ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/12 ገጽ 7
  • ካብዚ ዚበልጽ ህይወት የልቦን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብዚ ዚበልጽ ህይወት የልቦን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣምላኽ ዝቐረብካዮ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መጽናዕትኻ ኽትቅጽል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ድልዱል ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/12 ገጽ 7
ሓደ ሰብኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ከሎ

ገበር | ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ

ካብዚ ዚበልጽ ህይወት የልቦን

ንኣምላኽ ምእንቲ ኽትቀርቦ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንኽትምስርት ኪሕግዘካ ዚኽእል እተወሰነ ነጥብታት ርኢና ኢና፣ እቲ ነጥብታት፡ እዚ ዚስዕብ እዩ ነይሩ፦

  1. ነቲ “የሆዋ” ዚብል ስም ኣምላኽ ፍለጦን ተጠቐመሉን።

  2. ብጸሎትን ብመጽናዕቲ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ኣቢልካ ምስኡ ኣዘውቲርካ ተዘራረብ።

  3. ወትሩ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ዘበለ ግበር።

ሓደ ሰብኣይ ኪጽሊ ኸሎ

ንስም ኣምላኽ ብምጥቃምን ናብኡ ብምጽላይን ንቓሉ ብምጽናዕን ንዕኡ ዜሐጕሶ ብምግባርን ንየሆዋ ቕረቦ

ኣብዚ እተጠቕሰ መምዘኒ ብምምርኳስ፡ ነቲ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ዜድሊ ነገራት እተማልእ ዘለኻ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ከተመሓይሾ ዘሎካ መዳያት ኣሎዶ፧ ሓቂ እዩ፡ ከምኡ ምግባር ጻዕሪ ይሓትት እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዚርከብ ውጽኢት እውን ሕሰበሉ።

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ጀኒፈር፡ “ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንምምስራት ኢልካ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ጻማ ኣለዎ። ብዙሕ በረኸት ኢኻ እትረክብ፣ ብዝያዳ ብኣምላኽ ከም እትእመን፡ ንባህርያቱ ብዝያዳ ኸም እትርድኦ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ኸም እትዓቢ እዩ ዚገብር። ካብዚ ዚበልጽ ህይወት የልቦን” በለት።

ንስኻ እውን ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪህልወካ እንተ ደሊኻ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኺመርሑልካ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣኼባታቶም እውን ክትእከብ ትኽእል ኢኻ፣ ኣብኡ ድማ፡ ምስቶም ምስ ኣምላኽ ንዘለዎም ርክብ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ሰባት ብምቅርራብ ክትሕጐስ ኢኻ።a ከምኡ ምስ እትገብር፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ኺስምዓካ እዩ፣ ንሱ፡ “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” በለ።—መዝሙር 73:28።

a መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርሓልካ ኽትሓትት ወይ ከኣ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዘምጸኣልካ ሰብ ሕተቶ፣ ወይ ድማ ኣብቲ www.pr418.com/ti ዚብሃል ወብ ሳይትና፡ ኣብቲ “ምሳና ተራኸብ” ዚብል ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ