ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w16 ሕዳር ገጽ 19-20
  • ‘እቲ ዕዮ ዓብዪ እዩ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘እቲ ዕዮ ዓብዪ እዩ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንልግሲ የሆዋ ሞሳ ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • የሆዋ ነቶም ብፍታው ዚህቡ ይባርኾም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተረፎም ጐደሎ ይምልእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሓገዝ ንዜድልዮም ሰባት ብኸመይ ክንድግፎም ንኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
w16 ሕዳር ገጽ 19-20
ንጉስ ዳዊት ንሓደ ሰብኣይ ንድፊ እታ ቤተ መቕደስ የርእዮ፣ ሓደ ሓው ንድፊ ህንጸት ይርኢ

‘እቲ ዕዮ ዓብዪ እዩ’

ሓያሎ ዘመናት ይገብር፡ ኣብ የሩሳሌም ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ ተገብረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ንጉስ ዳዊት ንዅሎም መሳፍንቱን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን ጀጋኑኡን ኣከቦም። ሽዑ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንኣምልኾኡ ዚኸውን ሓደ ዓብዪ ህንጻ ኺሃንጽ ከም ዝመዘዞ ዚገልጽ ሓደ ዜሕጕስ ፍሉይ ምልክታ ተነግረ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ንጉስ ድማ ነቲ ብመሪሕነት መንፈስ እተመሓላለፈሉ ንድፊ ንሰሎሞን ሃቦ። ዳዊት ድማ፡ “እቲ ዕዮ ኸኣ ዓብዪ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንሳ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እትኸውን ቤተ መቕደስ እያ” በለ።—1 ዜና 28:1, 2, 6, 11, 12፣ 29:1።

ዳዊት ከኣ ኣስዒቡ፡ “ሎሚኸ መን ንየሆዋ ኣብ ኢዱ ህያብ ሒዙ ብፍታው ይመጽእ፧” ኢሉ ሓተተ። (1 ዜና 29:5) ንስኻ ኣብኡ እንተ ትነብር ኔርካ፡ እንታይ ምገበርካ፧ ነቲ ዓብዪ ዕዮ ንምድጋፍ ምተለዓዓልካዶ፧ ህዝቢ እስራኤል ህጹጽ ምላሽ እዩ ሂቡ። “ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ መስዋእቲ ፍታው ስለ ዝሃብዎ፡ እቲ ህዝቢ በቲ ዝሃብዎ መስዋእቲ ፍታው ተሓጐሰ።”—1 ዜና 29:9።

ድሕሪዚ ዘመናት ጸኒሑ፡ የሆዋ ኻብቲ ሽዑ እተሃንጸ ቤተ መቕደስ ኣጸቢቑ ዚዓቢ ነገር ኣቝሙ እዩ። እዚ ኸኣ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ፡ ማለት ሰባት ብመስዋእቲ የሱስ ኣቢሎም ንዕኡ ኼምልኽዎ ዜኽእሎም መሰናድዎ እዩ። (እብ. 9:11, 12) ሎሚ፡ የሆዋ ንሰባት ምስኡ ንምትዕራቕ፡ ብኸመይ ይሕግዞም ኣሎ፧ በቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ገይሩ እዩ ዚሕግዞም ዘሎ። (ማቴ. 28:19, 20) ሳላ እዚ ዕዮ እዚ ድማ፡ ዓመት ዓመት፡ ንሚልዮናት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይምራሕ፡ ኣሽሓት ደቀ መዛሙርቲ ይጥመቑ፡ ኣማእታት ሓደስቲ ጉባኤታት ድማ ይቘማ ኣለዋ።

ከምዚ ዝበለ ዕቤት ስለ ዘሎ ድማ፡ ዝያዳ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኪሕተም፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽን ኪጽገንን፡ ከምኡ እውን ንዓበይቲ ኣኼባታት ዚኸውን ሓድሽ ቦታታት ኪርከብ የድሊ እዩ። እዚ ብስራት ናይ ምስባኽ ዕዮናስ ዓብይን ዜዕግብንዶ ኸይኰነ፧—ማቴ. 24:14።

ህዝቢ ኣምላኽ፡ ንኣምላኽን ንብጻዮምን ዘለዎም ፍቕርን እቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ህጹጽነትን፡ ‘ንየሆዋ ኣብ ኢዶም ህያብ ሒዞም ብፍታው ኪመጹ’ ደሪኽዎም እዩ። ‘ንየሆዋ ብጥሪትና ምኽባርና፡’ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ነቲ ዝዓበየ ዕዮ ንምምዋል ብልክዕ ኪውዕል ምርኣይናስ ከመይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!—ምሳ. 3:9።

ገሊኦም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት ዚህቡሉ መገድታት

ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ “ዓለምለኻዊ ዕዮ” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ‘ኣዋህሊሎም የቐምጡ’ እዮም። (1 ቈረ. 16:2) ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ፡ ኣብ ወወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ እየን። እንተ ደሊኻ እውን፡ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ሕጋዊ ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብቐጥታ ወፈያ ኽትልእኽ ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ ስም እቲ ንሃገርካ ዜገልግል ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣድራሻኡ ድማ ኣብ www.pr418.com ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብቐጥታ ኽትልእኮ እትኽእል ወፈያታት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ።

ብዘይ ገደብ ዚውሃብ ወፈያታት

  • እዚ ወፈያታት እዚ፡ ነቲ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ብባንክ፡ ብደቢት ካርድ፡ ብክረዲት ካርድ፡ ወይ ብሞባይል ዚግበር ምምሕልላፍ ገንዘብ የጠቓልል። ኣብ ገሊኡ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈራት jw.org ወይ ድማ ካልእ እተዳለወ ወብ ሳይት ምጥቃም ይከኣል እዩ።

  • ጥረ ገንዘብ፡ ስልማት፡ ወይ ከኣ ካልእ ክቡር ነገራት ኪውሃብ ይከኣል እዩ። ጥረ ገንዘብ ወይ ካልእ ነገራት ኪውሃብ ከሎ፡ ብዘይ ገደብ ከም እተዋህበ ዚሕብር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪልኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚከኣል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

  • እቲ ዝሃበ ሰብ ምስ ዚደልዮ ኺምለሰሉ ዚከኣል ገንዘብ ኪውፈ ይከኣል እዩ።

  • እቲ ወፈያ ኺምለስ ዚከኣል ምዃኑ ዚሕብር ደብዳበ ኺልኣኽ ኣለዎ።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ብዘይካ እቲ ናይ ገንዘብን ናይ ካልእ ክቡር ነገራትን ወፈያ፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ፡ ካልእ ነገራት ንምሃብ ዜኽእል መገድታት እውን ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ። እቲ ንስኻ ኽትጥቀመሉ እትደሊ መገዲ ብዘየገድስ፡ ፈለማ ምስቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተራኺብካ፡ እንታይ ዓይነት ወፈያ ኺውሃብ ከም ዚከኣል ፍለጥ። ሕጋዊ ብቕዓታትን ሕግታት ግብርን እተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ እትውፍየሉ መገዲ ቕድሚ ምምራጽካ፡ ፈለማ ምስ ብቑዓት ኣማኸርቲ ግብርን ሕግን ተዘራረብ።

መድሕን፦ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ብምጥቃስ፡ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ ኽፍሊት ተጠቃሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ፦ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት፡ ወይ ናይ ውልቀ ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ፡ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ብሓደራ ኺውሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን፦ ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ኪውሃብ ዚከኣል ህያብ ኰይኑ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል፡ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት፦ ኪሽየጥ ዚከኣል ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ብዘይ ገለ ገደብ ዚውሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ ድማ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር፡ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ፦ ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ዚህበሉ መሰናድዎ እዩ። እቲ ወሃቢ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይውሃቦ እዩ። እቲ ወሃቢ ኣብቲ እቲ ወፈያ ዝገበረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስልዓሉ ግብሪ ይንከየሉ እዩ።

ለበዋን ሕድርን፦ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር፡ ጥሪት ወይ ገንዘብ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ከተውርሶ ይከኣል እዩ፣ ወይ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚ ምእንቲ ኪኸውን፡ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ እተወሰነ ናይ ግብሪ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ፡ እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትብሃል ብሮሹር ተዳልያ ኣላ። እታ ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን እትርከብ ብሮሹር፡ ውልቀ ሰባት ሕጂ ወይ ጸኒሖም፡ ንኣብነት ምስ ሞቱ፡ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ምስ ግብርን ምስ ካልእ ነገራትን ዚተሓሓዝ ሕግታት፡ እቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ዚርከብ ሓበሬታ፡ ምሉእ ብምሉእ ንዅነታትካ ዚሽፍን ከይከውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት በቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ገይሮም ነቲ ኣብ መላእ ዓለም እንፍጽሞ ሃይማኖታውን ግብረ ሰናያውን ንጥፈታት ኪሕግዙ፡ ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ግብሪ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ኣብ ሃገርካ ይዓዪ እንተ ዀይኑ፡ ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ካብ ጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ “ንዓለምለኻዊ ዕዮና ወፈያ ግበር” ዚብል ኣብ ቀንዲ ገጽ እቲ jw.org/ti ኣብ ታሕቲ ዚርከብ ሊንክ ክትጥውቕ ወይ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ