ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/10 ገጽ 3
  • ሰባት ዚጽልዩ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰባት ዚጽልዩ ስለምንታይ እዮም፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምቕራብ
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ጸሎትካ ምእንቲ ኺስማዕ ብኸመይ ክትጽሊ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/10 ገጽ 3

ገበር | ጸሎት ጥቕሚ ኣለዎዶ፧

ሰባት ዚጽልዩ ስለምንታይ እዮም፧

“ውሉፍ ተጣላዒ እየ ነይረ። ክዕወት እሞ ብዙሕ ገንዘብ ክረክብ እጽሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ዋላ ሓንቲ ውጽኢት ኣይነበሮን።”—ሳሙኤል፡a ኬንያ።

“ኣብ ቤት ትምህርቲ ኽንጽሊ ኸለና ነቲ እተመሃርናዮ እተሸምደደ ጸሎት ጥራይ ኢና ንደጋግም ኔርና።” —ተሬዛ፡ ፊሊፒንስ።

“ጸገማት ኬጋጥመኒ ኸሎን ሓጢኣተይ ንኺሕደገለይን ዝሓሽኩ ክርስትያን ንክኸውንን እየ ዝጽሊ።”—ማግደሊን፡ ጋና።

1. ሓደ ሰብኣይ ኣብ መጣልዒ ጣውላ ዀይኑ ኺጽሊ ኸሎ፣ 2. ሓንቲ ጓል ኣብ ቤት ትምህርቲ ኽትጽሊ ኸላ፣ 3. ሓንቲ ሰበይቲ ኽትጽሊ ኸላ

እዚ ሳሙኤልን ተሬዛን ማግደሊንን ዝሃብዎ ርእይቶታት፡ ሰባት ብእተፈላለየ ምኽንያታት ከም ዚጽልዩን ገሊኡ ጸሎት ዝያዳ ትርጉም ከም ዘለዎን ዜርኢ እዩ። ገሊኦም ሰባት ዜቕርብዎ ጸሎት ልባዊ ኪኸውን ከሎ፡ ናይ ካልኦት ግና ካብ ልቢ ዝነቐለ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ፈተና ንኺሓልፉ፡ እታ ዝፈትውዋ ጋንታ ንኽትዕወት፡ ኣብ ናብራ ስድራ ቤቶም መሪሕነት ኣምላኽ ንኺረኽቡ ወይ ድማ ንኻልእ እተፈላለየ ምኽንያታት ምጽላይ ኣድላዪ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ገሊኦም ሃይማኖት ዘይብሎም ሰባት እውን ከይተረፉ ስርዓታውያን ኰይኖም ይጽልዩ እዮም።

ንስኻኸ ትጽሊዶ፧ ትጽሊ እንተ ዄንካ ንምንታይ ኢኻ ትጽሊ፧ ናይ ምጽላይ ልማድ ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ብዘየገድስ፡ ‘ጸሎት ጥቕሚ ኣለዎ ድዩ፧ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ኣሎዶ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ሓደ ጸሓፊ፡ ንጸሎት ከም “ሓደ ኣገባብ ሕክምና” ገይሩ ጥራይ ከም ዚርእዮ ገለጸ። ገሊኦም ክኢላታት ሕክምና እውን “ከም ኣማራጺ መድሃኒት” ገይሮም እዮም ዚገልጽዎ። እቶም ዚጽልዩ ሰባት ትርጉም ንዘይብሉ ልማድ ጥራይ ድዮም ዚስዕቡ፧ ካብ ጸሎት እቲ ዝበለጸ ኺረኽብዎ ዚኽእሉኸ ሕክምናዊ ጥቕሚ ጥራይ ድዩ፧

ብኣንጻር እዚ ግና መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጸሎት ካብ ሓደ ኣገባብ ሕክምና ንላዕሊ ትርጉም ከም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። ብዛዕባ ግቡእ ነገራትን ብቕኑዕ መገድን ንዚቐርብ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ከም ዘሎ እዩ ዚነግረና። እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧ ገለ መርትዖታት እስከ ንርአ።

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ