ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/8 ገጽ 4
  • ኣምላኽ ይርእየካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ይርእየካ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስማዕን ፍለጥን ራሕርሕን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ዚጠቕመና “ኣምሳል”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ኣብ ኵሉ ነገር መምርሒ ኣምላኽ ድለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ነቶም ስቡር ዝልቦም ዚኸውን መጸናንዒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/8 ገጽ 4

ገበር | ኣምላኽ ይግደሰልካ ድዩ፧

ኣምላኽ ይርእየካ

“ኣዒንቱ [ኣዒንቲ ኣምላኽ] ኣብ መገዲ ሰብ እየን እሞ፡ ንዅሉ ስጕምቶም ይርእዮ እዩ።”—እዮብ 34:21።

ሓደ ኣቦ ምስ ወዱ ኺጻወት ከሎ

ሓደ ቘልዓ ብዕደመ ንእሽቶ እንተ ዀይኑ፡ ቈላሕታ ወለዱ ብዝያዳ የድልዮ

ገሊኦም ዚጠራጠሩ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ጋላክሲና ጥራይ እንተ ወሓደ 100 ቢልዮን ፕላነታት ዝሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓያሎ ሰባት ንግዝፊ ዩኒቨርስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ‘እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ፡ ትሑታት ሰባት ኣብዛ ንእሽቶ ፕላነት ንዚገብርዎ ነገራት ዚርኢ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም።

ቃል ኣምላኽ እንታይ ይምህር፧ ኣምላኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ሂቡ፡ ኣይጠንጠነናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—መዝሙር 32:8።

ብዛዕባ እታ ኣብ መበል 20 ዘመን ቅ.ክ. እትነብር ዝነበረት ኣጋር ዝስማ ግብጻዊት እሞ ንመርምር። ኣጋር ነታ ኣስራሒታ ዝነበረት ሳራይ ስለ ዝነዓቐታ፡ ሳራይ ንኣጋር ኣዋረደታ፡ ኣጋር ከኣ ናብ በረኻ ሃደመት። እሞኸ፡ ኣጋር ብምግጋያ፡ ኣምላኽ ጠንጢንዋ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መልኣኽ እግዚኣብሄር . . . ረኸባ” ይብል። እቲ መልኣኽ ንኣጋር፡ “እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ” ብምባል ኣረጋገጸላ። ኣጋር ድማ ንየሆዋ፡ “ኣታ ዚርኢ ኣምላኽ” በለቶ።—ዘፍጥረት 16:4-13።

እቲ “ዚርኢ ኣምላኽ” ንዓኻ እውን ይርእየካ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ቘልዓ ብዕደመ ንእሽቶ እንተ ዀይኑ፡ ቈላሕታ ወለዱ ብዝያዳ ስለ ዜድልዮ፡ ሓንቲ ፈቃር ኣደ ብፍላይ ነቶም ንኣሽቱ ደቃ ትርእዮምን ትከታተሎምን እያ። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ብፍላይ ኣብ እንትሕተሉን ተኣፈፍቲ ኣብ እንዀነሉን እዋን ይርእየንን ይከታተለናን እዩ። የሆዋ፡ “ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር አሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር አሎኹ” በለ።—ኢሳይያስ 57:15።

ይኹን እምበር፡ ‘ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚርእየኒ፧ ብትርኢተይ ድዩ ዚፈርደኒ፡ ወይስ ውሽጠይ ብምርኣይ ብሓቂ ይርድኣለይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ