ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/8 ገጽ 11-14
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/8 ገጽ 11-14

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ኣብ ሓንቲ ጽንዕቲ ስድራ ቤት ካቶሊክ ዝዓበየ፡ ብናይ ሕጊ ሞያ ኸኣ ዕዉት ዝነበረ ሰብ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኣሸባሪ ዝነበረ ሰብ ዓመጻ ገዲፉ ሃይማኖተኛ ንኪኸውን ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ነቲ እዞም ሰባት እዚኦም ዝሃብዎ ሓሳባት ኣንብቦ።

“እቲ ብዛዕባ ቅኑዕን ጌጋን ዘሎኒ ምርዳእ እናዓመቘ ኸደ።”—ሰባስትያኡ ኣልቪስ

ዓመተ ልደት፦ 1946

መበቈል ሃገር፦ ብራዚል

ታሪኽ፦ ዳኛ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ስድራ ቤተይ ካብ ከተማ ፒኬቲ 6 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ዓዲ እያ እትነብር ነይራ። ወለደይ ንእሽቶ ሕርሻ ነበሮም፣ ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ከኣ ንረክብ ነበረና። ኣብ ፒኬቲ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ እመሃር ስለ ዝነበርኩ፡ ንጕዕዞ እትዀነኒ ኣረጊት ብሽክለታ ዓደግኩ። ኣብ ከባቢና ዝነበሩ ሰባት ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ፡ እታ ኸተማ ግና ጽርይቲ ነበረት፡ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ድማ ብዙሕ ገበን ኣይፍጸመላን እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ተቐማጦ እታ ኸተማ፡ ኣጽዋር ውግእ ኣብ እተዳሉ ፋብሪካ እዮም ዚሰርሑ ነይሮም።

ንፉዕ ተመሃራይ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበረት ከተማ ኣብ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ውትህድርና ነፈርቲ ኣተኹ። ብ1966 ድማ ሰርጌንተ ዀይነ ተመረቕኩ። ድሕሪኡ፡ ትምህርቲ ሕጊ ተማሂረ፡ ዲግሪ ረኸብኩ። ጸኒሐ፡ ሓለቓ ፖሊስ ክኸውን ኣመልከትኩ። ብ1976 ብመንግስቲ ዚውሃብ ፈተና ተፈቲነ ስለ ዝሓለፍኩ፡ ንኽሰርሕ ተመረጽኩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣመሓዳሪ ዀይነ ዝዓየሉ ግዜ ነይሩ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ እናመጹ፡ ነቶም እሱራት ንኺሰብኩሎም ፍቓድ ኪውሃቦም ይሓቱ ነበሩ። ኵሉ ሳዕ ድማ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግሩኒ ነበሩ። ንኣምላኽ ዕዙዝ ኣኽብሮት ነበረኒ። ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ፡ ስሙ ኸኣ የሆዋ ምዃኑ፡ ንሕና እውን ምስኡ ዕርክነት ክንምስርት ከም እንኽእል ምስ ፈለጥኩ ድማ ተደነቕኩ።

በብቝሩብ፡ ብሞያይ እናማዕበልኩ ኸድኩ። ብ1981 ከኣ ብመንግስቲ ዚውሃብ ካልእ ፈተና ተፈተንኩ እሞ፡ ዳኛ ዀንኩ። ድሕሪኡ፡ ብ2005 ኣብ ቤት ፍርዲ ሳኦ ፓውሎ፡ ቤት ፍርዲ ይግባይ፡ ዳኛ ዀይነ ኽዓዪ ተሸምኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ብሕጊ ምስ ተመረቕኩ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀመርኩ፣ እዚ ኸኣ ኣተሓሳስባይ ከም ዝቕይር ገበረኒ። ጽኑዕ ካቶሊክ እየ ነይረ። ገሊኦም ኣዝማደይ ከኣ ኣቕሽሽቲ እዮም ነይሮም፡ ሓደ ኸኣ ኣቡን ነበረ፣ ኣብ ግዜ ቕዳሰ ድማ ነቲ ቐሺ እሕግዞ ነበርኩ። እቲ ቐሺ ስብከት ቅድሚ ምሃቡ፡ ካብቲ ናይ ጸሎት መጽሓፍ እተመደበ ኽፍልታት አንብብ ነበርኩ። ካቶሊካውያን መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ልሙድ ኣይነበረን። ኣደይ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ ከም ዝነበርኩ ምስ ፈለጠት፡ ኣዝያ ተቘጥዐት። ‘ክትጽለል ኢኻ’ እናበለት፡ ተስፋ ኸተቝርጸኒ ትጽዕር ነበረት። ይኹን እምበር፡ ካብ ምንባብ ዓዲ ኣይወዓልኩን፣ ኣይተጐዳእኹን እውን።

ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ስለ ዝነበረኒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸንብብ እድረኽ ነበርኩ። ብዛዕባ ኣቕሽሽትን ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ዝነበሮም ግደን ዝያዳ ኽፈልጥ እደሊ ነበርኩ። ብዛዕባ ሓርነት ዚገልጽ ትምህርቲ ሃይማኖት እውን ከንብብ ጀመርኩ፣ ኰይኑ ግና፡ እቶም ተጣበቕቱ ዚህብዎ ዝነበሩ መግለጺ ብዙሕ ኣበር ስለ ዝነበሮ፡ ትርጕም ኣይህበንን እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰዓቢ እምነት ቡድህና ዝነበረ ሓኪም ስኒ፡ ሓንቲ ንዕኡ እተዋህበቶ መጽሓፍ ሃበኒ። ኣርእስቲ እታ መጽሓፍ ዲድ ማን ጌት ሂር ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧a (ሰብ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ ወይስ ብፍጥረት) ዚብል እዩ ነይሩ። ምስታ ብቻርለስ ዳርዊን እተጻሕፈት ዘ ኦሪጅን ኦቭ ስፒሽስ (መበቈል ኣዝርእቲ) ዘርእስታ መጽሓፍ ኣሳንየ ንኸንብባ ኣገዳሲት ኰይና ስለ እተሰምዓትኒ፡ ተቐበልክዎ። እቲ ኣብታ ዲድ ማን ጌት ሂር ባይ ኢቮልሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝቐረበ ሓሳባት፡ ሓያልን ርትዓውን ዜእምንን እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት መሰረት ዘይብሉ ትምህርቲ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ኣመንኩሉ።

ነታ ብዛዕባ ፍጥረት እትገልጽ መጽሓፍ ምንባበይ፡ ነቲ ንምፍላጥ ዝነበረኒ ሃንቀውታይ ኣጐሃሃሮ። ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ኻልእ መጻሕፍቲ እውን ክረክብ ደለኹ። ሓደ መካኒክ ዝነበረ ሰብ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣዛረብክዎ። ንሱ ኸኣ፡ እተወሰነ መጻሕፍቲ ሃበኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ዝቐረበለይ ዕድመ ኣይተቐበልክዎን ነይረ። ብገዛእ ርእሰይ ከጽንዖ ኸም ዝኽእል ኰይኑ ተሰምዓኒ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ምስ ጀመርኩ፡ ብዓል ሓዳር ስለ ዝነበርኩ፡ ምስ ስድራ ቤተይ ኰይነ ኸንብቦ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ወሰንኩ። ሰሙን ሰሙን ናይ ስድራ ቤት መጽናዕቲ ንገብር ነበርና፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ሓቢርና ነንብቦ ነበርና። እቶም ካቶሊክ ዝነበሩ ኣዝማደይ መብዛሕትኦም ኣቕሽሽትን ኣቡናትን ስለ ዝነበሩ፡ እቲ የሱስ ንወደ መዝሙር ቶማስ እተዛረቦ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ዚብል ኣብ ዮሃንስ 14:6 ዘንበብክዎ ሓሳብ ኣቓልቦይ ስሓቦ። ነቲ ጕዳይ ኣጸቢቐ ምስ መርመርክዎ፡ ድሕነትና ብየሱስ ኣቢሉ ኻብ የሆዋ ኸም ዚርከብ ኣመንኩ። ቅድሚ እዚ፡ ድሕነትና ኻብ ኣቕሽሽቲ ኸም ዚርከብ እዩ ዚንገረና ነይሩ።

ብዘይካዚ፡ ክልተ ኻልኦት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክን ትምህርትታታን ንዝነበረኒ ኣመለኻኽታ ቐየራኦ። እታ ሓንቲ፡ ምሳሌ 1:7 እያ፣ “ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ” ድማ ትብል። እታ ኻልአይቲ ኸኣ፡ ያእቆብ 1:5 እያ። እታ ጥቕሲ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ” ብምባል ትገልጽ። ፍልጠትን ጥበብን ንምርካብ ብርቱዕ ጽምኢ ስለ ዝነበረኒ፡ ቤተ ክርስትያን ብምኻድ ጥራይ ክረዊ ኣይከኣልኩን። ስለዚ፡ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ኣቋረጽኩ።

ብ1980 ሰበይተይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ኣብ ቤት ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ኣነ እውን ኣብቲ መጽናዕቲ እካፈል ነበርኩ። ድሕሪ ገለ ግዜያት ከኣ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓለይ ተሰማማዕኩ። ይኹን እምበር፡ ኣነን ሰበይተይን ተጠሚቕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽንከውን ዝወሰንና ድሕሪ ነዊሕ ግዜ እዩ። ሰበይተይ ብ1994 ተጠምቀት፡ ኣነ ኸኣ ብ1998 ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ኣርባዕተ ደቀይ ብስርዓታት የሆዋ ተዀስኲሶም ብምዕባዮም ተጠቒሞም እዮም። (ኤፌሶን 6:4) እቶም ክልተ ኣወዳት፡ ኣብታ ዚእከቡላ ጉባኤ ንዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺሕግዝዎም ይጽዕሩ ኣለዉ። እተን ክልተ ኣዋልድ ከኣ ብቕንኣት ይሰብካ ኣለዋ። ሰበይተይ ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጡ ንኽትሕግዞም ኣብ ወወርሒ ሓያሎ ሰዓታት ተሕልፍ ኣላ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ ጉባኤና ሽማግለ ዀይነ አገልግል ኣለኹ።

ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰንኩ፡ እቲ ብዛዕባ ቅኑዕን ጌጋን ዘሎኒ ምርዳእ እናዓመቘ ኸደ። ከም ዳኛ መጠን ኣብ ቤት ፍርዲ ኽዓዪ ኸለኹ፡ ነቲ የሆዋ ንእተፈላለየ ጕዳያት ዚሕዘሉ መገዲ ንኽዓየሉ እጽዕር እየ። ንዅሉ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ልኡም ክኸውን፡ ኣብቲ ዜድልየሉ ዅነታት ከኣ ደንጋጺ ክኸውን ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ።

ዳኛ ዀይነ ኺዓዪ ኸለኹ፡ ምስ ዓመጽን ገበንን ህስያ ህጻናትን እተተሓሓዘ ሓያሎ ጕዳያትን ካልእ ከቢድ ገበናትን መርሚረ እየ። ምስናይዚ ግና፡ ስምዒተይ ኣይደንዘዘን። ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስነ ምግባራዊ ሕስራንን ብልሽውናን ኣብ ዜና ኽከታተሎ ኸለኹ፡ ኣዝዩ እዩ ዜስገድግደኒ። የሆዋ፡ ገበን እናወሰኸ ዝኸደሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ፡ ዝሓሸ ግዜ ድማ ኪመጽእ ምዃኑ ንኽፈልጥ ስለ ዝሓገዘኒ አመስግኖ እየ።

‘ማእሰርቲ ኣይቀየረንን።’—ኪት ዉድዝ

ዓመተ ልደት፦ 1961

መበቈል ሃገር፦ ሰሜናዊ ኣይርላንድ

ታሪኽ፦ ኣሸባሪ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ብ1961 ኣብ ሰሜናዊ ኣይርላንድ ኣብ እትርከብ ብዙሕ ንጥፈታት ዚካየደላ ኸተማ ፖርታዳውን እየ ተወሊደ። ወለደይ ፕሮተስታንት እዮም ነይሮም። ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ሓቢሮም ኣብ ዚነብሩሉ ገዛውቲ ኸኣ እየ ዓብየ። መብዛሕትኦም ስድራ ቤታት ብተዛማዲ ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ኵላትና ኸም ጐረባብቲ መጠን ተሰማሚዕና ኢና ንነብር ኔርና።

ናብራ ህይወተይ ዝሕበነሉ ዓይነት ኣይነበረን። ብ1974 ኣብ ሰሜናዊ ኣይርላንድ ኣብ ዝነበረ “ዕግርግር” ተኻፈልኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ኣብ ማሕበረሰብና ዝነበረ ዅነታት እውን እናኸፍአ ኸደ። ንኣብነት፡ እቲ ኣመሓዳሪ ፋብሪካ መንጸፍ ኣልስተርb ዝነበረ ኣቦይ፡ ሓደ ምሸት ኣብ ጥቓ ገዛና ንዚነብሩ ዝነበሩ ኽልተ ካቶሊክ መንእሰያት ኣብ ስራሕ የሰልጥኖም ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቤት እቶም ቈልዑ ብመስኮት ቦምባ ደርብዩ፡ ንኣቦኦምን ንኣዲኦምን ንሓደ ሓዎምን ቀተለሎም።

ሽግራት እናጻዕጽዐ ስለ ዝኸደ፡ ውግእ ተኸፍተ። ካቶሊክ ኣብ ዚነብሩሉ ኸባቢ ዝነበረ ኣባይቲ ፕሮተስታንት ተቓጸለ፡ ማሕበረ ሰብ ፕሮተስታንት ኣብ ዚነብርሉ ኸባቢ ዚነብሩ ካቶሊክ እውን ይግፍዑ ነበሩ። መብዛሕትኡ ገዛውትና ኸኣ ሰፈር ፕሮተስታንት ጥራይ ኰይኑ ተረፈ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣነውን ቦምባ ኣብ ምድርባይ ስለ እተኻፈልኩ፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተኹ፡ ንሰለስተ ዓመት ክእሰር ከኣ ተፈረድኩ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ምስ ሓደ ውሩይ ኣባል ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ፕሮተስታንት ዝነበረ እሱር ተዓራረኽኩ። ክልቴና ኸም ኣሕዋት ኢና ኔርና፣ ኣብ መርዓኡ ድማ ዓርኪ ዀንኩ። ማእሰርቲ ንዓይ ኰነ ንዕኡ ኣይቀየረናን። ምስ ተፈታሕና ድማ ብቐጥታ ናብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስና ተመሊስና፡ ብዝሰፍሐ መገዲ ኽንዓዪ ጀመርና። ስለዚ ድማ፡ ዓርከይ እንደገና ተኣስረ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተቐትለ።

ኣነ እውን ዒላማ ዀይነ ነበርኩ፣ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እኳ ንማኪናይ ኣባሪዖምዋ እዮም። እዚ ፍጻመታት እዚ ግና፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታተይ ዝያዳ ንጡፍ ከም ዚኸውን እዩ ገይሩኒ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ እቲ “ዕግርግር” ኣብ እትገልጽ ኣብ ናይ ብሪጣንያ ቲቪ ድማ እተራእየት ፊልም ተኻፈልኩ። እዚ ኸኣ ተወሳኺ ጸገማት ፈጠረለይ። ንኣብነት፡ ሓደ ምሸት ገዛ ምስ ከድኩ፡ ሰበይተይ ከም ዝጠለመትኒ ፈለጥኩ። ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ብሰንኪ እቲ መደብ ተለቪዥን፡ ወደይ ካባይ ተወስደ። ሓደ እዋን ብመስኮት እናጠመትኩ፡ “ኣምላኽ እንተ ደኣ ኣሊኻ፡ ሓግዘኒ” ኽብል ይዝከረኒ።

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ቀዳም ከኣ፡ ምስ ሓደ ፖል ዚብሃል ዝፈልጦ ሰብ ተራኸብኩ። ፖል ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ነበረ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኪነግረኒ ጀመረ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ኸኣ፡ ሓንቲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ሰደደለይ። ኣብታ መጽሔት እቲኣ፡ ኣብ ሓንቲ ዓንቀጽ እቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 18:36 እተዛረቦ ቓላት ተጠቒሱ ነበረ። የሱስ ኣብታ ጥቕሲ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በለ። እዘን ቓላት እዚኣተን፡ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕደራለይ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ከኣ እዩ ህይወተይ ኪቕየር ጀሚሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ፖል መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህረኒ ጀመረ። ድሕሪኡ፡ ቢል ዝስሙ ኻልእ ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ መጽናዕቲ ቐጸለለይ። ኣሸጋሪ ተመሃራይ እየ ነይረ፣ ሓያሎ ሕቶታት እሓትት ነበርኩ። ንቢል ጌጋኡ ንኼርእይዎ ኢለ፡ ብዙሓት ሰበኽቲ ሃይማኖት ናብ ቤተይ እጽውዕ ነበርኩ። ግናኸ፡ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ በርሃለይ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ከባቢ ገዛውትና መገዲ ተዓጽዩ ስለ ዝነበረ፡ ንቢል ማኪናኡ ኣሕዲጎም ምእንቲ ኸየባርዑሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህረኒ ኢሉ ናብ ቤተይ ንኸይመጽእ ክነግሮ ትዝ ይብለኒ። ንሱ ግና፡ ከም ቀደሙ መጸ። ማኪናኡ ገዲፉ ብብሽክለታ መጸ። ንብረቱ ኺውሰደሉ ዘደሊ ሰብ መቸም የለን። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣነን ቢልን ኣብ ቤተይ ኰፍ ኢልና መጽሓፍ ቅዱስ እናኣጽናዕና ኸለና፡ ፖሊስን ወተሃደራትን ኪኣስሩኒ መጹ። ሽዑ ኺወስዱኒ ኸለዉ፡ ቢል ዓው ኢሉ፡ ብየሆዋ ኺእመን ነገረኒ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት፡ ዓብዪ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩለይ።

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፈለማ ግዜ ኣብ ሓደ ኣኼባ ምስ ተረኸብኩ፡ ንገሊኣቶም ኣሰምቢድዎም ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ ሽዑ ነዊሕ ጸጕሪ እዩ ነይሩኒ፡ እዝነይ ከኣ ተሰቚረ ነበርኩ፡ ከምኡውን ኣባል ፖለቲካዊ ጕጅለ ኸም ዝዀንኩ ዜፍልጠኒ ጃኬት ተኸዲነ ነበርኩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረለይ ጽቡቕ ኣቀባብላ ደንጽዩኒ እዩ። ለውሃቶም ብሓቂ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ እዩ።

ሽሕ እኳ መጽሓፍ ቅዱስ አጽንዕ እንተ ነበርኩ፡ ካብቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ኣይተፈለኹን ነይረ። መወዳእታኡ ግና፡ እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልበይ ሱር ኪሰድድ ጀመረ። ንየሆዋ ኸገልግል ዝደሊ እንተ ዀይነ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያይን መዋዕልተይን ክቕይር ከም ዘሎኒ ኸኣ ተገንዘብኩ። ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ምውሳድ ቀሊል ኣይነበረን። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ እናተመሃርኩን ካብ የሆዋ ሓይሊ እናረኸብኩን ምስ ከድኩ ግና፡ ክቕየር ክኢለ እየ። ጸጕረይ ተቐምቀምኩ፡ ቀለበት እዝነይ ኣልገስኩ፡ ባድላ ድማ ዓደግኩ። እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ትምህርቲ ኸኣ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ንዝነበረኒ ኣመለኻኽታ ኼመሓይሾ ጀመረ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ገበንን ግብረ ሽበራን እናፈጸምኩ እነብር ስለ ዝነበርኩ፡ በቶም ኣብቲ ማሕበረ ሰብ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ሕጊ ፍሉጥ እየ ነይረ። ሕጂ ግና ኵነታት ተቐይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ከተማ ናቫን ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፈለማ ግዜ ምስ ተኣከብኩ፡ ሰበ ስልጣን ሕጊ ካብ ሰሜን ኣይርላናድ ናብ ኣይርላንድ ኪኸይድን ኪምለስን ከለኹ ይከታተሉኒ ነበሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግና፡ ኣኼባ ኣውራጃ ክኸይድ ከለኹ ማንም ዚከታተለኒ የለን። ብዘይካዚ፡ ምስ ፖልን ቢልን ምስ ካልኦት ኣባላት ጉባኤን ኰይነ ከይተሰከፍኩ ኣብ ዕዮ ስብከት እጃመይ አበርክት ኣሎኹ።

ህይወተይ ምስ ተቐየረ፡ ኵነታተይ ኣተዓራርየ ኣባል ጉባኤ ዀንኩ። ኣብኡ፡ ምስ ሓንቲ ሉዊዝ ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸብኩ፡ ተመርዓና ድማ። ኣነን ወደይን እውን እንደገና ተራኸብና።

ዘሕለፍክዎ ህይወት ኪዝክር ከለኹ፡ ንኻልኦት ሰባት ስለ ዝጐዳእኽዎም የጣዕሰኒ እዩ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኸማይ ንዝኣመሰሉ ሰባት፡ ግጉይ ናብራ ህይወት ገዲፎም ዕላማን ተስፋን ዘለዎ ህይወት ኪመርሑ ኸም ዜኽእሎም ከረጋግጽ እኽእል እየ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፣ ሕጂ ግና ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

b ኣልስተር ናይ ሰሜን ኣይርላንድ ካልእ ስም እዩ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣደይ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ ከም ዝነበርኩ ምስ ፈለጠት፡ ኣዝያ ተቘጥዐት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ