ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp18 ቍ. 2 ገጽ 16
  • “ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓቂ እንታይ ክትጠቕመካ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
    ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
wp18 ቍ. 2 ገጽ 16
ሓንቲ ስድራ ቤት

“ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም”

መብዛሕትና ግፍዒ ኺግበር ከሎ፡ ቅኑዓትን ንጹሃትን ሰባት ድማ ብእኩያት ኪጭቈኑ ኸለዉ ንርኢ ኢና። ግፍዕን እከይን ዘይህልወሉ እዋን ግና ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 37 ነዛ ሕቶ እዚኣ ዚኸውን መልስን ንዓና ዚኸውን መምርሕን ንረክብ ኢና። እታ ምዕራፍ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት እንታይ መልሲ ኸም እትህብ ኣስተብህል።

  • ሰባት ምስ ዚገፍዑና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧—ፍቕዲ 1ን 2ን።

  • እኩያት እንታይ ኪዀኑ እዮም፧—ፍቕዲ 10።

  • ቅኑዓት ኣብ መጻኢ እንታይ ኪረኽቡ እዮም፧—ፍቕዲ 11ን 29ን።

  • ሕጂ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧—ፍቕዲ 34።

እዛ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈት መዝሙር 37፡ እቶም ‘ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩን መገዱ ዚስዕቡን’ ብሩህ መጻኢ ኸም ዘለዎም ትገልጽ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕን ንዓኻ ዀነ ንስድራ ቤትካ ጽቡቕ መጻኢ ኽትመርጽን ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ። ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ