ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/12 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ኣምላኽ፡ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኬቕውም ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/12 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ዕላማ ምምላስ ክርስቶስ እንታይ እዩ፧

የሱስ ክርስቶስ ብ33 ድ.ክ. ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ኪምለስ ምዃኑ ተመባጽዐ። ንገዛእ ርእሱ ምስ ሓደ ንነዊሕ እዋን ዝገሸ እሞ ንጉስ ኰይኑ ንኺገዝእ እተመልሰ ወዲ ዓበይቲ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። ዕላማ ምምላስ የሱስ እምበኣር፡ ንሰባት ጽቡቕ ምምሕዳር ንምምጻእ እዩ።—ሉቃስ 19:11, 12 ኣንብብ።

የሱስ ንደቂ ሰብ ብጽቡቕ ኬመሓድሮም እዩ

የሱስ ብኸመይ እዩ ዚምለስ፧ ካብ ምዉታት ብዘይርአ መንፈሳዊ ኣካል እዩ ተንሲኡ። (1 ጴጥሮስ 3:18) ድሕሪኡ፡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። (መዝሙር 110:1) ነዊሕ እዋን ጸኒሑ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዚቐርብ ተገብረ። የሆዋ ኸኣ ንየሱስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ኪገዝእ ስልጣን ሃቦ። ስለዚ፡ የሱስ ከም ሰብ ኰይኑ ዘይኰነስ፡ ከም ዘይርአ ንጉስ ኰይኑ እዩ ዚምለስ።—ዳንኤል 7:13, 14 ኣንብብ።

የሱስ ምስ መጸ እንታይ እዩ ኺገብር፧

የሱስ ምስ መላእኽቱ ብዘይርአ ኣገባብ ምስ መጸ፡ ንደቂ ሰብ ኪፈርድ እዩ። ንእኩያት ኣጥፊኡ፡ ነቶም ከም ንጉስ ዚቕበልዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ።—ማቴዎስ 25:31-33, 46 ኣንብብ።

የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ከሎ ንምድሪ ናብ ገነት ኪቕይራ እዩ። ንምዉታት ኣተንሲኡ ኣብታ ምድራዊት ገነት ኬንብሮም እዩ።—ሉቃስ 23:42, 43 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 73-85 ርአ

ካብ www.pr418.com ከተራግፎ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ