ኣብ ተሰሎንቄ ብስራት ንምስባኽ እተገብረ ቓልሲ
እታ ሎሚ ተሰሎኒኪ ወይ ሳሎኒካ ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ ተሰሎንቄ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ግሪኽ እትርከብ ወደባዊት ከተማ እያ። እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ኣብ ታሪኽ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት እቲ ንኣህዛብ ሃዋርያኦም ዝነበረ ጳውሎስ ጕሉሕ ግደ ነበራ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:15፣ ሮሜ 11:13።
ኣብ ከባቢ 50 ድ.ክ. ጳውሎስን እቲ መገላግልቱ ዝነበረ ሲላስን ናብ ተሰሎንቄ መጹ። ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ ዚገብሩሉ ዝነበሩ እዋን እዩ ነይሩ፣ ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዚገልጽ ብስራት ንፈለማ እዋን ኣብቲ ሎሚ ኤውሮጳ ተባሂሉ ዚፍለጥ ከባቢ ዝሰበኹሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ ነይሩ።
ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፡ እቲ ኣብታ ቐንዲ ኸተማ መቄዶንያ ዝነበረት ፊልጲ ዘጋጠሞም መውቃዕትን ማእሰርትን፡ ገና ኻብ ኣእምሮኦም ኣይጠፍአን ነይሩ። ከመይሲ፡ ጳውሎስ ጸኒሑ ንሰብ ተሰሎንቄ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ “ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና” በለ። (1 ተሰሎንቄ 2:1, 2) እሞኸ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረ ዅነታት ዝሓሸ ደዀን ይኸውን፧ ኣብታ ኸተማ ኺሰብኩ ኸለዉ እንታይ የጋጥሞም ይኸውን፧ ኣገልግሎቶምከ ፍረ የፍሪ ደዀን ይኸውን፧ ፈለማ ብዛዕባ እታ ጥንታዊት ከተማ እስከ ንርአ።
ህውከት ዝመልኦ ታሪኽ ዘለዋ ኸተማ
እቲ ኻብ “ተሳሊያንስ”ን “ዓወት”ን ዚብል ክልተ ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝመጸ ተሰሎንቄ ዚብል ስም፡ ቃልስን ባእስን ዜመልክት እዩ። ብ352 ቅ.ክ. ዳግማይ ፊሊፕ ንጉስ መቄዶንያ፡ ማለት ኣቦ እስክንድር እቲ ዓብዪ፡ ተሳሊ ኣብ እትብሃል ቦታ ነቶም ካብ ማእከላይ ግሪኽ ዝመጹ ዓሌት ከም ዝሰዓሮም እዩ ዚእመን። ከም መዘከርታ እዚ ዓወት እዚ ኸኣ፡ ንሓንቲ ኻብተን ደቁ ተሳሎኒኪ ኢሉ ሰመያ፣ ንሳ ኸኣ ጸኒሓ ነቲ ንእስክንድር ሓዋ ዝተክኦ ካሳንደር ተመርዓወቶ። ኣብ ከባቢ 315 ቅ.ክ. ካሳንደር ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ እታ ሓውሲ ደሴት ዝዀነት ካልሲዲሲ፡ ከተማ ደኰነ፣ ብስም ሰበይቱ ድማ ተሳሎኒኪ ኢሉ ሰመያ። ብሓቂ እምበኣር፡ ከተማ ተሰሎንቄ፡ ህውከት ዝመልኦ ታሪኽ እዩ ነይርዋ።
ተሰሎንቄ ብልጽግቲ ኸተማ እውን እያ ነይራ። እቲ ኣብ ባሕሪ ኤጀያ ዝነበረ ዝበለጸ ባህርያዊ መርሳ ወይ ወደብ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እዩ ነይሩ። ብግዜ ሮሜ ድማ፡ ኣብቲ “መገዲ ኢግናሽያ” ዚብሃል ህቡብ መገዲ እያ ነይራ። ብባሕሪ ይኹን ብመሬት ኣብ ስትራተጅያዊ ቦታ ስለ ዝነበረት፡ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበራ ቦታታት ንግዲ እያ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ እታ ኸተማ ብምኽንያት ብልጽግናኣ ኣብ ዓይኒ ጎትን ስላቭን ፍራንክን ቨኒስን ቱርክን ኣትያ እያ። ገሊኦም ከኣ ብሓይልን ብምፍሳስ ደምን እዮም ሒዞምዋ። ሕጂ እስከ ኣብቲ ጳውሎስ ናብታ ኸተማ ብምኻድ ዝገበሮ ምብጻሕን ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምምስካር ኣብ እተገብረ ቓልስን ነተኵር።
ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ በጽሐ
ጳውሎስ ከም ልማዱ፡ ፈለማ ንኣይሁድ እዩ ዚሰብከሎም ነይሩ፣ ከምኡ ዚገብረሉ ዝነበረ ምኽንያት፡ ኣይሁድ ንቕዱሳት ጽሑፋት ስለ ዚፈልጥዎ፡ ኣብኡ ተመርኲሱ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብከሎም ይኽእል ስለ ዝነበረ እዩ። ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ እዚ ጳውሎስ ዝነበሮ ልምዲ፡ ንደቂ ዓዱ ኸም ዚግደሰሎም ዜርኢ እዩ ነይሩ፣ ወይ ከኣ ንኣይሁድን ነቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባትን ናብ ኣህዛብ ንምስጋር ይጥቀመሎም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:2-4።
ስለዚ፡ ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ምስ በጽሐ፡ ፈለማ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፣ “ብጽሑፋት ምሳታቶም [ምስ ኣይሁድ] ተዛራረበ፤ ንክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ፡ እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:2, 3, 10።
እቲ ጳውሎስ ዘጕልሖ ነጥቢ፡ ማለት ግደን መንነትን እቲ መሲሕ፡ ኣከራኻሪ ጕዳይ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ መወዳእታኡ ዚሳቐ መሲሕ፡ ካብቲ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ተዋጋኢ መሲሕ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ነቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኼእምኖም፡ ክኢላ መምህር ዚጥቀመሉ መገዲ ተጠቕመ፣ እወ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጸሎምን እናጠቐሰ የረድኦምን ነበረ።a እሞኸ እቶም ንጳውሎስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ምስ ነገሮም እንታይ ምላሽ ሃቡ፧
ፍርያም ግናኸ ኣጸጋሚ ኣገልግሎት
“ካብተን ዓበይቲ ኣንስቲ . . . ሒደት ዘይኰና” ኸምኡውን እተወሰኑ ኣይሁድን ብዙሓት ግሪኻውያን ጵሮሴሊትን ንመልእኽቲ ጳውሎስ ተቐበልዎ። ኣብ መቄዶንያ፡ ኣንስቲ ኽብ ዝበለ ማሕበራዊ ደረጃ ስለ ዝነበረን፡ እታ፡ “ዓበይቲ ኣንስቲ” እትብል መግለጺት ግብእቲ እያ። ኣብ ህዝባዊ ኣብያተ ጽሕፈት ይሰርሓ፡ ንብረት የጥርያ፡ እተወሰነ ሲቭላዊ መሰለን ይሕለወለን፡ ከምኡውን ኣብ ንግዲ ይካፈላ ነበራ። ንዕአን ንምኽባር ተባሂሉ እውን ሓወልቲ ይስራሕ ነበረ። ከምታ ልድያ ዝስማ ብዓልቲ ንግዲ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እተቐበለቶ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበራ ዓበይቲ ኣንስቲ እውን ጽቡቕ ምላሽ ሃባ፣ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፡ ካብ ህቡብ ስድራ ቤት ዝመጻ ወይ ከኣ ንፍሉጣት ዜጋታት እተመርዓዋ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን።—ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15፣ 17:4።
ይኹን እምበር፡ ኣይሁድ ኣመና ቐንኡ። “ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰብ ወሰዱ፡ ህዝቢ አኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዐብዋ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:5) እቶም ኣይሁድ ዝወሰድዎም ሰባት እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ “መውደልደልትን ዘይረብሑን” ከም ዝነበሩ ገሊጹ ነበረ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ብዛዕባ እቲ ጕዳይ [ማለት ብዛዕባ መልእኽቲ ጳውሎስ] ዋላ ሓንቲ ዘይግድሶም እኳ እንተ ነበሩ፡ ልክዕ ከም ካልኦት መናዓብቲ፡ ብቐሊሉ ዚለዓዓሉን ናብ ዓመጽ ዚድፍኡን እዮም ነይሮም” በለ።
እቶም መናዓብቲ፡ “ንቤት [እቲ ንጳውሎስ እተቐበሎ] ያሶን ሓደጋ ወዲቖም ከኣ፡ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ።” ንጳውሎስ ኪረኽብዎ ስለ ዘይከኣሉ ግና፡ ናብ ላዕለዋይ ምምሕዳር እታ ኸተማ ኸዱ። “ንያሶንን ንሓያሎ ኻብ ኣሕዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ስሒቦም፤ እዞም ንዅሉ ዓለም ዜናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦም፡ . . . እናበሉ ጨደሩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:5, 6።
ተሰሎንቄ ርእሲ ኸተማ መቄዶንያ ብምንባራ፡ ርእሳ ኸተመሓድር ትኽእል ነበረት። ሓደ ኽፋል እዚ ርእሰ ምሕደራ ኸኣ፡ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዜጋጥም ህዝባዊ ጕዳያት ዚርኢ ባይቶ እዩ ነይሩ። እቶም “መኳንንቲ” ወይ “ፖሊታርክ”b፡ ሮማውያን ጣልቃ ኸይኣትዉን እታ ኸተማ ዝነበራ ሓለፋታት ከይትስእንን ናይ ምክልኻል ከምኡውን ስርዓት ከም ዚሰፍን ናይ ምግባር ሓላፍነት ዝነበሮም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ህዝባዊ ሰላም ብሰንኪ እቶም ‘መዕገርገርቲ’ ኸም እተዘርገ ምስ ሰምዑ፡ ተረቢሾም ኪዀኑ ኣለዎም።
ድሕሪኡ ነቶም ክርስትያናት፡ “ንሳቶም ኵላቶም ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዚጻላእ ነገር ይገብሩ፡ የሱስ ዚብሀል ካልእ ንጉስ አሎውን፡ ይብሉ እዮም” ዚብል ከቢድ ክሲ ቐረበሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:7) ሓደ ወሃብ ርእይቶ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ እዚ ኽሲ እዚ፡ ኣንጻር ሃጸያት ሮሜ “ናዕብን ዕልወትን” ከም እተላዕለ ዚእምት ሓሳብ እዩ፣ እዞም ሃጸያት እዚኣቶም ከኣ፡ “ኣብተን ስዒሮም ዝሓዝወን ኣውራጃታት፡ ብዘይ ፍቓዶም እንተ ዘይኰይኑ፡ ስም [ካልእ] ንጉስ ኪርቋሕ ኣይፈቕዱን እዮም ነይሮም።” ብዘይካዚ፡ እቲ ጳውሎስ ከም ንጉስ ገይሩ ዝጠቐሶ የሱስ፡ ብናዕቢ ተኸሲሱ ብሰበ ስልጣን ሮሜ ስለ እተቐትለ፡ እቲ ነቶም ክርስትያናት ዝቐረበሎም ክሲ፡ ሓቅነት ዘለዎ መሰለ።—ሉቃስ 23:2።
እቶም መኳንንቲ ኣመና ሰምበዱ። ዜዕግብ መርትዖ ስለ ዘይረኸቡን እቶም ተኸሰስቲ ስለ ዘይተረኽቡን ግና፡ “ንያሶንን ነቶም ካልኦትን ዋሕስ ኣትኪሎም . . . ሐደግዎም።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:8, 9) በዚ ኸምዚ፡ ያሶንን ካልኦት ክርስትያናትን፡ ጳውሎስ ካብታ ኸተማ ኸም ዚወጽእን ተመሊሱ ኸም ዘየናዕብን መብጽዓ ብምእታው፡ ንጳውሎስ ተወሓስዎ። ጳውሎስ ጸኒሑ፡ ‘ሰይጣን ናብታ ኸተማ ኸይምለስ ከም ዝዓገቶ’ ኺገልጽ ከሎ፡ ምናልባት ነቲ ፍጻመ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ተሰሎንቄ 2:18።
እቲ ዅነታት ጽንኩር ስለ ዝነበረ፡ ጳውሎስን ሲላስን ብለይቲ ናብ ቤርያ ኸም ዚኸዱ ተገብረ። ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ጽቡቅ ፍረ ኣፍርዩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ እዚ ውጽኢት እዚ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣመና ስለ ዘሕረቖም፡ ነቲ ህዝቢ ኼለዓዕሉን ኪርብሹን ኢሎም፡ 80 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ናብ ቤርያ መጹ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ጳውሎስ ካብ ቤርያ ወጺኡ ናብ ኣቴና ኸደ፣ ይኹን እምበር፡ እቲ ምእንቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ዝነበረ ቓልሲ ቐጺሉ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:10-14።
ነታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ጉባኤ ዘጋጠማ ጸገማት
እቲ ዜሐጕስ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተመስረተት፣ ኰይኑ ግና፡ ነታ ጉባኤ፡ ምጽራር ጥራይ ኣይኰነን ኣጋጢምዋ። ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ ኣረማውን ርኽሰት ዝመልኦን ኣከባቢ እዮም ዚነብሩ ነይሮም፣ እዚ ኸኣ ንጳውሎስ ኣዝዩ ኣተሓሳሰቦ። እሞኸ እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ከመይ ኰኑ፧—1 ተሰሎንቄ 2:17፣ 3:1, 2, 5።
እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ንጥፈታት እታ ኸተማ ዘይምክፋል፡ ነቶም ናይ ቀደም ፈተውቶም ከም ዘቐይሞምን ከም ዜሕርቖምን ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዮሃንስ 17:14) ብዘይካዚ፡ ተሰሎንቄ ንኸም ብዓል ዙስን ኣርጤምስን ኣፖሎን ዝኣመሰሉ ኣማልኽቲ ግሪኽን ንእተወሰኑ ኣማልኽቲ ግብጽን ብእተሰርሐ ኣብያተ መቕደስ ዝመልአት እያ ነይራ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ኣምልኾ ሃጸይ ህቡብ እዩ ነይሩ፣ ኵሎም ዜጋታት ከኣ ኣብ ጽምብል እዚ ኣምልኾ እዚ ኺካፈሉ ትጽቢት ይግበረሎም ነበረ። ኣብዚ ጽምብል እዚ ዘይምክፋል፡ ካብ ሮሜ ኸም ምዕላው ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።
ከተማ ተሰሎንቄ፡ ብምኽንያት ኣምልኾ ጣኦት ብርኽሰት ዝመልአት እያ ነይራ። ነቲ ኸም ሓላዊ ኸተማ ተሰሎንቄ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ካቢራስ ዚብሃል ኣምላኽ፡ ንዳያናይሰስን ንኣፍሮዳይቲን፡ ከምኡውን ነቲ ኣምላኽ ግብጺ ዝነበረ ኢሲስ ዜመሳስሎም ሓደ ነገር ነበረ፣ ንዓታቶም ተባሂሉ ኣብ ዚግበር ኣምልኾ፡ ጾታዊ ርኽሰትን ስኽራንን ልሙድ ነበረ። ብሰሪ እዚ ኸኣ፡ ውሽምናን ምንዝርናን ኣስፋሕፍሐ። ምንዝር ከም ሓጢኣት ጌርካ ኣይርአን እዩ ነይሩ። ተሰሎንቄ፡ ብባህሊ ሮማውያን እተጸልወ ሕብረተሰብ እዩ ነይርዋ፣ ሓደ ምንጪ ኸም ዝገለጾ ኸኣ፡ ሮማውያን፡ “ኵሎም ዜጋታት በቲ እቶም ስጋዊ ድሌቶም ንኼርውዩሎም ኢሎም ዚዓይዩ ሰብኡትን ኣንስትን ዚህብዎ ኣገልግሎት ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ” ገይሮም እዮም ዚሓስቡ ነይሮም፣ “ሓካይም እውን እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ዝበለ ድሌት ምርዋይ ኪኽልከል ከም ዘይብሉ እዮም ዚመኽሩ ነይሮም።” በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ካብ ምንዝርናን’ ካብ ‘ፍትወት ትምኒትን’ ካብ ‘ርኽሰትን’ ኪርሕቁ ዝመዓዶም።—1 ተሰሎንቄ 4:3-8።
ተዓዊቶም
ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንእምነቶም ኢሎም ኣበርቲዖም ተቓሊሶም እዮም። ምጽራርን መከራን እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ኣረማውነትን ርኽሰትን ኣብ ዝበዝሖ ኸባቢ ኸኣ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ‘ብግብሪ እምነቶምን ብጻዕሪ ፍቕሮምን ብትዕግስቶምን’ ከምኡውን ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ንምዝርጋሕ እጃሞም ስለ ዝገበሩ ብጳውሎስ ተናእዱ።—1 ተሰሎንቄ 1:3, 8።
ብ303 ድ.ክ. ነቶም ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ሓያል መስጐጕቲ ወረዶም። ቀንዲ መለዓዓሊ እዚ መስጐጕቲ እዚ፡ እቲ ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብር ዝነበረን ብምልኩዕ ህንጻታት ዘጸበቓን ቄሳር ጋለርየስ እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ፍርስራስ እቲ ህንጻታት ብበጻሕቲ ይብጻሕ ኣሎ።
ሎሚ ኣብ ተሰሎኒኪ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ቅድሚ እቲ ጸላኢ ክርስትያናት ኣስሪሕዎ ዝነበረ ህንጻታት ኰይኖም ንሰባት ይሰብኩሎም እዮም። ኣብ መበል 20 ዘመን ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ምጽራር ኰይኖም ንዕዮ ስብከቶም ዝፈጸሙሉ እዋን እኳ እንተ ነበረ፡ ሕጂ ግና ኣብታ ኸተማ፡ 60 ዚዀና ቐናኣት ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዋ። ኣባላት እዘን ጉባኤታት እዚኣተን ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ እተገብረ ቓልሲ፡ ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ጀሚሩ ኽሳዕ ሕጂ ይቕጽልን ይዕወትን ከም ዘሎ ዚሕብር እዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ጳውሎስ ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ፦ መዝሙር 22:7፣ 69:21፣ ኢሳይያስ 50:6፣ 53:2-7፣ ዳንኤል 9:26።
b እዛ ቓል እዚኣ፡ ኣብ ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣይትርከብን እያ። ኰይኑ ግና፡ እዛ ቓል እዚኣ እተጻሕፎ ጽሑፍ ኣብ ከባቢ ተሰሎንቄ ተረኺቡ እዩ፣ ገሊኡ ኻብዚ ጽሑፋት እዚ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ. ስለ ዝነበረ፡ ንሓቅነት እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ጸብጻብ እዩ ዜረጋግጽ።
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
መገዲ ኢግናሽያ
መቄዶንያ
ፊልጲ
ኣምፊጶሊስ
ተሰሎንቄ
ቤርያ
ተሰሊ
ባሕሪ ኤጀያ
ኣቴና
[ኣብ ገጽ 20, 21 ዘሎ ስእልታት]
ላዕሊ፦ ዘመናዊት ተሰሎኒኪ
ታሕቲ፦ መተሓላለፊ መገዲ ዘለዎ ዕዳጋን ኣብቲ ዕዳጋ ዝነበረ ናይ ሮማውያን ቤተ ንጽህናን
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ጥቓ እቲ ቐስታዊ ቕርጺ ዘለዎ ህንጻ ጋለርየስ ዚርከብ ክባዊ ህንጻ፣ ብእምኒ እተቐርጸ ስእሊ ቄሳር ጋለርየስ፣ ኣብ ጥቓ ኽባዊ ህንጻ ጋለርየስ ምስባኽ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Head medallion: © Bibliothèque nationale de France; stone inscription: Thessalonica Archaeological Museum, copyright Hellenic Ministry of Culture and Tourism
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Two bottom left images: 16th Ephorate of Prehistoric and Classical Antiquities, copyright Hellenic Ministry of Culture and Tourism
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Middle image: Thessalonica Archaeological Museum, copyright Hellenic Ministry of Culture and Tourism