“ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ”
ንጉስ ኣሳ ብቕልጡፍ ንሰራዊቱ መሪሑ፡ ብዓሚቝ ስንጭሮ ኣቢሉ ኻብ ከበሳታት ይሁዳ ናብ ጐላጕል ወረደ። እቲ ስንጭሮ እናሰፍሐ ኣብ ዚኸደሉ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ነቲ ኣዝዩ ዓብዪ ሰፈር ጸላኢ ርእዩ ኣመና ሰንበደ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓደ ሚልዮን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሰራዊት ኣሳ ግና፡ ፍርቂ ሚልዮን ኣቢሎም ጥራይ እዮም ነይሮም።
ኣሳ ምስ ኲናት ኣብ እተፋጠጠሉ እዋን፡ ልዕሊ ዅሉ ዘተሓሳሰቦ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ንጀነራላቱ ትእዛዝ ምሃብ፡ ወይ ንሰራዊቱ ምትብባዕ፡ ወይ ከኣ ናብ ስድራ ቤቱ ደብዳበ ምጽሓፍ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ኣብዚ ሓደገኛ እዋን እዚ፡ ናብ የሆዋ ጸለየ።
ነቲ ጸሎትን ነቲ ዅነታትን ቅድሚ ምምርማርና፡ ኣሳ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ እስከ ንርአ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ስጕምቲ ንኺወስድ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ሓገዝ ኣምላኽ ንምድላይ ዜኽእሎ ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎዶ፧ የሆዋ ንዕዮ ኣገልገልቱ ኸም ዚባርኾ፡ እቲ ብዛዕባ ኣሳ ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧
ታሪኽ ኣሳ
እስራኤል ኣብ ክልተ መንግስቲ ኻብ እትምቀል ኣትሒዙ ን20 ዓመት፡ ኵላ ይሁዳ ብኣረማዊ ተግባራት ተባላሽያ ነበረት። ኣሳ ብ977 ቅ.ክ. ንጉስ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ እቲ ቤተ መንግስቲ እውን እንተ ዀነ፡ ብኣምልኾ እቶም ከነኣናውያን ዜምልኽዎም ዝነበሩ ናይ ምፍራይ ኣማልኽቲ ተበላሽዩ ነበረ። ይኹን እምበር፡ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ብዛዕባ ግዝኣት ኣሳ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ “ኣሳ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ዘበለ ገበረ” እዩ ዚብል። እወ፡ ኣሳ “ነቲ ናይ ጓኖት መሰውኢታትን ነቲ በረኽትን ኣፍረሶ፡ ነቲ ኣዕኑድ ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርቴታቱውን ቈራረጾ።” (2 ዜና 14:2, 3) ብዘይካዚ፡ ነቶም ብስም ሃይማኖት ግብረ ሶዶም ዚገብሩ ዝነበሩ “ኣብ ተባዕታይ ዝመንዘሩ” ሰባት ሰጐጎም። በዚ ጥራይ ግና ኣየብቅዐን። ነቶም ህዝቢ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎን ነቲ ሕግን ትእዛዝን ድማ ኪገብርዎን” ኣተባብዖም።—1 ነገ. 15:12, 13፣ 2 ዜና 14:4።
የሆዋ በቲ ኣሳ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበሮ ቕንኣት ስለ እተሓጐሰ፡ ንብዙሕ ዓመታት ሰላም ሃቦ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ንጉስ ኣሳ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝደሌናዮስ፡ . . . ንሱ ድማ ብዙርያና ዕረፍቲ ሂቡና አሎ” ኺብል ዝኸኣለ። እቶም ህዝቢ ነዚ ዅነታቶም ተጠቒሞም፡ ንኸተማታት መንግስቲ ይሁዳ ኣጽንዕወን። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሳቶም ከኣ ሰርሑ፡ ሰለጠሎም ድማ” ይብል።—2 ዜና 14:1, 6, 7።
ኣብ ዓውደ ዂናት
ንታሪኽ ኣሳ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ማእለያ ምስ ዘይብሉ ሰራዊት ምስ ተፋጠጠ እንተ ጸለየ ኣየገርመናን እዩ። ኣሳ፡ ኣምላኽ ብእምነት ንዚግበር ነገራት ዓስቢ ኸም ዚህብ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ዘቕረቦ ጸሎት ድማ፡ ሓገዝ የሆዋ ለመነ። ከመይሲ፡ ኣብ ኣምላኽ እንተ ተወኪሉ፡ ኣምላኽ ከኣ እንተ ደጊፍዎ፡ ብዝሕን ሓይልን ጸላኢ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘየገድስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ውግእ ንስም የሆዋ ዚትንክፍ ስለ ዝነበረ፡ ኣሳ ነዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ እዩ ናብ ኣምላኽ ተማህሊሉ። “ናባኻ ተጸጋዕና፡ ብስምካ ኢና ኸአ ነዚ ጭፍራ እዚ ኽንገጥመሉ ዝመጻእና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ርድኣና። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ” ኢሉ ድማ ጸለየ። (2 ዜና 14:11) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ዎ የሆዋ፡ ወራር ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሌኻ እተፈነወ መጥቃዕቲ እዩ። ድኹማት ደቂ ሰብ ነቶም ስምካ ዝጾሩ ኺስዕርዎም ብምፍቃድ ስምካ ኺሓስር ኣይተፍቅድ’ እዩ ዚብል ነይሩ። ሽዑ፡ “እግዚኣብሄር . . . ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዐሮም፡ ኢትዮጵያውያን ከኣ ሀደሙ።”—2 ዜና 14:12።
ሎሚ ንዘለዉ ህዝቢ የሆዋ፡ ብዙሓትን ሓያላትን ተጻረርቲ የጋጥምዎም እዮም። ሓቂ እዩ፡ ነዞም ተጻረርቲ እዚኦም ቃል ብቓሉ ኣብ ዓውደ ዂናት ኬድና ብኣጽዋር ኣይንዋግኦምን ኢና። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቶም ብስሙ መንፈሳዊ ውግእ ዚዋግኡ እሙናት ሰባት ከም ዚዕወቱ ብምግባር ዓስቦም ከም ዚህቦም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ብውልቅና እንገብሮ ዂናት፡ ነቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስነ ምግባራዊ ርኽሰት ምንጻግ፡ ምስ ድኽመታትና ምቅላስ፡ ወይ ከኣ ንስድራ ቤትና ኻብ ዜርክስ ጽልዋታት ምዕቋብ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ይኹን ሽግር የጋጥመና ብዘየገድስ፡ ብጸሎት ኣሳ ኽንተባባዕ ንኽእል ኢና። ዓወት ኣሳ፡ ዓወት የሆዋ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ኣምላኽ ዚውከሉ እንታይ ኪጽበዩ ኸም ዚኽእሉ ኸኣ እዩ ዚሕብር። ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ሓይሊ ንየሆዋ ኺጻረሮ ኣይክእልን እዩ።
መተባብዕን መጠንቀቕታን
ኣሳ ኻብ ኲናት ኪምለስ ከሎ፡ ነብዪ ዓዛርያ ረኸቦ። እዚ ነብዪ እዚ ንኣሳ፡ መተባብዕን መጠንቀቕታን ሃቦ፣ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ኣታ ኣሳን ብዘሎኹም ይሁዳን ብንያምን፡ ስምዑኒ፡ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ትዀኑስ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ፡ እንተ ደሌኹምዎ ድማ፡ ይርከበልኩም እዩ፡ ንስኻትኩም እንተ ሐደግኩምዎ ግና፡ ንሱ ኸኣ ኪሐድገኩም እዩ። . . . እቲ ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡ ጽንዑ፡ ኣእዳውኩምውን ዘርጋሕጋሕ ኪብላ ኣይትሕደጉ።”—2 ዜና 15:1, 2, 7።
እዘን ቃላት እዚአን፡ ኬበራትዓና ይኽእላ እየን። ንየሆዋ ብተኣማንነት እንተ ኣገልጊልናዮ፡ ምሳና ኸም ዚኸውን እየን ዚሕብራ። ሓገዝ ደሊና ናብኡ ኽንጽሊ ኸለና፡ ከም ዚሰምዓና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ዓዛርያ፡ “ጽንዑ” በለ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ጽንዓት ወይ ትብዓት ይሓትት እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ብሓገዝ የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል ንፈልጥ ኢና።
ኣደ ኣሳ “ንኣስታርተ ናይ ጽያፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት፡” ኣሳ ኻብ ስልጣና ኼውርዳ ነበሮ። ከምዚ ምግባር ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ካብ ስልጣና ኣውሪዱ፡ ንጣኦታታ ኣንደዶ። (1 ነገ. 15:13) በዚ ቘራጽነቱን ትብዓቱን ከኣ ተባረኸ። ንሕና እውን፡ ኣዝማድና ንኣምላኽ እሙናት ይኹኑ ኣይኹኑ፡ ምስ የሆዋን ምስ ስርዓታት ጽድቁን ክንጠብቕ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ስለቲ ተኣማንነት ዝመልኦ ኣካይዳና ዓስቢ ኺህበና እዩ።
ሓደ ኻብቲ ኣሳ ዝረኸቦ ዓስቢ፡ ካብታ ኸሓዲት ዝነበረት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ዝመጹ ብዙሓት እስራኤላውያን፡ የሆዋ ምስኡ ኸም ዝዀነ ርእዮም ናብ ይሁዳ ኺመጹ ኸለዉ ምርኣዩ እዩ። እቶም እስራኤላውያን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ የማስዉሉ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ የሆዋ ንኺነብሩ ኢሎም፡ ቤቶም ሓዲጎም መጹ። ድሕሪኡ፡ ኣሳን ኵላ ይሁዳን ‘ንየሆዋ ኣምላኽ ብምሉእ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ኪደልይዎስ ተሓጒሶም ቃል ኪዳን ኣተዉ።’ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ “ንሱውን [ኣምላኽ] ተረኽበሎም። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሀቦም።” (2 ዜና 15:9-15) ኣፍቀርቲ ጽድቂ ንንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ኪቕበልዎ ኸለዉ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንሕጐስ!
ይኹን እምበር፡ እተን ነብዪ ዓዛርያ እተዛረበን፡ “ንስኻትኩም [ንየሆዋ] እንተ ሐደግኩምዎ ግና፡ ንሱ ኸኣ ኪሐድገኩም እዩ” ዚብላ ቓላት፡ መጠንቀቕታ ዝሓዘላ እየን ነይረን። ሳዕቤኑ ዜሕዝን ስለ ዝዀነ፡ ንየሆዋ ኸይንሓድጎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (2 ጴጥ. 2:20-22) የሆዋ ንኣሳ ስለምንታይ ከም ዘጠንቀቖ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እኳ እንተ ዘይተገልጸ፡ ኣሳ ግና ነቲ መጠንቀቕታ ኣየቕለበሉን።
“ዕሽነት ኢኻ ዝገበርካ”
ኣሳ ኣብ መበል 36 ዓመት ግዝኣቱ፡ ባዔሻ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ይሁዳ መጥቃዕቲ ኸፈተ። ኣብታ ብሸነኽ ሰሜን የሩሳሌም ሸሞንተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ዶብ እትርከብ ከተማ ራማ ኸኣ ዓረደ፣ ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ፡ ተገዛእቱ ንኣሳን ንንጹህ ኣምልኾን እሙናት ምእንቲ ኸይኰኑ ኢሉ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣሳ ኸምቲ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያውያን ኣብ እተፋጠጠሉ እዋን ዝገበሮ ኣብ ሓገዝ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚውከል፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ደለየ። ናብ ንጉስ ሶርያ ገጸ በረኸት ብምልኣኽ ድማ፡ ንሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ኬጥቅዓ ሓተቶ። ሶርያውያን ከምኡ ምስ ገበሩ፡ ባዔሻ ኻብ ራማ ኣንሰሓበ።—2 ዜና 16:1-5።
የሆዋ ብተግባር ኣሳ ስለ ዘይተሓጐሰ፡ ብዛዕባ እዚ ንምግላጽ ንነብዪ ሃናኒ ለኣኸሉ። ኣሳ፡ ኣምላኽ ንኢትዮጵያውያን እንታይ ከም ዝገበሮም ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ‘ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ብዘላ ምድሪ ኸም ዚዞራ’ ኺዝክር ነበሮ። ምናልባት ኣሳ ሕማቕ ምኽሪ ተመኺሩ ወይ ከኣ ሰራዊት ባዔሻ ኽንድቲ ኸም ዘየስግኡ ገይሩ ሓሲቡ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ነቲ ዅነታት ባዕሉ ኺዋጽኣሉ ዚኽእል ኰይኑ ተሰሚዕዎ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ስለ እተመርሐ፡ ኣብ የሆዋ ኣይተወከለን። ሃናኒ ድማ፡ “በዝስ ዕሽነት ኢኻ ዝገበርካ፡ ስለዚ ድማ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ውግእ ኪለዐለካ እዩ” በሎ።—2 ዜና 16:7-9።
ኣሳ በዚ ሓሪቑ ንነብዪ ሃናኒ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። (2 ዜና 16:10) ምናልባት ኣሳ፡ ‘ንሓያሎ ዓመት ብተኣማንነት ድሕሪ ምግልጋለይሲ ኽግሰጽ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውንዶ ይኽእል፧ ብዕድመ ስለ ዝደፍአ፡ ኣተሓሳስባኡ ተመዛቢሉዶ ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይገልጽን እዩ።
ኣሳ ኣብ መበል 39 ዓመት ግዝኣቱ ኣእጋሩ ኣዝዩ ሓመመ። እቲ ጸብጻብ፡ “በቲ ሕማሙ ግና ንሓኪማት እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣይደለዮን” ይብል። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣሳ ንመንፈሳዊ ጥዕናኡ ዕሽሽ ዝበሎ እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ከሎ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ ኣብ መበል 41 ዓመት ግዝኣቱ ሞተ።—2 ዜና 16:12-14።
ይኹን እምበር፡ ኣሳ ዝነበሮ ጽቡቕ ባህርያትን ንንጹህ ኣምልኾ ዝነበሮ ቕንኣትን፡ ካብ ጌጋታቱ ዚዛይድ እዩ ዚመስል። ከመይሲ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ኣየቋረጸን። (1 ነገ. 15:14) ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ታሪኽ ኣሳ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ እቲ ታሪኽ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበረልና ነገራት ከነስተንትን ከም ዘሎና ንኽንግንዘብ ይሕግዘና እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ኽቡር ተዘክሮታት፡ ሓድሽ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ናብ የሆዋ ንኽንጽሊ ኺድርኸና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንኣምላኽ ንነዊሕ ዓመታት ብተኣማንነት ስለ ዘገልገልናዮ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኸም ዘየድልየና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ሕሉፍ ታሪኽና ብዘየገድስ፡ እንተ ተጋጊና፡ የሆዋ ኺግስጸና እዩ። ካብዚ ተግሳጽ እዚ ጥቕሚ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነቲ መአረምታ ብልእመት ክንቅበሎ ኣሎና። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ኽሳዕ ዝዀንና፡ ንሱ እውን ምሳና ኪኸውን እዩ። ኣዒንቲ የሆዋ ነቶም እሙናት ንምንዳይ ኣብ መላእ ምድሪ ይዞራ እየን። የሆዋ ድማ ምእንታኦም ኢሉ ንሓይሉ ብምጥቃም፡ ዓስቦም ይህቦም እዩ። የሆዋ ንኣሳ ኸምኡ እዩ ገይሩሉ፣ ንዓና እውን ከምኡ ኺገብረልና ይኽእል እዩ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
የሆዋ ነቶም መንፈሳዊ ውግእ ዚዋግኡ እሙናት ሰባት ዓስቦም ይህቦም
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ትብዓት የድሊ