ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/9 ገጽ 7
  • ስለምንታይ ኢና እንሰብኽ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ ኢና እንሰብኽ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንስድራ ቤት ዚኸውን ተወሳኺ ሓገዝ
    ንቕሑ!—2018
  • ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
    ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ብኸመይ ሓገዝ ትረክብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ ንJW.ORG ተጠቐመሉ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/9 ገጽ 7
ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ኺሰብኩ ኸለዉ

ገበር | ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧

ስለምንታይ ኢና እንሰብኽ፧

በቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት፡ ኰታስ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ቦታታት እነካይዶ ሰፊሕ ዝዀነ ዕዮ ስብከት ኢና ብፍሉይ እንልለ። ከምኡ እንገብር ግና ስለምንታይ ኢና፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንየሆዋ ኽብሪ ንምሃብን ስሙ ኸም ዚፍለጥ ንምግባርን እዮም ዚሰብኩ። (እብራውያን 13:15) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ነቲ የሱስ ክርስቶስ፡ “ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ብምባል ዝሃቦ መምርሒ ኽንእዘዝ ንደሊ ኢና።—ማቴዎስ 28:19, 20።

ኣብ ርእሲ እዚ ንብጻይና ነፍቅር ኢና። (ማቴዎስ 22:39) ልክዕ እዩ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ሃይማኖታዊ እምነታት ከም ዘለዎምን ኣብ መልእኽትና ተገዳስነት ዜርእዩ ዅሎም ሰባት ከም ዘይኰኑን ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ዜድሕን ምዃኑ ኢና እንኣምን። በዚ ምኽንያት ድማ ኢና ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ብዛዕባ ክርስቶስ፡ ከየቋረጽና እንምህርን እነበስርን’።—ግብሪ ሃዋርያት 5:41, 42።

ኣንቶንዮ ኮቫ ማዱሮ ዚብሃል ስነ-ማሕበረኛ፡ ብዛዕባ እቲ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መልእኽቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ናብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ንምብጻሕ፡ ሓይሎም ክሳዕ ዚጽንቀቕ ዚገብርዎ ጻዕርን ዜሕልፍዎ ሽግርን” ጸሓፈ። —ጋዜጣ ኢል ዩኒቨርሳል፡ ቨነዝወላ

መብዛሕትኦም ኣንበብቲ ጽሑፋትና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰኑን። ምሳና ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እውን ኣባላት ካልኦት ሃይማኖታት እዮም። እንተዀነ ግና፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብሩሎም ምብጻሕ የሐጕሶም እዩ።

ርግጽ እዩ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካልእ ሕቶታት እውን ኪህልወካ ይኽእል እዩ። በዚ ዚስዕብ መገድታት ኣቢልካ ነቲ መልሲ ኽትረኽቦ ንዕድመካ፦

  • ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ብምሕታት።

  • ነቲ www.pr418.com/ti ዚብሃል ወብ ሳይትና ብምኽፋት።

  • ኣብቲ ንዅሉ ኽፉት ዝዀነን ብዘይ ክፍሊት ዚግበርን ኣኼባታትና ብምእካብ።

የሱስ ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ኺልእኮም ከሎ
ኣብ ጫፉ በረድ ዘለዎ ኸረን

ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ www.pr418.com/ti እትርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል እተወደቡ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። (ኣብ ትሕቲ ሕታማት > ቪድዮታት ርአ)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ