ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ
ገሊኦም ሰባት . . .
ኣምላኽ ብዛዕባና ብዙሕ ከም ዘይግደስ፡ ወይ ከኣ ልዑልን ቅዱስን ዘይቅረብን ከም ዝዀነ ይስምዖም።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።”—ያእቆብ 4:8።
“ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7።
ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንቀርቦ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
ተዛረቦ።—መዝሙር 145:18, 19።
ስምዓዮ።—መዝሙር 32:8።
መምርሒታቱ ስዓብ።—ምሳሌ 3:5, 6።
ኣይትተሓለል።—ማቴዎስ 7:7, 8።