ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/8 ገጽ 8
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንእተወገደ ሰብ ብኸመይ ንሕዞ፧
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ዘመድካ ኽውገድ ከሎ ክርስትያናዊ ተኣማንነት ኣርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ፍቕሪ የሆዋ ኻብ ፍቕሪ ስድራ ቤት ትሕይል
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ሰብካ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/8 ገጽ 8

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክርስትያን ወለዲ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምስ ሓደ እተወገደ ውሉዶም ብሓንሳእ ኮፍ ኪብሉ ግቡእ ድዩ፧

ሓደ እተወገደ ሰብ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣበየናይ ሸነኽ ኮፍ ኪብል ከም ዘለዎ ብዚምልከት፡ እምብዛ እንጭነቐሉ ምኽንያት የብልናን። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ወለዲ ንሓደ ምስኦም ዚነብር እተወገደ ውሉዶም፡ ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን መንፈሳዊ ሓገዝ ንኺገብሩሉ ኻብ ምትብባዕ ዓዲ ኣይወዓለትን። ከምቲ ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1988 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 19ን 20ን፡ ከምኡውን ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2001 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 16 ክሳዕ 18 ተሓቢሩ ዘሎ፡ ወለዲ ምስ ሓደ እተወገደ፡ ምስኣቶም ከኣ ዚነብር ትሕቲ ዕድመ ዝዀነ ውሉዶም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኸም ዚኽእሉ ትሕብር እያ። በዚ ኸምዚ እቲ ውሉድ ኣካይዳኡ ንኼዐሪ ኺሕግዞ ዚኽእል ምትብባዕ ኪረክብ ይኽእል።a

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኾፍ ምባል፡ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ዝዀነ እተወገደ ውሉድ፡ ከይረበሸ ምስ ወለዱ ኾፍ እንተ በለ እምበኣር ጌጋ የብሉን። ሓደ እተወገደ ሰብ ኣብቲ ኣዳራሽ ብሸነኽ ድሕሪት ኮፍ ኪብል ግዴታ ስለ ዘይብሉ፡ ሓደ እተወገደ ውሉድ ምስ ወለዱ ኾፍ እንተበለ ኪኽልከል የብሉን። ወለዲ ንመንፈሳውነት ውሉዶም ስለ ዚሓልዩ፡ ውሉዶም ካብ ኣኼባታት ምእንቲ ኺጥቀም ኪከታተልዎ ኸም ዚደልዩ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ቘልዓ ኻብኦም ተፈልዩ ኣብ ካልእ ቦታ ኾፍ ካብ ዚብል፡ ምስኦም ኮፍ እንተ ኢሉ ኺጥቀም ይኽእል እዩ።

ሓደ እተወገደ ውሉድ ምስ ወለዱ ዘይነብር እንተ ዀይኑኸ፧ ምስ ወለዱ ኾፍ ኪብል የብሉን ማለት ድዩ፧ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ጽሑፋትና፡ ሓደ ክርስትያን ምስ ሓደ ምስኡ ዘይነብር እተወገደ ዘመዱ ብዛዕባ ዚገብሮ ርክብ፡ ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ንኺሕዝ ኪጽዕር ከም ዘለዎ ብንጹር ተገሊጹ ነይሩ እዩ።b ሓደ እተወገደ ሰብ ኣብ ኣኼባ ኸይረበሸ ምስ ስድራ ቤቱ ኾፍ እንተ በለ ጌጋ የብሉን ኪብሃል ከሎ ግና፡ እቶም ኣዝማድ ብዘየድሊ ምስኡ ንኺራኸቡ ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። እቶም እሙናት ኣባላት እታ ስድራ ቤት ብዛዕባ እቲ እተወገደ ዘመዶም ቅኑዕ ኣመለኻኽታ እንተ ኣልይዎም፡ ነቲ ብዛዕባዚ ዜብርህ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኬኽብርዎ ድማ ዚጽዕሩ እንተ ዀይኖም፡ ክሳዕ ክንድቲ ምጭናቕ ከየድሊ ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 5:11, 13፣ 2 ዮሃ. 11።

ስለዚ እምበኣር፡ ሓደ እተወገደ ሰብ ስርዓት ክሳዕ ዝገበረ፡ ምስ ኣዝማዱ ወይ ምስ ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ኾፍ ምባሉ ኼጨንቐና የብሉን። ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ኾፍ ዚብለሉ ቦታታት ቀይድታት ምውጻእ፡ ከከም ኵነታቱ ዚፈላለ ጸገማት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ኵሎም ኣብቲ ኣኼባ ዘለዉ፡ እንተላይ እቶም እሙናት ኣዝማድ፡ ነቲ ብዛዕባ ውገዳ ዚገልጽ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬኽብርዎ ዚጽዕሩ እንተ ዀይኖም፡ ሓደ እተወገደ ሰብ ምስ ኣዝማዱ ኾፍ ምባሉ ኸኣ ንኣሕዋት ዘይዕንቅፍ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚመጹ ሰባት ኮፍ ዚብልሉ ቦታታት ምጭናቕ ኣየድልን እዩ።c

a ኣብዛ መጽሔት እዚኣ፡ እተወገደ ውሉድ ብወዲ እኳ እንተ ቐረበ፡ እቲ ነጥብታት ንጓል እውን የመልክት እዩ።

b ናይ 15 መስከረም 1981 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 29ን 30ን፡ ከምኡውን ኣብታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 207-209 ርአ።

c እዚ ነቲ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1953 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 223 ዝወጸ ሓሳባት ዚእርም እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ