ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp21 ቍ. 3 ገጽ 15
  • መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ኸነፍቅሮን ድምጹ ኽንሰምዕ እንኽእልን ብኸመይ ኢና፧
  • መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • “ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • መእተዊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
wp21 ቍ. 3 ገጽ 15
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ካፌ፡ ንኣዕሩኹ ኣብ ሞባይሉ ሓደ ነገር የርእዮም።

መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ

ኣስታት 3500 ዓመት ይገብር፡ የሆዋ ኣምላኽ ንኣምለኽቱ ውሑስ መጻኢ ምእንቲ ኺረኽቡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ነጊርዎም ነይሩ፦ “ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ . . . ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ ህይወት ሕረ።”—ዘዳግም 30:19።

እቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብሩህ መጻኢ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ቅኑዕ ምርጫ ኺገብሩ ነይርዎም እዩ። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ምርጫ ኢና ኽንገብር ዘሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ውሑስ መጻኢ ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእል ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ይገልጽ እዩ፦ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ድምጹ ስማዕ።”—ዘዳግም 30:20።

ንየሆዋ ኸነፍቅሮን ድምጹ ኽንሰምዕ እንኽእልን ብኸመይ ኢና፧

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር፦ ንየሆዋ ምእንቲ ኸተፍቅሮ፡ ፈለማ ብዛዕባኡ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምሃር ኣሎካ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ንሱ ፈቃር ኣምላኽ ከም ዝዀነን ጽቡቕ ዘበለ ኸም ዚምነየልካን ክትግንዘብ ኢኻ። ስለ ‘ዚሓልየልካ’ ድማ ናብኡ ኽትጽሊ ይዕድመካ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ናብኡ ኽትቀርብ ጻዕሪ እንተ ጌርካ፡ ንሱ እውን ‘ኪቐርበካ’ ኸም ዚደሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የተስፉ እዩ።—ያእቆብ 4:8።

ንእተምሃርካዮ ተግብሮ፦ ንኣምላኽ ምስማዕ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ መምርሒኡ ምስዓብ ማለት እዩ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ “መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ።”—እያሱ 1:8።

ብዛዕባና ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና እቶ፣ ኣብኡ ብኦንላይን መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓልካ፡ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድኣካ ሓገዝ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ውሑስ መጻኢ ምእንቲ ኽትረክብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓካ ምረጽ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ