ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • fg ትምህርቲ 15 ሕቶ. 1-4
  • መጽናዕትኻ ኽትቅጽል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽናዕትኻ ኽትቅጽል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
  • ብስራት ኣምላኽ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ካብዚ ዚበልጽ ህይወት የልቦን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ‘ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸና!’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    ብስራት ኣምላኽ
ዝያዳ ርአ
ብስራት ኣምላኽ
fg ትምህርቲ 15 ሕቶ. 1-4

ትምህርቲ 15

መጽናዕትኻ ኽትቅጽል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

1. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምቕጻልካ ብኸመይ ይጠቕመካ፧

ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዓ ኸለዋ

እቲ ብዛዕባ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝቐሰምካዮ ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ ነታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኸም ዘደልደላ ፍሉጥ እዩ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ እናደልደለት ክትከይድ ከኣ ቀጻሊ ኽትትል የድልያ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:2) ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋኻ ኽትረኽቦ እትኽእል፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ፡ ወትሩ ናብ ኣምላኽ እንተ ቐሪብካ ጥራይ እዩ።—ዮሃንስ 17:3፣ ይሁዳ 21 ኣንብብ።

ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠት እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ከኣ፡ እምነትካ እናደልደለት እያ እትኸይድ። እምነት ድማ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኽትሕግዘካ እያ። (እብራውያን 11:1, 6) ተነሲሕካ፡ ኣብ ናብራኻ ኣድላዪ ለውጢ ኽትገብር እውን ክትድርኸካ እያ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19 ኣንብብ።

2. እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠት ንኻልኦት ኪጠቕሞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ኸላ

ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ኪህልወካ ይኽእል እዩ

ነቲ እተምሃርካዮ ንኻልኦት ክትነግሮም ከም እትደሊ ፍሉጥ እዩ። ኵላትና ብስራት ክንነግር ባህ እዩ ዚብለና። መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ነቲ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ብስራትን ዘሎካ እምነት ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንኻልኦት ብኸመይ ከም እትገልጸሎም ክትምሃር ኢኻ።—ሮሜ 10:13-15 ኣንብብ።

መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ብስራት መጀመርታ ንፈተውቶም ወይ ንኣዝማዶም እዮም ዚነግርዎም። ነቲ ብስራት ክትነግር ከለኻ፡ ሜላ ተጠቐም። ነቶም ሰባት ሃይማኖቶም ቅንዕቲ ኸም ዘይኰነት ኣብ ክንዲ እትነግሮም፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘተስፈዎ ተስፋታት ንገሮም። ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት ብዝያዳ ዚማርኾም ዘረባኻ ዘይኰነስ፡ እቲ ለዋህ ጠባይካ ምዃኑ ኣይትረስዕ።—2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25 ኣንብብ።

3. ምስ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ርክብ እዩ ኺህልወካ ዚኽእል፧

ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕካ፡ ብመንፈስ ንኽትዓቢ ኺሕግዘካ እዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ይህልወካ። ኣባል ስድራ ቤቱ ብምዃን ድማ ናቱ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—2 ቈረንቶስ 6:18 ኣንብብ።

4. ቀጻሊ ዕቤት ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ብቐጻሊ ቓል ኣምላኽ ምስ እተጽንዕ፡ ብመንፈስ ክትዓቢ ትኽእል ኢኻ። (እብራውያን 5:13, 14) ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ገይሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህረካ ሕተቶ። ቃል ኣምላኽ ብእተምሃርካ መጠን፡ ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ኣሳልጦ ኽትረክብ ኢኻ። መዝሙር 1:1-3፣ 73:27, 28 ኣንብብ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ሓሳብ ኬቕርቡ ኸለዉ

እቲ ብስራት ካብቲ ሕጉስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ ዚመጽእ። ንኣምላኽ ምእንቲ ኽትቀርቦ ድማ፡ ናብ ህዝቡ ኽትቀርብ ኣሎካ። (እብራውያን 10:24, 25) ኵሉ ሳዕ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ እንተ ጽዒርካ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ህይወት ዝዀነ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረኽቦ ኢኻ። ካብቲ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ እትገብሮ ጻዕሪ ዚበልጽ ነገር የሎን።—1 ጢሞቴዎስ 1:11፣ 6:19 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 18 እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ