ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/6 ገጽ 9
  • “ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕጅን ንዘለኣለምን ፍልጠት ምድላብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • “ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ብዙሕ ሕቶታት ኢዩ ዝምልስ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ካልኦት ነቲ ናብ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ከጥርዩ ሓግዝዎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/6 ገጽ 9

“ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ”

“ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”—ዮሃንስ 17:3።

ፍልጠት፡ ህይወት ኬድሕን ይኽእል እዩ። እቲ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ዝዀነ ኑሁ ምስ ሓመመ፡ እታ ኣብ ኒዠር ኣብ ሓለዋ ጥዕና ማሕበረሰብ እትሰርሕ ኣዲኡ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት፡ ሽኮርን ጨውን ጽሩይ ማይን ብምትሕውዋስ ዚስራሕ ኦ.ኣር.ኤስ. ዚብሃል ፈውሲ ኣዳልያ ንወዳ ኣስተየቶ። ዩኒሴፍ ከም ዝገለጾ፡ እታ ኣደ “ቕልጡፍ ስጕምቲ ስለ ዝወሰደትን ኣብ ከባቢኣ ማእከል ክንክን ጥዕና ስለ ዝነበረን፡ ወዳ ብቕልጡፍ ኪሓዊ ኸኣለ።”

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍልጠት እውን ህይወት ኬድሕን ይኽእል እዩ። እቲ ሓደ ኻብቶም ናይ መጀመርታ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሙሴ፡ “እዚ ነገር እዚ ህይወትኩም እዩ እምበር፡ ከንቱ ነገር ኣይኰነን፡ . . . በዚ ነገር እዚ መዓልትታትኩም ተንውሑ” በለ። (ዘዳግም 32:47) እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ንመዓልትታትና ኼንውሖ ይኽእል ድዩ፧ ህይወትና ዝዀነኸ ብኸመይ እዩ፧

ኣብተን ኣቐዲመን ዝነበራ ሓሙሽተ ዓንቀጻት ከም ዝረኣናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዜተኣማምን ትንቢትን ናይ ሓቂ ታሪኽን ቅኑዕ ስነ ፍልጠትን ንሓድሕዱ ዚሳነ ሓሳባትን ዚጠቅም መምርሕን ዝሓዘ መጽሓፍ ስለ ዝዀነ፡ መወዳድርቲ የብሉን። እዚ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ከም ዝዀነ እዩ ዜርኢ። እሞኸ እዚ መጽሓፍ እዚ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪመርሓካ ኸም ዚኽእል ዚገልጽ እንተ ዀይኑ፡ ክትምርምሮ ደይኰነን ዚግብኣካ፧

ልክዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኸመይ ሕጂ ናይ ኣእምሮ ሰላም ከም ዜምጽኣልካን ኣብ መጻኢ ሕጉስ ከም ዚገብረካን ንኽትፈልጥ ነተባብዓካ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነዚ ፍልጠት እዚ ብኸመይ ከተጥርዮ ኸም እትኽእል ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት ብዜዕግብ መገዲ ኺምልሰልና ዚኽእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ፦

• ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧

• ብዙሕ መከራ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

• እቶም ዝሞቱ እነፍቅሮም ሰባት ተስፋ ኣለዎምዶ፧

ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ