ዘመድካ ኽውገድ ከሎ ክርስትያናዊ ተኣማንነት ኣርኢ
1 ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራቤታት ዘሎ ፍቕሪ ሓያል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ በዓል ቤት: በዓልቲ ቤት: ውሉድ: ወላዲ: ወይ ካልእ ናይ ቀረባ ዘመድ ካብ ጉባኤ ኽውገድ ወይ ርእሱ ኽፈሊ ኸሎ ንሓደ ክርስትያን ፈተና ይዀኖ ኢዩ። (ማቴ. 10:37) እሙናት ክርስትያናት ምስቶም እተወገዱ ኣዝማዶም እንታይ ዓይነት ምቅርራብ ኢዩ ኽህልዎም ዘለዎ፧ እቲ ውልቀ-ሰብ ኣብ ገዛኹም ዝነብር እንተ ዀይኑ ኣብቲ ምስኡ ዝህልወኩም ርክብ ገለ ለውጢ ኣሎዶ፧ ፈለማ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዝብል ንመርምር። እዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ኸኣ ኣብቶም እተወገዱ ዀነ ርእሶም ዝፈለዩ ብማዕረ ዝውዕል ኢዩ።
2 ንእተወገዱ ኽህልወና ዘለዎ ኣረኣእያ:- ቃል ኣምላኽ ንክርስትያናት ምስ ሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ ክህልዎም ዘለዎ ርክብ ክገልጽ ከሎ “ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ: ወይስ ስሱዕ: ወይስ መምለኽ ጣኦት: ወይስ ተጻራፊ: ወይስ ሰካር: ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ: ምስኡ ኸይትጽምበሩ: ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ: . . . ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ” ይብል። (1 ቈረ. 5:11, 13) እተን ኣብ ማቴዎስ 18:17 ዝርከባ: ነቲ ውጉድ “ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርአዮ” ዝብላ ቓላት የሱስ እውን ምስዚ ዝተሓሓዛ ኢየን። እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ምስ ኣረማውያን ምሕዝነት ከም ዘይነበሮም: ካብ ተገውቲ እውን ይርሕቑ ከም ዝነበሩ ሰማዕቲ የሱስ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። እምበኣር የሱስ ምስቶም እተወገዱ ንኸይሓብሩ ኢዩ ዝእዝዞም ነይሩ።—ናይ 15 መስከረም 1981 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 18-20 ርአ።
3 ከምዚ ኽበሃል ከሎ እሙናት ክርስትያናት ምስ ሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ መንፈሳዊ ምሕዝነት ኣይህልዎምን ማለት ኢዩ። እዚ ግን ካልእ ብዙሕ ነገራት እውን ዝሓቘፈ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ “ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ” ኢዩ ዝብለና። (1 ቈረ. 5:11) ስለዚ: ማሕበራዊ ርክባትና እውን ክንበትኽ ኣሎና። እዚ ኸኣ ብሓባር ዙረት: ዕድመ: ጸወታ: ዕዳጋ: ወይ ትያትር ኣይንኸይድን: ኣብ ገዛ ዀነ ኣብ ቤት መግቢ እውን ብሓባር ኣብ መኣዲ ኾፍ ኣይንብልን ማለት ኢዩ።
4 ምስቲ እተወገደ ሰብ ብዛዕባ ምዝርራብ ዝመጸኸ ኸመይ ዝበለ ኣቕዋም ኢዩ ኽህልወና ዘለዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ዝለዓል ደቀቕቲ ሕቶታት መልሲ ዘይህበሉ እኳ እንተዀነ: ኣብ 2 ዮሃንስ 10 “ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘየምጽኤ: ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ: ሰላምውን ኣይትበልዎ” ብምባል የሆዋ ዘለዎ ኣረኣእያ ይገልጸልና ኢዩ። ናይ 15 መስከረም 1981 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 25 ብዛዕባዚ ኸምዚ ዝብል ሓሳብ ሂባ ነይራ:- “ ‘ሰላም’ ምባል ጥራይ ናብ ዕላል: ምናልባት እውን ናብ ዕርክነት ዝመርሕ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምስ ሓደ እተወገደ ሰብ ኣብ ዘሎካ ርክብከ ነዛ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኽትወስዳ ትደሊዶ፧”
5 እታ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 31 ከምዚ ትብል:- “ሓደ ክርስትያን ክሓጥእን ክውገድን ከሎ: ከም ሳዕቤን ናይቲ ውገዳ ብዙሕ ነገራት ከም ዝስእን ክንርስዕ የብልናን። እዚ ድማ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ጽቡቕ ኣቕዋም: . . . ምስ ኣሕዋት ኰነ ምስ ክርስትያናት ኣዝማዱ ዝነበሮ ባህ ዘብል ምቅርራብ ዘጠቓልል ኢዩ።”
6 ኣብ ሓደ ስድራቤት ምስ ዝዀኑ:- ከምዚ ኽበሃል ከሎ ምስቲ እተወገደ ሰብ ኣብ ሓደ ቤት ዝነብሩ ክርስትያናት ምስኡ ምዝርራብ: ምብላዕ: ከምኡውን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ዝነበሮም ርክብ ከቋርጹ ኣለዎም ማለት ድዩ፧ ናይ 8/112 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 14 ኣብ ዝርከብ እግረ-ጽሑፍ ከምዚ በለት:- “ኣብ ሓደ ክርስትያን ስድራቤት ሓደ እተወገደ ዘመድ እንተደኣ ሃልዩ: ንሱ ገና ኣካል ናይቲ ኣብታ ስድራቤት ዝግበር መዓልታዊ ምንቅስቓስን ናብራን ኢዩ።” ስለዚ: ኣብ መኣዲ ዀነ ኣብ ካልእ ናይታ ስድራቤት ንጥፈታት ክሳዕ ክንደይ ምሳታቶም ክሕወስ ከም ዘለዎ ዝውስኑ እቶም ኣባላት እታ ስድራቤት ኢዮም። ይኹን እምበር: እቶም ምሳታቶም ዝቀራረቡ ኣሕዋት እቲ ርክብ ከም ቀደሙ ዘሎ ኽሳዕ ዝመስሎም ምቅርራብ ክህሉ የብሉን።
7 እንተዀነ ግን: ናይ 15 መስከረም 1981 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28 ብዛዕባ እተወገደ ወይ ርእሱ ዝፈለየ ሰብ ከምዚ ትብል:- “ቅድም ዝነበሮ መንፈሳዊ ርክባት ምሉእ ብምሉእ ተበቲኹ ኢዩ። እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ኣዝማዱ ዀነ ምስ ኣባል ስድራቤቱ ኣብ ዘለዎ ርክብ እውን ዝውዕል ኢዩ። . . . እዚ ኸኣ ኣብታ ቤት ዝነበረ መንፈሳዊ ርክባት ክቕየር ኣለዎ ማለት ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ሰብኣይ እንተ ተወጊዱ: ንበዓልቲ ቤቱ ዀነ ንደቁ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኽመርሓሎም: ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረሎም: ወይ ክጽልየሎም ባህ ኣይብሎምን ኢዩ። ኣብ መኣዲ ወይ ኣብ ካልእ ነገራት ክጽሊ እንተደኣ ደልዩ: ኣብ ቤቱ ኸምኡ ናይ ምግባር መሰል ኣለዎ። እቶም ዝተረፉ ኣባላት እታ ስድራቤት ግን ድምጺ ኸየስምዑ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸሎት ከቕርቡ ይኽእሉ ኢዮም። (ምሳ. 28:9፣ መዝ. 119:145, 146) ሓደ እተወገደ ሰብ ኣባላት ስድራቤቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ኸለዉ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ኸለዉ ኣብኡ ኽርከብ እንተ ደለየኸ፧ ክምህሮም ወይ ሃይማኖታዊ ሓሳባቱ ኸካፍሎም ዘይፍትን እንተደኣ ዀይኑ: ኣብኡ ንኽርከብ ክፈቕዱሉ ይኽእሉ ኢዮም።”
8 ምስ ወለዱ ዝነብር ቈልዓ ዋላ እውን እንተ ተወገደ: እቶም ወለዲ ነቲ ውላዶም ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ኣለዎም። ናይ 15 ሕዳር 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 20 ከምዚ ትብል:- “ከምቲ መግብን ክዳንን መንበርን ዝህብዎ: ምስ ቃል ኣምላኽ ብምስምማዕ እውን ክምህርዎን ክግስጽዎን ኣለዎም። (ምሳሌ 6:20-22፣ 29:17) ስለዚ ፈቃራት ወለዲ ውላዶም ዋላ እንተ ተወገደ እውን: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽመርሑሉ ምድላዋት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ምናልባት ንበይኑ ስለ ዝምህርዎ ንኽእረም ይሕግዞ ይኸውን። ወይ ከኣ ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ምክፋል ንኽቕጽል ይፈቕዱሉ ይዀኑ።”—ናይ 1 ጥቅምቲ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-17 እውን ርአ።
9 ናይ ገዛእ ርእሶም ቤት ዘለዎም ኣዝማድ:- ናይ 15 ሚያዝያ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 28 ከምዚ ትብል:- “እቲ እተወገደ ወይ ርእሱ ዝፈለየ ዘመድ ኣባል እታ ስድራቤት እንተ ዘይኰይኑን ኣብ ካልእ ቤት ዝነብር እንተደኣ ዀይኑን: እቲ ዅነታት ብእተፈልየ ዓይኒ ኢዩ ዝርአ። ምስቲ ዘመድ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ርክብ ዳርጋ ኽብተኽ ይከኣል ኢዩ። ክትራኸብ ዘድልየካ ናይ ስድራቤት ጕዳያት እንተሎ እውን: ነዚ ንምንካዩ ጻዕሪ ኽግበር ይከኣል ኢዩ።” እዚ ድማ ምስቲ ሓጢኣት ገይሩ ዘይንሳሕ ሰብ “ኸይትጽምበሩ” ዝብል ትእዛዝ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ኢዩ። (1 ቈረ. 5:11) እሙናት ክርስትያናት ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘመድ ዝነበሮም ዘየድሊ ምቅርራብ ንኸቋርጽዎ ጻዕሪ ኽገብሩ ኣለዎም: ነቲ ብንግዳዊ ውዕል ዘራኽቦም ጕዳያት እውን ከይተረፈ ብእተኻእለ መጠን ክንክይዎ ኣለዎም።—ናይ 15 መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ 1981 ገጽ 29-30 ርአ።
10 እዛ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ካልእ ጕዳያት እውን ትጠቅስ ኢያ:- “ኣብ ገዛኻ ዘይነብር ናይ ቀረባ ዘመድ: ማለት ውላድ ወይ ወላዲ ምስ ተወገደ ናብ ገዛኻ ግዒዙ ምሳኻ ኽነብር እንተ ደልዩኸ፧ እታ ስድራቤት ነቲ ዅነታት ብምግምጋም ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል ኢያ። ንኣብነት: ሓደ እተወገደ ወላዲ ይሓምም ወይ ብቝጠባዊ ዀነ ብኻልእ መዳይ ዝኣልዮ የድልዮ ይኸውን። እቶም ክርስትያን ውሉዳቱ ንምሕጋዙ ቅዱስ ጽሑፋውን ስነ-ምግባራውን ግዴታ ኣለዎም። (1 ጢሞ. 5:8) . . . ኣብዚ መዳይ እዚ ዝውሰድ ስጕምቲ ኣብቲ ነቲ ወላዲ ብሓቂ ዘድልዮ ነገራት: ኣብቲ ዘለዎ ኣረኣእያ: ከምኡውን እቲ ርእሲ ስድራቤት ንመንፈሳውነት ስድራቤቱ ኣብ ዘለዎ ሓልዮት ኢዩ ዝምርኰስ።”—ናይ 15 መስከረም 1981 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-9
11 ብዛዕባ ውሉድ ግን እታ ዓንቀጽ ቀጺላ ኸምዚ ትብል:- “ሓድሓደ ግዜ ክርስትያን ወለዲ ነቲ ዝሓመመ ወይ ስምዒታዊ ሽግር ዘጋጠሞ እተወገደ ውሉዶም ናብ ቤቶም ክምለስ ይፈቕዱሉ ኢዮም። በዚ ዀነ በቲ እቲ ወላዲ ንነፍሲ ወከፍ ዅነታት ከመዛዝን ኣለዎ። እቲ እተወገደ ውሉድ ርእሱ ኽኢሉ ድዩ ዝነብር ነይሩ: ሕጂኸ ኸምኡ ኽገብር ኣይክእልንዶ ኢዩ፧ ወይስ ናብራ ምእንቲ ኽጥዕሞ ኢሉ ድዩ ናብ ቤት ክምለስ ዝደሊ ዘሎ፧ ስነ-ምግባሩ ዀነ ጠባዩኸ ከመይ ኢዩ፧ ናብታ ቤት ‘ማይ ብሑቝ’ ዘምጽእ ድዩ፧—ገላ. 5:9”
12 ንየሆዋ እሙን ብምዃን ዝርከብ በረኸታት:- ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ምውጋድን ሓጢኣቶም ካብ ዘይተናስሑ ሰባት ብዛዕባ ምርሓቕን ዝህቦ መምርሒ ምስዓብ ጥቕሚ ኣለዎ። እዚ ንንጽህና ናይታ ጉባኤ ይሕልዎ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከም እንስዕብ ድማ የርኢ። (1 ጴጥ. 1:14-16) ንኸየበላሽዉና ዕቝባ ይዀነና። (ገላ. 5:7-9) ነቲ ዝኣበሰ እውን ካብቲ እተዋህቦ ተግሳጽ ምሉእ ብምሉእ ንኽጥቀም ማለት “ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ” ንኸፍሪ ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ።—እብ. 12:11
13 ሓደ ሓውን ሓንቲ ብስጋ ሓብቱን ኣብ ናይ ወረዳ ኣኼባ ዝርርብ ድሕሪ ምስማዖም: ምስታ ኻባታቶም ተፈልያ እትነብርን ንሽዱሽተ ዓመታት ተወጊዳ ዝጸንሐትን ኣዲኦም ኣብ ዝነበሮም ርክብ ምትዕርራይ ክገብሩ ኸም ዘለዎም ኣስተውዓሉ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ብኡንብኡ እቲ ሓው ንኣዲኡ ደወለላ እሞ ከም ኣዲኦም መጠን ከም ዘፍቅርዋ ድሕሪ ምግላጽ: ክራኸቡ ዘድልየሉ ናይ ስድራቤት ጕዳይ እንተ ዘይተላዒሉ ድሕሪ ደጊም ኸም ዘየዘራርብዋ ሓበራ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት: ኣዲኦም ኣብ ኣኼባ ኽትካፈል ጀመረት: ኣማስያኡ ኸኣ ናብ ሓቂ ተመልሰት። እቲ ዘይኣማኒ ዝነበረ ሰብኣያ እውን ከጽንዕ ጀመረ: ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ተጠምቀ።
14 ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘለዎ ናይ ውገዳ ምድላው ብተኣማንነት ንድግፍ እንተደኣ ዄንና: ንየሆዋ ፍቕሪ ኸም ዘሎና የርኢ: ነቲ ዝጸርፎ ኸኣ ምላሽ ንህበሉ። (ምሳ. 27:11) እዚ ድማ በረኸት የሆዋ የምጽኣልና ኢዩ። ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ የሆዋ “ካብቲ ሕጋጋቱ ኣየግለስኩን። ምስቲ እሙን እሙን ትኸውን” በለ።—2 ሳሙ. 22:23, 26 NW
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
1. ንሓደ ክርስትያን እንታይ ንተኣማንነቱ ዝፍትን ኵነታት ኢዩ ኸጋጥሞ ዝኽእል፧
2. ክርስትያናት ነቶም ካብ ጉባኤ እተወገዱ ብኸመይ ክርእይዎም ከም ዘለዎም ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጽ፧
3, 4. ምስ እተወገዱ ዀኑ ርእሶም ዝፈለዩ ሰባት እንታይ ዓይነት ርክብ ክንገብር ኢዩ ዘይፍቀድ፧
5. ሓደ ሰብ ክውገድ ከሎ እንታይ ሳዕቤናት ኢዩ ዝዓጽድ፧
6. ሓደ ክርስትያን ምስኡ ኣብ ሓደ ቤት ምስ ዝነብር እተወገደ ዘመዱ ዘለዎ ዅሉ ርክባት ክበትኽ ኣለዎ ድዩ፧ ግለጽ።
7. ሓደ ኣባል ስድራቤት ክውገድ ከሎ ኣብ መንጎ ስድራቤቱ ዝነበረ መንፈሳዊ ርክባት ዝቕየር ብኸመይ ኢዩ፧
8. ክርስትያን ወለዲ ኣብቶም እተወገዱ እሞ ምሳታቶም ኣብ ቤት ዝነብሩ ንኣሽቱ ደቆም እንታይ ሓላፍነት ኣለዎም፧
9. ሓደ ክርስትያን ምስ ሓደ ኣብ ካልእ ቤት ዝነብር እተወገደ ዘመዱ ዘለዎ ርክብ ከመይ ክኸውን ይግባእ፧
10, 11. ሓደ ክርስትያን ንእተወገደ ዘመዱ ግዒዙ ምስኡ ኽነብር ቅድሚ ምፍቃዱ እንታይ ኢዩ ኣብ ግምት ከእቱ ዘለዎ፧
12. ገለ ኻብቲ ውገዳ ዘምጽኦ ጥቕምታት እንታይ ኢዩ፧
13. ክልተ ኣባል ሓንቲ ስድራቤት እንታይ ምትዕርራይ ኢዮም ዝገበሩ: እንታይ ፍረኸ ረኸቡ፧
14. ነቲ ናይ ውገዳ ምድላው ብተኣማንነት ደገፍና ኸነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧