ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ “ዓለምለኻዊ ዕዮ” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ‘ኣዋህሊሎም የቐምጡ’ እዮም። (1 ቈረ. 16:2) ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ፡ ኣብ ወወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ እየን። እንተ ደሊኻ እውን፡ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ሕጋዊ ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብቐጥታ ወፈያ ኽትልእኽ ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ ስም እቲ ንሃገርካ ዜገልግል ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣድራሻኡ ድማ ኣብ www.pr418.com ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብቐጥታ ኽትልእኮ እትኽእል ወፈያታት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ።
ብዘይ ገደብ ዚውሃብ ወፈያታት
እዚ ወፈያታት እዚ፡ ነቲ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ብባንክ፡ ብደቢት ካርድ፡ ብክረዲት ካርድ፡ ወይ ብሞባይል ዚግበር ምምሕልላፍ ገንዘብ የጠቓልል። ኣብ ገሊኡ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈራት jw.org ወይ ድማ ካልእ እተዳለወ ወብ ሳይት ምጥቃም ይከኣል እዩ።
ጥረ ገንዘብ፡ ስልማት፡ ወይ ከኣ ካልእ ክቡር ነገራት ኪውሃብ ይከኣል እዩ። ጥረ ገንዘብ ወይ ካልእ ነገራት ኪውሃብ ከሎ፡ ብዘይ ገደብ ከም እተዋህበ ዚሕብር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪልኣኽ ኣለዎ።
ኪምለስ ዚከኣል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ
ብመደብ ዚግበር ልግሲ
ብዘይካ እቲ ናይ ገንዘብን ናይ ካልእ ክቡር ነገራትን ወፈያ፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ፡ ካልእ ነገራት ንምሃብ ዜኽእል መገድታት እውን ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ። እቲ ንስኻ ኽትጥቀመሉ እትደሊ መገዲ ብዘየገድስ፡ ፈለማ ምስቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተራኺብካ፡ እንታይ ዓይነት ወፈያ ኺውሃብ ከም ዚከኣል ፍለጥ። ሕጋዊ ብቕዓታትን ሕግታት ግብርን እተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ እትውፍየሉ መገዲ ቕድሚ ምምራጽካ፡ ፈለማ ምስ ብቑዓት ኣማኸርቲ ግብርን ሕግን ተዘራረብ።
መድሕን፦ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ብምጥቃስ፡ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ ኽፍሊት ተጠቃሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ።
ናይ ባንክ ሕሳብ፦ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት፡ ወይ ናይ ውልቀ ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ፡ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ብሓደራ ኺውሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።
ኣክሲዮንን ቦንድን፦ ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ኪውሃብ ዚከኣል ህያብ ኰይኑ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል፡ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።
ዘይንቀሳቐስ ንብረት፦ ኪሽየጥ ዚከኣል ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ብዘይ ገለ ገደብ ዚውሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ ድማ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር፡ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ።
ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ፦ ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ዚህበሉ መሰናድዎ እዩ። እቲ ወሃቢ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይውሃቦ እዩ። እቲ ወሃቢ ኣብቲ እቲ ወፈያ ዝገበረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስልዓሉ ግብሪ ይንከየሉ እዩ።
ለበዋን ሕድርን፦ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር፡ ጥሪት ወይ ገንዘብ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ከተውርሶ ይከኣል እዩ፣ ወይ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚ ምእንቲ ኪኸውን፡ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ እተወሰነ ናይ ግብሪ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።
እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ፡ እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትብሃል ብሮሹር ተዳልያ ኣላ። እታ ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን እትርከብ ብሮሹር፡ ውልቀ ሰባት ሕጂ ወይ ጸኒሖም፡ ንኣብነት ምስ ሞቱ፡ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ምስ ግብርን ምስ ካልእ ነገራትን ዚተሓሓዝ ሕግታት፡ እቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ዚርከብ ሓበሬታ፡ ምሉእ ብምሉእ ንዅነታትካ ዚሽፍን ከይከውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት በቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ገይሮም ነቲ ኣብ መላእ ዓለም እንፍጽሞ ሃይማኖታውን ግብረ ሰናያውን ንጥፈታት ኪሕግዙ፡ ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ግብሪ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ኣብ ሃገርካ ይዓዪ እንተ ዀይኑ፡ ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ካብ ጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ “ንዓለምለኻዊ ዕዮና ወፈያ ግበር” ዚብል ኣብ ቀንዲ ገጽ እቲ jw.org/ti ኣብ ታሕቲ ዚርከብ ሊንክ ክትጥውቕ ወይ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።