ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/7 ገጽ 19-22
  • ‘ክትጽልዩ ኸለኹም፡ “ኣቦና” በሉ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ክትጽልዩ ኸለኹም፡ “ኣቦና” በሉ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ፡ ስምረት ኣቦና ኸም እንረክብ ኣረጋጊጹልና
  • ዚድንግጸልና ኣቦ
  • ዜዕቍብ ኣቦ
  • ዚግስጸና ኣቦ
  • ብስጋ ዜድልየና ዘበለ ዜማልኣልና ኣቦ
  • ንፍቕሪ ኣቦና ነማስወሉ
  • ኣቦና የሆዋ ኣጸቢቑ የፍቅረና እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንየሆዋ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንመንፈሳውያን ስድራ ቤትካ ቕረቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • መዳርግቲ ዘይብሉ ኣቦ ማቴዎስ 3:16, 17
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/7 ገጽ 19-22

‘ክትጽልዩ ኸለኹም፡ “ኣቦና” በሉ’

“ኣቦ።” ነዛ ቓል እዚኣ ኽትሰምዕ ከለኻ፡ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧ ሓደ ድሕንነት ስድራ ቤቱ ዜተሓሳስቦ ፈቃርን ርሕሩሕን ሰብኣይ ድዩ ዚመጸካ፧ ወይስ ሓደ ንስድራ ቤቱ ዕሽሽ ዚብሎም፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ዚሃስዮም ሰብኣይ እዩ ዚመጸካ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ እትህቦ ምላሽ፡ ኣብ እንታይነት ኣቦኻ እተመርኰሰ እዩ።

የሱስ ንኣምላኽ ኪዛረቦ ኸሎ ዀነ ብዛዕባኡ ኺዛረብ ከሎ፡ መብዛሕትኡ እዋን ነታ “ኣቦ” እትብል ቃል ይጥቀም ነበረ።a ንሰዓብቱ ብዛዕባ ጸሎት ኪምህሮም ከሎ፡ ‘ክትጽልዩ ኸለኹም፡ “ኣቦና” በሉ’ ኢሉ ነገሮም። (ሉቃስ 11:2) ይኹን እምበር፡ የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣቦ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣቦ ምዃኑ ብዝያዳ ብእተረዳእና መጠን፡ ብዝያዳ ኢና እንቐርቦን እነፍቅሮን።

የሱስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦና ኺገልጸልና ዜኽእሎ ብቕዓት ኣለዎ። ምስ ኣቦኡ ጥብቂ ርክብ ነበሮ። “ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን” በለ። (ማቴዎስ 11:27) ስለዚ፡ ብዛዕባ ኣቦ ብዝበለጸ ኽንፈልጥ እንኽእል፡ ብወዲ ኣቢልና ኢና።

ካብ የሱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦና እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ የሱስ እተዛረቦ ሓሳብ እሞ ንርአ፦ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:16) እዘን ቃላት የሱስ እዚአን፡ ብዛዕባ እታ ቐንዲ ባህርይ ሰማያዊ ኣቦና፡ ማለት ብዛዕባ ፍቕሪ እየን ዚገልጻ። (1 ዮሃንስ 4:8) የሆዋ ፍቕሩ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚገልጽ፣ ንኣብነት፡ ስምረቱ ይህበናን ይድንግጸልናን የዕቍበናን ይግስጸናን ብስጋ ዜድልየና ዘበለ የማልኣልናን እዩ።

የሱስ፡ ስምረት ኣቦና ኸም እንረክብ ኣረጋጊጹልና

ወለዲ ንውሉዳቶም ስምረቶም ኪገልጹሎም ከለዉ፡ እቶም ውሉዳት ይበራትዑን ይተባብዑን እዮም። የሱስ ነቲ፡ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ቃላት ኣቦኡ ኺሰምዕ ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተተባብዐ እሞ ሕስብ ኣብሎ! (ማቴዎስ 3:17) የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ኣቦ ኸም ዜፍቅረናን ስምረቱ ኸም ዚህበናን ኣረጋጊጹልና እዩ። “ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 14:21) ከመይ ዝኣመሰለ ዜጸናንዕ ቃላት ኰን እዩ! ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝበለ ምጽንናዕ ንኸይትረክብ ኪዓግተካ ዚደሊ ኣካል ኣሎ።

ሰይጣን፡ ብስምረት ሰማያዊ ኣቦና ኸም እንጠራጠር ዚገብረና ነገራት ኣብ ኣእምሮና ኺፈጥር ይጽዕር እዩ። ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ከም ዘይንበቅዕ ንኼእምነና ሒዅ እዩ ዚብል። መብዛሕትኡ እዋን፡ ተነቀፍቲ ኣብ እንዀነሉ፡ ማለት ኣብ ኣብ እንሓምመሉን ኣብ እንደኽመሉን እንኣርገሉን ኣብ እንጕህየሉን እዋን እዩ ኸምኡ ዚገብር። ነቲ ስምረት ኣምላኽ ኪረክብ ዘይበቅዕ ኰይኑ ዚስምዖ ዝነበረ ሉካስ ዝስሙ መንእሰይ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ሉካስ ገና ንእሽቶ ኸሎ፡ ወለዱ ነቲ ንዕኡ ዝመሃርዎ ብዙሕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ሓደግዎ። ምናልባት በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ርክብ ምምስራት ኣጸጊምዎ ኪኸውን ዚኽእል። ብዘይካዚ፡ ብተፈጥሮኡ ሓራቕ ስለ ዝነበረ፡ ብሕልፊ ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎ ርክብ፡ ኣብ ሽግር ይኣቱ ነበረ። ቀስ ብቐስ ግና፡ እታ ሉካስ “ውህበት ኣምላኽ ዝዀነት ፍልይቲ በረኸት” ኢሉ ዚጽውዓ ዕግስትን መተባብዒትን ሰበይቱ፡ ሓርቖቱ ኺቈጻጸር ሓገዘቶ። “ክርስቶስ የሱስ ነቶም . . . ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ” እውን ተገንዘበ። (1 ጢሞቴዎስ 1:15) ብዛዕባ ፍቕርን ስምረትን ኣምላኽ ምስትንታኑ፡ ሓጐስን ዕግበትን ኣምጺኡሉ እዩ።

ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ የፍቅረካ ወይ ስምረቱ ይህበካ እንተ ዀይኑ ኽትጠራጠር ከለኻ፡ ንሮሜ 8:31-39 ምንባብካን ብዛዕባኡ ምስትንታንካን ኬተባብዓካ ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና” ዚኽእል ነገር ከም ዘየልቦ ገሊጹ ነበረ።b

ዚድንግጸልና ኣቦ

ሰማያዊ ኣቦና፡ ኣምላኽ “ርሕራሐ” ስለ ዝዀነ፡ ስቓይና ይስምዖ እዩ። (ሉቃስ 1:78) የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ልክዕ ከም ኣቦኡ ንዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ይርሕርሓሎም ወይ ይድንግጸሎም ነበረ። (ማርቆስ 1:40-42፣ 6:30-34) ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ንድንጋጽ ሰማያዊ ኣቦኦም ኪቐድሕዎ ይጽዕሩ እዮም። ነቲ ንሓድሕዶም “ተላዋህትን ተዳናገጽትን” ኪዀኑ ዚምዕድ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ይስዕብዎ እዮም።—ኤፌሶን 4:32።

ነቲ ፈሊፐ ዝስሙ ሰብኣይ ዘሕለፎ ተመክሮ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ሓደ መዓልቲ፡ ናብ ስራሕ ኪኸይድ ከሎ፡ ልክዕ ከም ኣብ ዝባኑ ብበሊሕ ነገር እተወግአ፡ ብሃንደበት ኣዝዩ ሓያል ቃንዛ ተሰምዖ። ብኡብኡ ኸኣ ናብ ሆስፒታል ተወስደ። ሓካይም ንሸሞንተ ሰዓት ምስ መርመርዎ፡ ውሽጣዊ ቐጸላ ኣኦርታኡ ኸም እተቐድደ ነገርዎ። ን25 ደቒቕ ጥራይ ብህይወት ስለ ዚጸንሕ፡ መጥባሕቲ ምግባር ዋጋ ኸም ዘይብሉ ሓበርዎ።

እቶም ምስ ፈሊፐ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ ብድንጋጽ ተደሪኾም ስጕምቲ ወሰዱ። ተቐላጢፎም ንፈሊፐ ናብ ካልእ ሆስፒታል ወሰድዎ እሞ፡ ብቕልጡፍ መጥባሕቲ ተገብረሉ፣ ክሳዕ መጥባሕቱ ዚውድእ ድማ ምስኡ ጸንሑ። እቲ ዜሐጕስ፡ ፈሊፐ ኻብ ሞት ተረፈ። ነቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ምልስ ኢሉ ኺሓስቦ ኸሎ፡ ነቲ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ዘርኣይዎ ድንጋጽ ኣዝዩ እዩ ዜማስወሉ። ብድራኸ ሰማያዊ ኣቦኡ ኸምኡ ኸም ዝገበሩ ድማ እዩ ዚኣምን። “ኣምላኽ ልክዕ ከም ፈቃር ኣቦ ኣብ ጐድነይ ደው ኢሉ ዘበራትዓኒ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” በለ። ብሓቂ እምበኣር፡ የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ድንጋጽ ኬንጸባርቑ ብምድራኽ፡ ከም ዚድንግጸልና የርእየና እዩ።

ዜዕቍብ ኣቦ

ሓደ ቘልዓ ዜስግእ ነገር ኬጋጥሞ ኸሎ፡ እናጐየየ ኸይዱ ኣብ ኣቦኡ ይዕቈብ እዩ። ኣብ ፈቃር ሕቝፊ ኣቦኡ፡ ድሕንነት ይስምዖ እዩ። የሱስ፡ የሆዋ ኸም ዜዕቍቦ ምሉእ ብምሉእ ይተኣማመን ነበረ። (ማቴዎስ 26:53፣ ዮሃንስ 17:15) ንሕና እውን ኣብ ትሕቲ ዕቝባ ሰማያዊ ኣቦና፡ ድሕንነት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሎሚ የሆዋ ብቐንዱ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ እዩ ዜዕቍበና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ካብ ሓደጋ ንኽንርሕቕን ነቲ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ንኽንሕልዎን ስለ ዜዕጥቐና፡ ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት የዕቍበና እዩ። ሓደ ኻብቲ ንዓና ዜዕቍበሉ መገዲ፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኣቢሉ እዩ። ከምዚ ዓይነት ምኽሪ ኺወሃበና ኸሎ፡ የሆዋ ብድሕሬና ዀይኑ፡ “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ” ኸም ዚብለና ዘሎ ጌርና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 30:21።

ቲያጎን እቶም ፈርናንዶን ራፋኤልን ዝስሞም ኣሕዋቱን፡ ኣባላት ሓንቲ ሮክ ኤንድ ሮል ዚብሃል ሙዚቃ እትጻወት ባንድ እዮም ነይሮም። ኣብ ሳኦ ፓውሎ፡ ብራዚል ኣብ ዚርከብ ሓደ ህቡብ ናይ ሙዚቃ ኣዳራሽ ንኺጻወቱ ምስ ተመርጹ፡ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ዓወት ዚጽበዮም ዝነበረ እዩ ዚመስል ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻዮም፡ ንመገድታት ኣምላኽ ዘየኽብር ዓይነት ናብራ ምስ ዚነብሩ ሰባት ምሕባር፡ ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቀቖም። (ምሳሌ 13:20) ምስዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሩ ኣተሓሒዙ ድማ፡ ናይ ሓዉ ተመክሮ ኣዘንተወሎም። ሓዉ ብሰሪ ሕማቕ ዕርክነት ንኣምላኽ ኣብ ዜጕሂ ተግባር ከም እተኻፈለ ነገሮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቲያጎን ኣሕዋቱን ነቲ ናይ ሙዚቃ ሞያኦም ኣቋረጽዎ። ሕጂ ሰለስቲኦም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ይካፈሉ ኣለዉ። ንምኽሪ ቓል ኣምላኽ ምስዓቦም፡ ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት ከም ዘዕቈቦም እዮም ዚኣምኑ።

ዚግስጸና ኣቦ

ሓደ ፈቃር ኣቦ፡ ደቁ ኣብ ጽቡቕ ኪበጽሑ ስለ ዚደሊ፡ ይግስጾም እዩ። (ኤፌሶን 6:4) ጽኑዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብጭካነ ግና ኣይእርሞምን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሰማያዊ ኣቦና ሓድሓደ ግዜ ኺግስጸና የድሊ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ብጭካነ ዘይኰነስ፡ ብፍቕሪ እዩ ዚግስጸና። የሱስ ልክዕ ከም ኣቦኡ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዝሃቦም መአረምታ ቕልጡፍ ምላሽ ኣብ ዘይሃቡሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ መሪር ዘረባ ኣይተዛረቦምን።—ማቴዎስ 20:20-28፣ ሉቃስ 22:24-30።

የሆዋ ብፍቕሪ ዝገሰጾ ዀይኑ እተሰምዖ ሪካርዶ ዝስሙ ሰብኣይ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ሪካርዶ ገና ወዲ ሸውዓተ ወርሒ ኸሎ፡ ኣቦኡ ራሕሪሕዎ ኸደ። ምስ ኰተተ፡ ኣቦ ዘይብሉ ብምዃኑ ኣመና ሓዘነ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ሕማቕ ተግባራት ወደቐ፣ ሕልናኡ ድማ ኬሳቕዮ ጀመረ። ህይወቱ ምስ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ክርስትና ኸም ዘይሰማማዕ ምስ ተገንዘበ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤኡ ዝነበሩ ሽማግለታት ኬዘራርቦም ወሰነ። እቶም ሽማግለታት ከኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽኑዕ ግናኸ ፍቕራዊ ምኽሪ ሃብዎ። ሪካርዶ ነቲ ተግሳጽ እኳ እንተ ተቐበሎ፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝገበሮ ሕማቕ ነገራት ኣዝዩ ይሳቐ ስለ ዝነበረ፡ ድቃስ ዘይብሉ ለይቲ ይሓድርን ይበክን ይጭነቕን ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ እቲ እተዋህቦ ተግሳጽ፡ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ኸም ዝዀነ ተረድአ። ነተን ኣብ እብራውያን 12:6 ዚርከባ፡ “እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ” ዚብላ ቓላት ይዝክረን እዩ።

ተግሳጽ ኪበሃል ከሎ፡ ካብ መቕጻዕቲ ወይ መግናሕቲ ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ክንርስዕ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ንተግሳጽ ምስ ስልጠና እውን የተሓሕዞ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና፡ ንእተወሰነ እዋን ብሳዕቤን ጌጋታትና ንኽንሳቐ ብምፍቃድ፡ ኪግስጸና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተግሳጽ ኣምላኽ ከም ዜልምደና ወይ ከም ዜሰልጥነና ይገልጽ እዩ፣ እዚ ኸኣ ቅኑዕ ኣንፈት ንኽንስዕብ እዩ ዚሕግዘና። (እብራውያን 12:7, 11) እወ፡ ሰማያዊ ኣቦና፡ ድሕንነትና የተሓሳስቦን ንጥቕምና ኢሉ ይእርመናን እዩ።

ብስጋ ዜድልየና ዘበለ ዜማልኣልና ኣቦ

ሓደ ፈቃር ኣቦ ንስድራ ቤቱ ብኣካላውን ብስጋውን መዳይ ዜድልዮም ነገራት የማልኣሎም እዩ። የሆዋ እውን ከምኡ እዩ ዚገብር። የሱስ፡ “ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 6:25-34) የሆዋ እውን፡ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ኢሉ ተመባጺዑልና ኣሎ።—እብራውያን 13:5።

ኒስ ዝስማ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ኻብ ስራሕ ምስ ወጸ፡ ንሓቅነት እተን ቃላት ኣብ ህይወታ ርእያቶ እያ። ምስተን ክልተ ደቃ ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኸተሕልፍን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትካፈልን ኢላ፡ ነቲ ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሓ ኣቋሪጻቶ ነበረት። ሰብኣያ ኻብ ስራሕ ምስ ወጸ ደኣ እሞ፡ ብኸመይ እዮም ድራር ዕለቶም ኪረኽቡ ዚኽእሉ፧ ኒስ ናብ የሆዋ ጸለየት። ንጽብሒቱ ድማ፡ ሰብኣያ ንብረቱ ኼምጽእ ናብቲ ዚሰርሓሉ ቦታ ኸደ። እቲ ዜገርም፡ ኣስራሒኡ፡ እንደገና ስራሕ ኪጅምር ከም ዚኽእል ነገሮ። በዚ ኸምዚ፡ ካብ ስራሕ ካብ ዚወጽእ ድሕሪ ሓንቲ መዓልቲ፡ እንደገና ናብ ስራሑ ተመልሰ። ኒስን ሰብኣያን ስለቲ ዝረኸብዎ ኣወንታዊ ፍረ ንሰማያዊ ኣቦኦም ኣመስገንዎ። እዚ ተመክሮ እዚ፡ እቲ ለጋስ ዝዀነ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዘይርስዖም እዩ ዜዘኻኽረና።

ንፍቕሪ ኣቦና ነማስወሉ

ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዜርእየና ዜደንቕ ፍቕሪ ንምግላጽ ቃላት ይሓጽረና እዩ። ስምረቱ ብምሃብን ብምድንጋጽን ብምዕቋብን ብምግሳጽን ብስጋ ዜድልየና ዘበለ ብምምላእን ኣባታዊ ፍቕሩ ኸም ዜርእየና ኽንሓስብ ከለና፡ ካብኡ ዚበልጽ ኣቦ ኸም ዘየለ ኢና እንድምድም።

ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዜርእየና ፍቕሪ ኸም እነማስወሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ዕላማኡን ንኽንመሃር ክንጽዕር ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 17:3) ንህይወትና ምስ ፍቓዱን ምስ መገድታቱን ከነሰማምዓ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 5:3) ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ንፍቕሩ ኸነንጸባርቓ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 4:11) በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ኸም ኣቦና ጌርና ኸም እንርእዮን ደቁ ብምዃንና ኸም እንዀርዕን ከነርኢ ንኽእል ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a የሆዋ ኣቦና ምዃኑ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ኣሎ። ንኣብነት፡ የሱስ ነታ “ኣቦ” እትብል ቃል፡ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ወንጌላት ኣስታት 65 ሳዕ፡ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ከኣ ልዕሊ 100 ሳዕ ተጠቒሙላ ነበረ። ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብተን ዝጸሓፈን መልእኽትታት፡ ንኣምላኽ ልዕሊ 40 ሳዕ “ኣቦ” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። የሆዋ ምንጪ ህይወትና ስለ ዝዀነ፡ ኣቦና እዩ።

b ኣብታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ነታ፡ “‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኽፈልየና’ ዝኽእል የለን” እትብል ምዕራፍ 24 ርአ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣቦ ምዃኑ ብዝያዳ ብእተረዳእና መጠን፡ ብዝያዳ ኢና እንቐርቦን እነፍቅሮን

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ንየሆዋ ኸም ኣቦና ጌርና ኸም እንርእዮን ደቁ ብምዃንና ኸም እንዀርዕን ከነርኢ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]

የሆዋ ኣባታዊ ፍቕሩ ብእተፈላለየ መገዲ የርኢ

ስምረቱ ብምሃብ

ብምድንጋጽ

ብምዕቋብ

ብምግሳጽ

ብስጋዊ ብምድጋፍ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ