ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w17 ሕዳር ገጽ 18-19
  • “ለጋስ ይባረኽ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ለጋስ ይባረኽ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘እቲ ዕዮ ዓብዪ እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንልግሲ የሆዋ ሞሳ ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተረፎም ጐደሎ ይምልእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • የሆዋ ነቶም ብፍታው ዚህቡ ይባርኾም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
w17 ሕዳር ገጽ 18-19
ሃና ነቲ ገና ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል ናብ ማሕደር ተምጽኦ

“ለጋስ ይባረኽ”

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ መስዋእቲ ቐንዲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዀይኑ ጸኒሑ እዩ። እስራኤላውያን፡ መስዋእቲ እንስሳ የቕርቡ ነይሮም እዮም፣ ክርስትያናት ከኣ፡ ኵሉ ሳዕ “መስዋእቲ ውዳሰ” የቕርቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ዚሕጐሰሉ ኻልእ ዓይነት መስዋእትታት እውን ኣሎ። (እብ. 13:15, 16) ከምቲ ቐጺልና እንርእዮ ድማ፡ እዚ መስዋእትታት እዚ፡ ሓጐስን በረኸትን የምጽእ እዩ።

ብግዜ ጥንቲ ብተኣማንነት ንኣምላኽ እተገልግል ዝነበረት ሃና፡ ውሉድ ክትወልድ ሃረር ትብል ነበረት። ግናኸ፡ መኻን እያ ነይራ። የሆዋ ውሉድ ኪህባ ድማ ጸለየት። “ብዅለን መዓልትታት ህይወቱ፡ ንየሆዋ ኽህቦ እየ” ኢላ ኸኣ ተመባጽዐት። (1 ሳሙ. 1:10, 11) ድሕሪ ግዜ፡ ሃና ጠነሰት፡ ሳሙኤል ዝስሙ ወዲ ድማ ወለደት። ሳሙኤል ጡብ ምስ ሓደገ ኸኣ፡ ሃና ኸምቲ እተመባጽዓቶ ንወዳ ናብ ማሕደር ኣምላኽ ወሰደቶ። ጥቕሚ ርእሳ ስለ ዝሰውአት ድማ፡ የሆዋ ባሪኽዋ እዩ። ድሕሪኡ፡ ሓሙሽተ ቘልዑ ወለደት፣ ሳሙኤል ከኣ ነብዪን ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኰነ።—1 ሳሙ. 2:21።

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ከም ሃናን ሳሙኤልን፡ ንህይወቶም ንፈጣሪኦም ብተወፋይነት ንምግልጋል ኪጥቀሙላ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ምእንቲ ኸነገልግሎ ኢልና መስዋእትታት ምስ እንገብር፡ ኣምላኽ ኣብዚሑ ኸም ዚኽሕሰና፡ የሱስ ቃል ኣትዩ እዩ።—ማር. 10:28-30።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ዶርቃስ ዝስማ ክርስትያን ሓብቲ፡ “ሰናይ ግብሪ ትገብርን ምጽዋት ትምጽውትን ነበረት።” እዚ ዅሉ ድማ ንኻልኦት ክትሕግዞም ኢላ እትገብሮ ዝነበረት መስዋእትታት እዩ። ይኹን እምበር፡ “ሓሚማ ሞተት፣” በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጉባኤኣ ሓዘነት። እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ጴጥሮስ ኣብቲ ኸባቢ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ ቀልጢፉ ኺመጾም ለመንዎ። ጴጥሮስ መጺኡ ንዶርቃስ ምስ ኣተንስኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ይዀኑ! እዚ ትንሳኤ እዚ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሰፊሩ ዚርከብ ብሓደ ሃዋርያ እተፈጸመ ናይ ፈለማ ትንሳኤ እዩ። (ግብ. 9:36-41) ኣምላኽ ነቲ ዶርቃስ እትገብሮ ዝነበረት መስዋእትታት ኣይረስዖን። (እብ. 6:10) እቲ ዘርኣየቶ ልግሲ፡ ንዓና ሰናይ ኣብነት ምእንቲ ኪዀነና ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣስፊርዎ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ግዜኡን ኣቓልቦኡን ብምሃብ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣሕዋቱ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “ኣነስ ምእንታኹም ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ኽውፍየልኩም፡ ገዛእ ርእሰይ እውን ክውፍየልኩም እየ” በለ። (2 ቈረ. 12:15) ጳውሎስ፡ ምእንቲ ኻልኦት መስዋእቲ ምግባር፡ ዕግበት ከም ዜምጽእ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ በረኸትን ሞገስን የሆዋ ንምርካብ ከም ዚሕግዝ፡ ብተመክሮ ርእይዎ እዩ።—ግብ. 20:24, 35።

ንግዜናን ንጕልበትናን፡ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕዳምን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ንምሕጋዝን ምስ እንጥቀመሉ፡ የሆዋ ይሕጐሰልና እዩ። ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክንድግፍ እንኽእለሉ ኻልእ መገድታትከ ኣሎዶ፧ እወ። ኣብ ርእሲ እቲ ግዜናን ጕልበትናን ተጠቒምና ንኣሕዋትና ብምሕጋዝ እነርእዮ ፍቕሪ፡ ብፍታውና ወፈያታት ብምግባር እውን ንኣምላኽ ከነኽብሮ ንኽእል ኢና። እቲ እንገብሮ ወፈያታት፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ እዩ ዚጠቅም። ንኣብነት፡ ሚስዮናውያንን ካልኦት ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ኣሕዋትን ንምሕጋዝ ይጠቅም እዩ። ብዘይካዚ፡ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ንምድላውን ንምትርጓምን፡ ንዕዮ ረድኤትን፡ ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽን ዚኸውን ገንዘብ ዚርከብ፡ ካብቲ ብፍታው ዚግበር ወፈያታት እዩ። እምበኣር፡ ‘ለጋስ ከም ዚባረኽ’ ርግጸኛታት ንኹን። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ብጥሪትና ነኽብሮ።—ምሳ. 3:9፣ 22:9።

ገሊኦም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት ዚህቡሉ መገድታት

ከምቲ ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚግበር ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት ኣብቲ “ዓለምለኻዊ ዕዮ” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ‘ኣዋህሊሎም የቐምጡ’ እዮም። (1 ቈረ. 16:2) ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ፡ ኣብ ወወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ እየን። እንተ ደሊኻ እውን፡ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ሕጋዊ ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብቐጥታ ወፈያ ኽትልእኽ ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ ስም እቲ ንሃገርካ ዜገልግል ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣድራሻኡ ድማ ኣብ www.pr418.com ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብቐጥታ ኽትልእኮ እትኽእል ወፈያታት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ።

ብዘይ ገደብ ዚውሃብ ወፈያታት

  • እዚ ወፈያታት እዚ፡ ነቲ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ብባንክ፡ ብደቢት ካርድ፡ ብክረዲት ካርድ፡ ወይ ብሞባይል ዚግበር ምምሕልላፍ ገንዘብ የጠቓልል። ኣብ ገሊኡ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈራት jw.org ወይ ድማ ካልእ እተዳለወ ወብ ሳይት ምጥቃም ይከኣል እዩ።

  • ጥረ ገንዘብ፡ ስልማት፡ ወይ ከኣ ካልእ ክቡር ነገራት ኪውሃብ ይከኣል እዩ። ጥረ ገንዘብ ወይ ካልእ ነገራት ኪውሃብ ከሎ፡ ብዘይ ገደብ ከም እተዋህበ ዚሕብር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪልኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚከኣል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

  • እቲ ዝሃበ ሰብ ምስ ዚደልዮ ኺምለሰሉ ዚከኣል ገንዘብ ኪውፈ ይከኣል እዩ።

  • እቲ ወፈያ ኺምለስ ዚከኣል ምዃኑ ዚሕብር ደብዳበ ኺልኣኽ ኣለዎ።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ብዘይካ እቲ ናይ ገንዘብን ናይ ካልእ ክቡር ነገራትን ወፈያ፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ፡ ካልእ ነገራት ንምሃብ ዜኽእል መገድታት እውን ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ። እቲ ንስኻ ኽትጥቀመሉ እትደሊ መገዲ ብዘየገድስ፡ ፈለማ ምስቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተራኺብካ፡ እንታይ ዓይነት ወፈያ ኺውሃብ ከም ዚከኣል ፍለጥ። ሕጋዊ ብቕዓታትን ሕግታት ግብርን እተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ እትውፍየሉ መገዲ ቕድሚ ምምራጽካ፡ ፈለማ ምስ ብቑዓት ኣማኸርቲ ግብርን ሕግን ተዘራረብ።

መድሕንን ናይ ጡረታ ኽፍሊትን፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚጥቀሙሉ ሓደ ሕጋዊ ትካል ብምጥቃስ፡ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ፡ ናይ ውልቀ ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ፡ ወይ ናይ ጡረታ ኽፍሊት ተጠቃሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ፦ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ፡ ሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንንቦንድን፦ ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ኪውሃብ ዚከኣል ህያብ ኰይኑ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚጥቀሙሉ ሓደ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል፡ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት፦ ኪሽየጥ ዚከኣል ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ብዘይ ገለ ገደብ ዚውሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ ድማ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚጥቀሙሉ ሓደ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ።

ለበዋን ሕድርን፦ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር፡ ጥሪት ወይ ገንዘብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚጥቀሙሉ ሓደ ሕጋዊ ትካል ከተውርሶ ይከኣል እዩ፣ ወይ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚ ምእንቲ ኪኸውን፡ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ እተወሰነ ናይ ግብሪ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ፡ እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትብሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን ተዳልያ ኣላ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ውልቀ ሰባት ሕጂ ወይ ጸኒሖም፡ ንኣብነት ምስ ሞቱ፡ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብምኽንያት እቲ ኣብታ እትነብረላ ሃገር ዘሎ ምስ ግብርን ምስ ካልእ ነገራትን ዚተሓሓዝ ሕግታት፡ እቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ዚርከብ ሓበሬታ፡ ምሉእ ብምሉእ ንዅነታትካ ዚሽፍን ከይከውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት በቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ገይሮም ነቲ ኣብ መላእ ዓለም እንፍጽሞ ሃይማኖታውን ግብረ ሰናያውን ንጥፈታት ኪሕግዙ፡ ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ግብሪ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ኣብታ እትነብረላ ሃገር ይዓዪ እንተ ዀይኑ፡ ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ካብ ጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ “ንዓለምለኻዊ ዕዮና ወፈያ ግበር” ዚብል ኣብ ቀንዲ ገጽ እቲ jw.org/ti ኣብ ታሕቲ ዚርከብ ሊንክ ክትጥውቕ ወይ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ