ናይ ኣምላኽ ሓያል መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና እነቕርቦ ጸሎት፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። መንፈስ ቅዱስ ነቶም ሽግር ዜጋጥሞም ሰባት፡ ዜጸናንዕን ዜህድእን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚዝክሩ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ከምቲ ነቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት እተሰምዖ ኺስምዖም ይኽእል እዩ፣ ንሱ፡ “በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ እዩ፡ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፡ ክፉእ ኣይፈርህን እየ” ኢሉ ነበረ።—መዝሙር 23:4።
ክርስትያን ብጾት ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ እዮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣጋቦስ ዝስሙ ክርስትያን ነብዪ፡ “ኣብ ኵላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፡ ብመንፈስ ተዛረበ። እዚ ብዘመን ቄሳር ቅላውዴዎስ ኰነ።” እቲ ጥሜት ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣዝዩ ጐድኦም። እሞኸ እቶም ኣብ ካልእ ቦታ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ እንታይ ገበሩ፧ እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ “እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ።” (ግብሪ ሃዋርያት 11:28, 29) እወ፡ ብፍቕሪ ተደሪኾም ንኣሕዋቶም ረድኤት ለኣኹሎም።
ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ምላሽ እዮም ዚህቡ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ብምሕጋዝ እዮም ዚፍለጡ። ንኣብነት፡ ብ27 ለካቲት 2010 ኣብ ቺለ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም እተጐድኡ ንምሕጋዝ ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰዱ። ሓንቲ ካርላ ዝስማ ቤታ ብሱናሚ ዝዓነወ ሓብቲ፡ “ኣብ ካልእ ቦታታት ዚነብሩ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና] ንኺሕግዙና ኢሎም ንጽብሒቱ ምምጽኦም፡ ኣጸናኒዑንን ኣተባቢዑንን እዩ። የሆዋ በቲ እቶም ወለንተኛታት ዝገበሩልና ሰናይ ተግባር ገይሩ ኸም ዘጸናንዓና ኣየጠራጥርን እዩ። እተፈቐርኩን እተዓቘብኩን ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” በለት። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ኣቦሓጎኣ፡ ነቲ ዚግበር ዝነበረ ሓገዝ ምስ ረኣዮ፡ “እዚ ኻብቲ ንዓመታት ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዝረኣኽዎ እተፈልየ እዩ” በለ። በቲ ዝረኣዮ ተደሪኹ ኸኣ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሉ ሓተቶም።
ምስቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት ምሕባር፡ ኣብ ግዜ ሓደጋ ኣጸቢቑ ኺሕግዘና ኸም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ዘይህልወሉ እዋን ይመጽእዶ ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ሃንደበታዊ ዅነታት ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ብኡብኡ ሒዝካዮ እትኸይድ ነገራት ኣዳሊኻዶ ኣለኻ፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ተኣምር ኪግበረልና ዘይኰነስ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና እነቕርቦ ጸሎት፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ሓደጋታት ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ክርስትያን ብጾት ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ እዮም
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
“እተፈቐርኩን እተዓቘብኩን ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ”