ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/7 ገጽ 12-15
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/7 ገጽ 12-15

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ሓንቲ ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ሰበይቲ፡ ነቲ ዝነበራ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ንኽትሓድጎን ሓዳራ ንኸተመሓይሽን ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ሓደ ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ካራተ ዚፈቱ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሰላማዊ ብምዃን ሃይማኖታዊ ኣገልጋሊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

“ለውጢ ንኽገብር ግዜ ወሲዱለይ እዩ።”​—ካርመን ኣለግራ

ዓመተ ልደት፦ 1949

መበቈል ሃገር፦ ፊሊፒንስ

ታሪኽ፦ ሰታይ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ካማሪናስ ሱር እትርከብ ከተማ ሳን ፈርናንዶ እየ ተወሊደ። ጐርዞ ኣብ ዝዀንኩሉ እዋን ግና፡ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ሪዛል እትርከብ ከተማ ኣንቲፖሎ እየ ዝቕመጥ ነይረ። ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ዝገዓዝኩሉ እዋን፡ ብዙሕ ኣእዋም ኣብ ዚርከቦ ለምለም ኣኽራን እትርከብ ህድእቲ ኸተማ እያ ነይራ። ሓሓሊፉ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስ ጸልመተ ዚንቀሳቐስ ሰብ ኣይነበረን። ሕጂ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ዚነብሩላ ዓባይ ከተማ ዀይና ኣላ።

ናብ ኣንቲፖሎ ኻብ ዝግዕዝ ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ቤንጃሚን ምስ ዚብሃል ሰብኣይ ተፋለጥኩ፣ ድሕሪ ግዜ ድማ ተመርዓና። ሓዳር ካብቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ንላዕሊ ኸበደኒ። ካብ ጸገማተይ ንምህዳም ከኣ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኸብዝሕ ጀመርኩ። ሕማቕ ባህርይ ከማዕብል ጀመርኩ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ንሰብኣየይን ንደቀይን ዝሕዘሉ ዝነበርኩ መገዲ ኺንጸባረቕ ጀመረ። ምስኣቶም ኣብ ዝነበረኒ ርክብ፡ ርእሰይ ክገትእን ክዕገስን ኣይክእልን እየ ነይረ። ንሰብኣየይ እውን ኣየኽብሮን እየ ነይረ። ናብራ ስድራ ቤትና ኣመና ዜጕሂ እዩ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ እታ ኢዲታ ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ንዕልተይ፡ ኣነን ቤንጃሚንን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ሓሳብ ኣቕረበትልና። እቲ መጽናዕቲ ንሓዳርና ኼመሓይሾ ተስፋ ብምግባር ድማ፡ ነቲ ሓሳባ ተቐበልናዮ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ ብዙሕ ባህ ዜብል ሓቅታት ተመሃርና። ብሕልፊ እቲ ኣብ ራእይ 21:4 ዚርከብ ቃላት ንልበይ ተንከፎ። እታ ጥቕሲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ክትገልጽ ከላ፡ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ትብል። ኣነ ድማ ሓንቲ ኻብቶም ነዚ በረኸት እዚ ዚረኽቡ ሰባት ክኸውን ደለኹ።

ኣብ ኣረኣእያይን ልማዳተይን ዓብዪ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ለውጢ ንኽገብር ግዜ ወሲዱለይ እዩ፣ ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ካብ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ተላቐቕኩ። ምስ ስድራ ቤተይ ኣብ ዘለኒ ርክብ ከኣ፡ ሕያወይትን ዕግስትን ኰንኩ። ብዘይካዚ፡ ንሰብኣየይ ከኽብሮ፡ ንስድራ ቤትና ንምምራሕ ኪጽዕር ከሎ ኸኣ ምስኡ ኽተሓባበር ጀመርኩ።

ኣነን ቤንጃሚንን ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንእከብ ምስ ጀመርና፡ በቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኣናዮ ኣዚና ተገረምና። ካብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዚጣላዕን ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሕን የለን፣ ኣብ መንጎኦም ድማ ኣድልዎ የልቦን። ንዅሉ ሰብ ብኣኽብሮት እዮም ዚሕዝዎ። እዚ ኸኣ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝረኸብናያ ኣእመነና።—ዮሃንስ 13:34, 35።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሓዳርና ብዜደንቕ መገዲ ተመሓይሹ እዩ። ኣነን ቤንጃሚንን ሕጉስ ሓዳር እዩ ዘሎና፣ ንኻልኦት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር ድማ የሐጕሰና እዩ። እቶም ክልተ ደቅናን ኣንስቶምን እውን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሮም ኣለዉ። ድሕሪ ግዜ፡ ንየሆዋ ምሳና ሓቢሮም ከም ዜገልግልዎ ተስፋ ንገብር። እዚ ዝበለጸ መገዲ ህይወት እዩ።

“ዘይስነፍ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ።”—ማይክል ብለንድስደን

ዓመተ ልደት፦ 1967

መበቈል ሃገር፦ ኣውስትራልያ

ታሪኽ፦ ካራተ ዚፈቱ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ እትርከብ ጽብቕትን ብልጽግትን ከተማ ኦበሪ እየ ዓብየ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ከተማታት ዜጋጥም፡ ኣብ ኦበሪ እውን ገበን ይፍጸም እዩ። ብሓፈሻኡ ግና፡ ሰላማዊት ከተማ እያ።

ብምሾት እየ ዓብየ። ወለደይ ገና ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ እኳ እንተ ተፋትሑ፡ ኣነን ምዕባየይ ሓወይን ክልተ ኣሓተይን ዚጐድለና ነገር ኣይነበረናን። ኣብቲ ዝበለጸ ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ እመሃር ስለ ዝነበርኩ፡ ጽቡቕ ትምህርቲ እየ ተማሂረ። ኣቦይ፡ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ነጋዳይ ክኸውን ይደሊ ነበረ። ኣነ ግና ስፖርት እየ ዝፈቱ ነይረ፣ ብካራተን ብሽክለታ ብምዝዋርን ከኣ ንፉዕ ነበርኩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ጋራዥ ክሰርሕ ስለ ዝጀመርኩ፡ ብዝያዳ ኣብ ስፖርት ንኸተኵር ዜኽእለኒ ግዜ ረኸብኩ።

ብኣካላዊ መዳይ ድልዱል ብምንባረይ እሕበን ነበርኩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ዘይስነፍ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ብሓይለይ ተጠቒመ ድማ ንኻልኦት ብቐሊሉ ኽጐድኦም እኽእል ነበርኩ። ናይ ካራተ መምህረይ ግና፡ ንሓይለይ ብዘይ ግቡእ ምእንቲ ኸይጥቀመሉ ምስ ርእሰይ እቃለስ ከም ዘለኹ ምስ ፈለጠ፡ ኣብ ውሽጠይ ጽኑዕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ተኸለለይ። እዙዝን እሙንን ክኸውን ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ኣዘውቲሩ ይነግረኒ ነበረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመርኩ፡ የሆዋ ዓመጽ ከም ዚጸልእ ፈለጥኩ። (መዝሙር 11:5) ኣብ ፈለማ፡ ካራተ ዓመጽ ከም ዘይኰነ፡ የግዳስ ብጥንቃቐ ዚግበር ስፖርት ከም ዝዀነ ገይረ እየ ዝሓስብ ነይረ። እቲ ካራተ ዜተባብዖ ጽቡቕ ጠባይን ልዑል ስርዓታትን ምስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑለይ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ዕጉሳት እዮም ነይሮም። ንማርሻል ኣርት ከቋርጾ ኸም ዘሎኒ ኣይነገሩንን፣ ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ይምህሩኒ ነበሩ።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ፍልጠትን ምስ የሆዋ ዝነበረኒ ዕርክነትን እናዓመቘ ምስ ከደ፡ ኣረኣእያይ ተቐየረ። እቲ ወዲ የሆዋ ዝዀነ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ተንከፈኒ። የሱስ ሓያል እኳ እንተ ነበረ፡ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኼውርድ ግና ኣይፈተነን። እተን ኣብ ማቴዎስ 26:52 ዚርከባ፡ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም” ዚብላ ቓላት፡ ኣዝየን እየን ተንኪፈናኒ።

ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ብእተመሃርኩ መጠን፡ ንዕኡ ዘለኒ ፍቕርን ኣኽብሮትን እውን እናወሰኸ ኸደ። እቲ ጥበበኛን ሓያልን ዝዀነ ፈጣሪና ብዛዕባይ ከም ዚግደስ ምስ ሓሰብኩ፡ ልበይ ተተንከፈ። ንየሆዋ እኳ እንተ ኣጕሃኽዎ ወይ ኵሉ ነገራት ስለ ዝኸበደኒ ተስፋ እኳ እንተ ቘረጽኩ፡ ዚከኣለኒ እንተ ገይረ፡ የሆዋ ብኣይ ተስፋ ኸም ዘይቈርጽ ምፍላጠይ ተንኪፉኒ እዩ። እቲ፡ “ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ዚብል መብጽዓ ኣዝዩ እዩ ዜጸናንዓኒ። (ኢሳይያስ 41:13) የሆዋ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ የርእየኒ ኸም ዝነበረ ምፍላጠይ፡ ተስፋ ንኸይቈርጽ ሓገዘኒ።

ካራተ ምቍራጽ ከም ዚኸብደኒ እፈልጥ ነበርኩ። ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ምግባረይ ንየሆዋ ኸም ዜሐጕሶ፡ ንዕኡ ምግልጋል ከኣ መስዋእቲ ኽንገብረሉ ዚግባእ ምዃኑ እኣምን ነበርኩ። እተን ኣብ ማቴዎስ 6:24 ዚርከባ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን” ዚብላ ቓላት የሱስ እየን ኣእሚነናኒ። ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እናኣገልገልኩ ኽነሰይ ንካራተ ክቕጽሎ ኸም ዘይክእል ተገንዘብኩ፣ ምኽንያቱ፡ ዘይረ ዘይረ ንካራተ ቐዳምነት ምሃበይ ኣይተርፍን እዩ። ነየናይ ጐይታ ኸም ዝመርጽ ክውስን ነበረኒ።

ንካራተ ምቍራጽ ቀሊል ኣይነበረን። ምስ ብዙሕን ዚቀያየርን ስምዒታት ክቃለስ ነበረኒ። ንየሆዋ አሐጕሶ ኸም ዘለኹ ብምፍላጠይ እኳ እንተ ተሓጐስኩ፡ ነቲ ናይ ካራተ መምህረይ ዝጠልሞ ዘለኹ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኣብ ማርሻል ኣርት ዚካፈሉ ሰባት፡ ንጥልመት ከም ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጢኣት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ፡ ካብ ብውርደት ዚነብሩ ርእሶም ኪቐትሉ እዮም ዚመርጹ።

ንካራተ ኸቋርጾ ኸለኹ፡ ንመምህረይ ከምኡ ዝገብረሉ ዘለኹ ምኽንያት ክነግሮ ኣመና ስለ ዘሕፈረኒ፡ ስቕ ኢለ ኸድኩ። ምስኡን ምስ ካልኦት ካራተ ዚፈትዉ ፈተውተይን ምዝርራብ እውን ኣቋረጽኩ። ካራተ ምቍራጸይ ቅኑዕ ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ብዛዕባ ሓድሽ እምነተይ ክገልጽ ዘኽእለኒ ኣጋጣሚ ስለ ዘይተጠቐምኩሉ ተጠዓስኩ። ገና ኻብ መጀመርታኡ ንየሆዋ ዘጕሃኽዎ ዀይኑ ተሰምዓኒ። እዚ ዅሉ ኸኣ የሳቕየኒ ነበረ። ብዙሕ ሳዕ ናብ የሆዋ ኽጽሊ እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ንብዓት ይስዕረኒ ነበረ።

እቶም ኣብታ ጉባኤይ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ጐድነይ ደው ምባሎም፡ የሆዋ ኣብ ውሽጠይ ገለ ጽቡቕ ከም ዝረኣየ ዚሕብር እዩ። እቲ ዘርኣዩኒ ፍቕርን ምጽንናዕን ሕውነትን ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ዳዊትን ባትሴባን ዚገልጽ ጸብጻብ እውን ኣጸናኒዑኒ እዩ። ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ፈጸመ፡ ካብ ልቡ ምስ ተነስሐ፡ የሆዋ ይቕረ በለሉ። ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ እዚ ኸስተንትን ከለኹ፡ ብዛዕባ ጕድለታተይ ግቡእ ኣረኣእያ ንኺህልወኒ ሓጊዙኒ እዩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማረይ፡ ብዛዕባ ርእሰይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዛዕባ ኻልእ ኣይዓጅበንን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋን እታ ቕድሚ ሸውዓተ ዓመት እተመርዓኽዋ ጽብቕቲ ሰበይተይን እናሓገዙኒ፡ ሓልዮት ከማዕብል ከኣልኩ። ንብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ሕማቕ ኵነታት ዘጋጠሞም እተወሰኑ ውልቀ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሓሎም ብምኽኣልና ተባሪኽና ኢና። ፍቕሪ የሆዋ ንሰባት ኪትንክፎም ከሎ ምርኣየይ፡ ካብቲ ሓያል ጐብለል ካራተ ብምዃን ዝረኽቦ ሓጐስ ንላዕሊ እዩ ዜሐጕሰኒ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ጥበበኛን ሓያልን ዝዀነ ፈጣሪና ብዛዕባይ ከም ዚግደስ ምስ ሓሰብኩ፡ ልበይ ተተንከፈ”

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“ስለ እዛ እተደንቕ ዓምዲ አመስግነኩም”

ነዚ ኣቐዲሙ ዝነበረ ተመክሮታት ፈቲኻዮዶ፧ ካብ ናይ ነሓሰ 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ንነጀው ካብ ዝወጸ 50 ተመክሮታት፡ ነቲ 2 ጥራይ ኢኻ ኣንቢብካ። ኣንበብትና ነዚ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስቱ ዓምዲ ብዙሕ እዮም ዚፈትውዎ። እዚ ዓምዲ እዚ ንብዙሓት ሰባት ዚስሕቦም ስለምንታይ እዩ፧

እቶም ኣብዘን ዓንቀጻት እዚአን እተጠቕሱ ሰባት፡ እተፈላለየ ኣተዓባብያ እዩ ነይርዎም። ገሊኣቶም፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ቅድሚ ምፍላጦም ዕዉታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ህይወቶም ግና ናይ ሓቂ ዕላማ ኣይነበራን። ገሊኣቶም ከኣ፡ ምስ ከም ቍጥዓ፡ ምውሳድ ሓሽሽ፡ ወይ ከኣ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ዝኣመሰለ ኸቢድ ጸገማት እዮም ዚቃለሱ ነይሮም። ብዛዕባ የሆዋ እናተማህሩ ዝዓበዩ፡ ግናኸ ንእተወሰነ ግዜ ንዕኡ ምምላኽ ኣቋሪጾም ዝነበሩ ሰባት እውን ተጠቒሶም ነይሮም እዮም። እዚ ዅሉ ተመክሮታት፡ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ኢልካ ለውጢ ኺግበር ከም ዚከኣል እዩ ዚሕብር። ከምኡ ምግባር ከኣ፡ ወትሩ ጥቕሚ ኣለዎ። እሞኸ እዚ ጸብጻባት እዚ ንኣንበብትና ዝጸለዎም ብኸመይ እዩ፧

ሓንቲ ኣንባቢት፡ እቲ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2009 ዝወጸ ተመክሮ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበራ ኣንስቲ ብኸመይ ከም ዝሓገዘን ገለጸት።

◼ “ብዙሓት እሱራት፡ ንስምዒት እቶም ተመክሮኦም ዝወጸ ሰባት ይርድኣኦ እየን። ብሕልፊ እቲ ናይ ቀደምን ናይ ሕጅን ስእሊ፡ ከምኡውን እቲ ብዛዕባ እቲ ሰብ ዚገልጽ ሓጺር ሓበሬታ ውጽኢታዊ እዩ። ህይወት ብዙሓት እሱራት ምስቲ ኣብቲ ተመክሮ ዚወጽእ ተመሳሳሊ እዩ። ክልተ እሱራት ነቲ ተመክሮ ምስ ኣንበባኦ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመራ።”—ኤስ. ዳብሊው.።

እቲ ተመክሮታት፡ ብፍላይ ንስምዒት ገሊኦም ኣንበብቲ ተንኪፍዎ እዩ። ንኣብነት፡ እታ ናይ 1 ሚያዝያ 2011 ሕታም፡ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ምእንቲ ኼገልግል ኢሉ ንግብረ ሶዶም ዝሓደጎ ጓዳሉፕ ቢልያሬያል እያ እትገልጽ ነይራ። ቀጺልና እስከ ኻብቲ ኣንበብትና ዝለኣኽዎ ብዙሕ ደብዳበታት፡ ነቲ ኽልተ ጥራይ ንርአ።

◼ “ተመክሮ ጓዳሉፕ ውሽጠይ እዩ ተንኪፉኒ። ፍቕሪ የሆዋን መጽሓፍ ቅዱስን ንሓደ ሰብ ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ኪቕይሮ ኸም ዚኽእል ምርኣይ፡ ዜደንቕ እዩ።”—ኤል. ኤፍ.።

◼ “ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ብዛዕባ እምነተይ ንዅሉ ሰብ፡ እንተላይ ነቶም ግብረ ሶዶም ዚገብሩ አካፍሎም ነበርኩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ግና፡ ነቶም ግብረ ሶዶም ዚገብሩ ሰባት ዕሽሽ እብሎም ወይ ፈጺመ አዛርቦም ከም ዘየለኹ ተገንዘብኩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንዓይ ተባሂላ እያ ተዳልያ። ነቶም ሰባት ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ገይረ ንኽርእዮም፡ ማለት ንሳቶም እውን ኣምለኽቲ የሆዋ ናይ ምዃን ዓቕሚ ኸም ዘለዎም ንኽርዳእ ሓጊዛትኒ እያ።”—ኤም. ከይ.።

ካልእ ንብዙሓት ኣንበብቲ ዝተንከፈ ተመክሮ፡ እቲ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2011 ሕታም ዝወጸ ናይ ቪክቶርያ ታን እዩ። ቪክቶርያ ኣብቲ ተመክሮ ብዛዕባ እቲ ዜሕዝን ግዜ ቝልዕነታ ገሊጻ ነበረት። ንብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋላ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ዜፍቅራ ዀይኑ ኣይስምዓን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ መወዳእታ፡ ንፍቕሪ የሆዋ ንኽትቅበሎ ዝሓገዛ እንታይ ምዃኑ ገሊጻ ነበረት። ገሊኦም ኣንበብቲ ብዛዕባኣ እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

◼ “ተመክሮ ቪክቶርያ ንልበይ ተንኪፍዎ እዩ። ኣነ እውን ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ዜሕዝን ፍጻመታት ኣጋጢሙኒ ነይሩ እዩ። ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ኻብ ዝጥመቕ ነዊሕ ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ብዙሕ ሳዕ ምስ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እቃለስ እየ። ኰይኑ ግና፡ ተመክሮ ቪክቶርያ፡ ነቲ የሆዋ ኣባይ ዚርእዮ ምእንቲ ኽርእዮ፡ ኣበርቲዐ ኽጽዕር ደሪኹኒ እዩ።”—ኤም. ኤም.።

◼ “መንእሰይ ከለኹ፡ ስእለ ጽዩፍ ምስ ናይ ምርኣይ ወልፊ እቃለስ ነበርኩ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ደጊሱኒ ነበረ። ሓገዝ ክርስትያን ሽማግለታት ስለ ዘናደኹ ግና፡ ነቲ ጸገም ቀስ ብቐስ እዋጽኣሉ ኣለኹ። እቶም ሽማግለታት፡ ኣምላኽ ከም ዜፍቅረንን ምሕረት ከም ዚገብረለይን ኣረጋገጹለይ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ዘይረብሕን የሆዋ ዘየፍቅረንን ኰይኑ ይስምዓኒ እዩ። ንተመክሮ ቪክቶርያ ምንባበይ ሓጊዙኒ እዩ። ኣምላኽ ይቕረ ኺብለለይ ከም ዘይክእል ገይረ ኽሓስብ ከለኹ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መስዋእቲ ወዱ ንሓጢኣተይ ኪሽፍኖ ኸም ዘይክእል ገይረ እሓስብ ከም ዝነበርኩ ተገንዘብኩ። ዘይረብሕ ኰይኑ ኺስምዓኒ ኸሎ ምእንቲ ኸንብባን ምእንቲ ኸስተንትነላን፡ ነታ ዓንቀጽ ቈሪጸ ኣውጺአያ እየ። ስለ እዛ እተደንቕ ዓምዲ አመስግነኩም።”—ኤል. ከይ.።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ