ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 15/11 ገጽ 14-15
  • ንልግሲ የሆዋ ሞሳ ኣርኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንልግሲ የሆዋ ሞሳ ኣርኢ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሉጽ ኣብነት ልግሲ
  • ‘እቲ ዕዮ ዓብዪ እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ተረፎም ጐደሎ ይምልእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • የሆዋ ነቶም ብፍታው ዚህቡ ይባርኾም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ሓገዝ ንዜድልዮም ሰባት ብኸመይ ክንድግፎም ንኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 15/11 ገጽ 14-15
ሓንቲ ሰበይቲ፡ ካርድ ባንክ ናብ ኤለክትሮኒካዊ መንበቢ ካርድ ተኣቱ

ንልግሲ የሆዋ ሞሳ ኣርኢ

የሆዋ ለጋስ ኣምላኽ እዩ። (ያእ. 1:17) ፍጥረት የሆዋ ኻብቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ጸልማት ዝወሓጦ ሰማያት ክሳብ እቲ ብልሙዕ ኣትክልቲ እተሸፈነ ምድሪ ብዛዕባ ልግሱ ይዝምር እዩ።—መዝ. 65:12, 13፣ 147:7, 8፣ 148:3, 4።

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንፈጣሪኡ ዝነበሮ ሞሳ ኣዝዩ ዓሚቝ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ንግብርታት ኣምላኽ ዚውድስ መዝሙር ኬዳሉ ተደሪኹ እዩ። ንመበል 104 መዝሙር እሞ ኣንብባ፡ ምስ ስምዒታቱ ኸም እትሰማማዕ ክትርኢ ኢኻ። ኣብኣ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ብህይወተይ ከሎኹ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር፡ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ኤመስግን” ኢሉ ኣሎ። (መዝ. 104:33) ንስኻ እውን ከምኡ ዓይነት ባህጊ ድዩ ዘሎካ፧

ብሉጽ ኣብነት ልግሲ

የሆዋ ነቲ ኣብነት ልግሱ ኽንስዕብ እዩ ዚደልየና። ለጋሳት ክንኰነሉ ዚግባእ ጽቡቕ ምኽንያታት እውን ይህበና እዩ። ንሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ፦ “ነቶም ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ኣብዚሑ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡ በቲ ዘየተኣማምን ሃብቲ ተስፋ ኸይገብሩ ኣዝዞም። ሰናይ ኪገብሩ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዖም ምእንቲ ኺሕዝዋስ፡ ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ ኣዝዞም።”—1 ጢሞ. 6:17-19።

ጳውሎስ ነታ ብመንፈስ ተደሪኹ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ዝጸሓፋ ኻልአይቲ መልእኽቱ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ብዛዕባ ምሃብ ኪህሉ ዚግባእ ግቡእ ኣረኣእያ ኣጕሊሑ ኣሎ። ኣብኣ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ” ኢሉ እዩ። (2 ቈረ. 9:7) ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ብልግሲ ብምሃብ መነመን ከም ዚጥቀሙ ጠቒሱ ኣሎ፣ ንሳቶም ከኣ እቶም ዜድልዮም እተማልኣሎም ተቐበልትን እቶም በቲ መንፈሳዊ በረኸት ዚህብትሙ ወሃብትን እዮም።—2 ቈረ. 9:11-14።

ጳውሎስ ነዚ ኽፋል እዛ መልእኽቱ፡ ነቲ ዝሓየለ መርትዖ ልግሲ የሆዋ ብምጥቃስ እዩ ዛዚምዎ። “ስለቲ ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበቱ፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ቈረ. 9:15) ውህበት የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝዘርግሖ ሰናይ የጠቓልል እዩ። እዚ ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ፡ ብቓላት ኪግለጽ ዚከኣል ኣይኰነን።

እሞኸ ስለቲ ዅሉ እቲ የሆዋን ወዱን ዝገበሩልናን ብሕጂ ዚገብሩልናን ነገራት ከመይ ጌርና ኢና ሞሳና ኽንገልጽ እንኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን፡ ሒደት ይኹን ወይ ብዙሕ፡ ንምድንፋዕ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ብልግሲ ብምሃብ እዩ።—1 ዜና 22:14፣ 29:3-5፣ ሉቃ. 21:1-4።

ገሊኦም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት ዚህቡሉ መገድታት

ልክዕ ከምቲ ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚግበር ዝነበረ፡ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ “ዓለምለኻዊ ዕዮ” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ‘ኣዋህሊሎም የቐምጡ’ እዮም። (1 ቈረ. 16:2) ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ፡ ኣብ ወወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ እየን። እንተ ደሊኻ እውን፡ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ሕጋዊ ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብቐጥታ ወፈያ ኽትልእኽ ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ ስም እቲ ንሃገርካ ዜገልግል ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣድራሻኡ ድማ ኣብ www.pr418.com ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብቐጥታ ኽትልእኮ እትኽእል ወፈያታት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ።

ብዘይ ገደብ ዚውሃብ ወፈያታት

  • እዚ ወፈያታት እዚ፡ ነቲ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ብባንክ፡ ብደቢት ካርድ፡ ወይ ብክረዲት ካርድ ዚግበር ምምሕልላፍ ገንዘብ የጠቓልል። ኣብ ገሊኡ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈራት jw.org ወይ ድማ ካልእ እተዳለወ ወብ ሳይት ምጥቃም ይከኣል እዩ።

  • ጥረ ገንዘብ፡ ስልማት፡ ወይ ከኣ ካልእ ክቡር ነገራት ኪውሃብ ይከኣል እዩ። ጥረ ገንዘብ ወይ ካልእ ነገራት ኪውሃብ ከሎ፡ ብዘይ ገደብ ከም እተዋህበ ዚሕብር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪልኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚከኣል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

  • እቲ ዝሃበ ሰብ ምስ ዚደልዮ ኺምለሰሉ ዚከኣል ገንዘብ ኪውፈ ይከኣል እዩ።

  • እቲ ወፈያ ኺምለስ ዚከኣል ምዃኑ ዚሕብር ደብዳበ ኺልኣኽ ኣለዎ።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ብዘይካ እቲ ናይ ገንዘብን ናይ ካልእ ክቡር ነገራትን ወፈያ፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ፡ ካልእ ነገራት ንምሃብ ዜኽእል መገድታት እውን ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ። እቲ ንስኻ ኽትጥቀመሉ እትደሊ መገዲ ብዘየገድስ፡ ፈለማ ምስቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተራኺብካ፡ እንታይ ዓይነት ወፈያ ኺውሃብ ከም ዚከኣል ፍለጥ። ሕጋዊ ብቕዓታትን ሕግታት ግብርን እተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ እትውፍየሉ መገዲ ቕድሚ ምምራጽካ፡ ፈለማ ምስ ብቑዓት ኣማኸርቲ ግብርን ሕግን ተዘራረብ።

መድሕን፦ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ብምጥቃስ፡ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ ኽፍሊት ተጠቃሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ፦ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት፡ ወይ ናይ ውልቀ ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ፡ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ብሓደራ ኺውሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን፦ ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ኪውሃብ ዚከኣል ህያብ ኰይኑ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል፡ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት፦ ኪሽየጥ ዚከኣል ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ብዘይ ገለ ገደብ ዚውሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ ድማ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር፡ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ፦ ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ዚህበሉ መሰናድዎ እዩ። እቲ ወሃቢ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይውሃቦ እዩ። እቲ ወሃቢ ኣብቲ እቲ ወፈያ ዝገበረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስልዓሉ ግብሪ ይንከየሉ እዩ።

ለበዋን ሕድርን፦ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር፡ ጥሪት ወይ ገንዘብ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ከተውርሶ ይከኣል እዩ፣ ወይ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚ ምእንቲ ኪኸውን፡ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ እተወሰነ ናይ ግብሪ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ፡ እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትብሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር፡ ውልቀ ሰባት ሕጂ ወይ ጸኒሖም፡ ንኣብነት ምስ ሞቱ፡ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ምስ ግብርን ምስ ካልእ ነገራትን ዚተሓሓዝ ሕግታት፡ እቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ዚርከብ ሓበሬታ፡ ምሉእ ብምሉእ ንዅነታትካ ዚሽፍን ከይከውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ምስ ኣንበብካያ፡ ብዛዕባ ግብሪ ወይ ሕጊ ምስ ዜማኽረካ ሰብ ተዘራረብ። ብዙሓት በቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ገይሮም ነቲ ኣብ መላእ ዓለም እንፍጽሞ ሃይማኖታውን ግብረ ሰናያውን ንጥፈታት ኪሕግዙ፡ ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ግብሪ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ኣብ ሃገርካ ይዓዪ እንተ ዀይኑ፡ ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ካብ ጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ