ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/2 ገጽ 30
  • ካብ ስድራ ቤት ቀያፋ ዝነበረት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ስድራ ቤት ቀያፋ ዝነበረት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዚ ስነ-ጥንታዊ ርኽበት የሱስ ከም ዝነበረ ዝሕብር መርትዖ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • እቲ ንየሱስ ዝፈረዶ ሊቀ ኻህናት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • የሱስ ቅድም ናብ ሃና፡ ደሓር ናብ ቀያፋ ተወስደ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ኣልኣዛር ክትንስእ ከሎ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/2 ገጽ 30

ካብ ስድራ ቤት ቀያፋ ዝነበረት

ሳናዱቕ ሬሳ ዚቕመጠሉ መኽዘን

ሓድሓደ ግዜ፡ ስነ ጥንታዊ ርኽበት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ሰብ ብሓቂ ኸም ዝነበረ ብቐጥታ ዀነ ብተዘዋዋሪ የረጋግጽ እዩ። ንኣብነት፡ ብ2011 እስራኤላውያን ምሁራት፡ ነዚ ሓቂ እዚ ዜረጋግጽ ሓበሬታ ኣሕቲሞም ነበሩ። እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ሓደ ቕድሚ 2,000 ዓመት ዝነበረ ሳንዱቕ ሬሳ ዚገልጽ እዩ፣ እዚ ሳንዱቕ እዚ፡ ስጋኡ ዝበስበሰ ኣዕጽምቲ ሓደ ዝሞተ ሰብ እተቐመጦ ብኖራ እተሰርሐ ስሉም ሳንዱቕ እዩ ነይሩ።

እቲ ሳንዱቕ ሬሳ፡ “ሚርያም ጓል የሹዋ ወዲ ቀያፋ፡ ካብ ቤት ኢምሪ ዝዀነ ኻህን ማዓዝያ” ዚብል ጽሑፍ ነበሮ። እቲ ኣብ ፍርድን ቅትለትን የሱስ እተኻፈለ ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት፡ ቀያፋ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 11:48-50) ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዚብሃል ጸሓፍ ታሪኽ፡ “እቲ ቀያፋ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዮሴፍ” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። ስለዚ፡ እቲ ሳንዱቕ ሬሳ፡ ናይ ሓደ ኻብ ኣዝማዱ እዩ ነይሩ ማለት እዩ። ኣብ ሓደ ቕድሚ ሕጂ እተረኽበ ሳንዱቕ ሬሳ፡ ነቲ ሊቀ ኻህናት ዜመልክት የሆሰፍ ባር ቃያፋ ወይ ዮሴፍ ወዲ ቀያፋa ዚብል ጽሑፍ ስለ እተረኽበ፡ ሚርያም ዘመድ ቀያፋ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ።

ብዓል መዚ ቕርስታት እስራኤል ከም ዝገለጾ፡ ሳንዱቕ ሬሳ ሚርያም ምስቶም ንሓደ ጥንታዊ መቓብር ዝሰረቑ ሰባት እዩ ተረኺቡ። ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ጽሕፈትን እተገብረ ምርምር ድማ፡ ናይ ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ።

እቲ ሳንዱቕ ሬሳ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር እውን ይሕብር እዩ። እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ “ማዓዝያ፡” ካብቶም ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ኣብ 24 ኽፍልታት ተኸፋፊሎም በብእብረ ኣገልግሎት ክህነት ዚህቡ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ እዩ ዜመልክት። (1 ዜና 24:18) ብዓል መዚ ቕርስታት እስራኤል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ኣብቲ ሳንዱቕ ሬሳ ዘሎ ጽሕፈት፡ “ስድራ ቤት ቀያፋ ምስ ክፍሊ ማዓዝያ ኸም ዚተሓሓዝ ዚሕብር እዩ።”

እቲ ጽሕፈት፡ “ቤት ኢምሪ” ዚብል ጽሑፍ እውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ክልተ ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ብዓል መዚ ቕርስታት እስራኤል ከም ዝሓበሮ፡ “ቀዳማይ፡ ቤት ኢምሪ ነቶም ዘርኦም ኣባላት ክፍሊ ማዓዝያ ዜጠቓልሉ ደቂ ኢመር ዝዀኑ ካህናት (እዝ. 2:36, 37፣ ነህ. 7:39-42) ኬመልክት ይኽእል እዩ። ካልኣይ ድማ፡ [ቤት ኢምሪ] ነቲ እታ መዋቲት [ማለት ሚርያም] እተወልደትሉ ቦታ ወይ ንብምሉኡ ስድራ ቤታ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።” ዝዀነ ዀይኑ፡ ሳንዱቕ ሬሳ ሚርያም፡ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ብሓቂ ኸም ዝነበሩን ኣባላት ናይ ሓቂ ስድራ ቤት ምንባሮምን እዩ ዜረጋግጽ።

a ብዛዕባ ሳንዱቕ ሬሳ ቀያፋ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ፡ “እቲ ንየሱስ ዝፈረዶ ሊቀ ኻህናት” እትብል ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2006 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 10-13 ዝወጸት ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ