ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/2 ገጽ 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ብስራት ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ድዩ፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/2 ገጽ 16
ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኢሳይያስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ድዩ፧

ቃል ኣምላኽ ፍሉይ ኪኸውን ኢኻ እትጽበ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ከምኡ እዩ። ብቢልዮናት ብዚቝጸር ቅዳሓት ተሓቲሙን ብኣማእታት ቋንቋታት ተተርጒሙን እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ፡ ንህይወት ሰባት ናይ ምቕያር ሓይሊ ኣለዎ።—1 ተሰሎንቄ 2:13፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ስለ ዚንበ፡ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ንፈልጥ ኢና። ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ብርእሱ ብዛዕባ መጻኢ ኺንበ ኣይክእልን እዩ። ንትንቢት ኢሳይያስ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ቅድሚ ውልደት የሱስ ሓደ ዘመን ይገብር እተጻሕፈ ቕዳሕ ትንቢት ኢሳይያስ፡ ኣብ ጥቓ ምዉት ባሕሪ ኣብ ዚርከብ በዓቲ ተረኺቡ እዩ። ከተማ ባቢሎን ማሕደር ሰብ ከም ዘይትኸውን ድማ ይገልጽ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ድሕሪ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ብዙሕ ዓመታት ጸኒሑ ተፈጸመ።—ኢሳይያስ 13:19, 20፣ 2 ጴጥሮስ 1:20, 21 ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ተጻሒፉ፧

መጽሓፍ ቅዱስ 1,600 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ዚኸውን ንውሓት ዘለዎ ግዜ እዩ ተጻሒፉ። እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፍዎ 40 ዚዀኑ ሰባት፡ ብዛዕባ ሓደ ፍረ ነገር እዮም ጽሒፎም፣ እቲ ዝጸሓፍዎ እውን ንሓድሕዱ ፈጺሙ ኣይጋጮን እዩ። እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ክኢሉ፧ ኣምላኽ ይመርሖም ስለ ዝነበረ እዩ።—2 ሳሙኤል 23:2 ኣንብብ።

ሓድሓደ ግዜ፡ ኣምላኽ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመላእኽቲ፡ ብራእይ፡ ወይ ከኣ ብሕልሚ ይዛረቦም ነበረ። መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ ነቲ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኦም እዩ ዜቐምጦ ነይሩ፣ ሽዑ ንሳቶም ንመልእኽቲ ኣምላኽ ብናታቶም ቃላት ገይሮም ይገልጽዎ ነበሩ።—ራእይ 1:1፣ 21:3-5 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 2 እዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

ካብ www.pr418.com ከተራግፋ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ