ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 2 ገጽ 4-5
  • ሓደጋ ምስ ዜጋጥም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓደጋ ምስ ዜጋጥም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምፍላጥ፡ ተስፋ ይህበና
  • ተዳሊኻ ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ንዅሉ ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ደርብዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንጭንቀት ብኸመይ ክትጻወሮ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኵሉ ጭንቀትኩም ኣብ የሆዋ ደርብይዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 2 ገጽ 4-5
ክልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓ ዑና ኾፍ ኢሎም ይዛራረቡ

ሓደጋ ምስ ዜጋጥም

“ኣብ ፈለማ፡ ጠሪስና ተስፋ ቐቢጽና ኔርና። ኵሉ ንብረትና ብመደራጋሕን ብዕልቕልቕን ጠፊኡ።”—ኣንድሪው፡ ሰራ ልዮን።

“ድሕሪ እቲ ህቦብላ፡ ናብ ቤትና ተመሊስና። ዋላ ሓንቲ ኣይጸንሓናን። እንብሎ ጠፊኡና። ጓለይ ተምበርኪኻ በኽያ።”—ዴቪድ፡ ደሴታት ቨርጅን።

ካብ ሓደጋ እንተ ድሒንካ፡ ነቲ ኻልኦት ብእኡ ዝሓለፉ ሰባት ዚስምዖም ስምባድን ድንጻወን ድንጋረን ጭንቀትን ሃተፍተፍን ትርድኦ ኢኻ። ብዙሓት ብሓደጋ እተዳህሉን ዝጨነቖምን ሰባት፡ ብህይወት ምንባር ይጽልኦም እዩ።

ኣብ ህይወትካ ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ንስኻ እውን ‘ህይወት ኣኺሉኒ እዩ’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ብህይወት ካብ ምንባር፡ ሞት ከም ዚሓይሽ እውን ትሓስብ ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብህይወት ምንባር ከም ዚሓይሽ፡ ንዝሓሸ መጻኢ እውን ጽኑዕ ተስፋ ኺህልወካ ኸም ዚኽእል ይገልጽ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምፍላጥ፡ ተስፋ ይህበና

መክብብ 7:8፡ “ካብ መጀመርታ ነገርሲ መወዳእታኡ ይሓይሽ” ትብል። ድሕሪ ሓደጋ ናብ ንቡር ህይወትካ ኽትምለስ ከለኻ፡ ኣብ መጀመርታ ተስፋ ትቐብጽ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ብዓቕሊ ህይወትካ ዳግም ክትሃንጽ ምስ ጀመርካ፡ ኵነታትካ እናተመሓየሸ ይኸይድ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ‘ደሃይ ብኽያት ኰነ ኣውያት ጭንቂ ደጊም ዘይስምዓሉ’ እዋን ይንበ እዩ። (ኢሳይያስ 65:19) ምድሪ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ገነት ምስ ተቐየረት፡ እዚ ትንቢት እዚ ኺፍጸም እዩ። (መዝሙር 37:11, 29) ሓደጋታት ነበርያ ነበረ ኪኸውን እዩ። ኵሉ እቲ ሕማቕ ተዘክሮታትን ስምዒታዊ ስቓይን ንሓዋሩ ኺድምሰስ እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን፡ ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ” ኢሉ ኣተስፍዩ እዩ።—ኢሳይያስ 65:17።

ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ፈጣሪና “ብሩህ መጻእን ተስፋን፡” ማለት ኣብ ትሕቲ ፍጹም ግዝኣት ኣምላኽ ዚህሉ ሰላማዊ ህይወት ኪህበካ ተዳልዩ ኣሎ። (ኤርምያስ 29:11) ብዛዕባ እዚ ሓቂ እዚ ምፍላጥካስ ብህይወት ምንባር ከም ዚሓይሽዶ ኣይገብሮን እዩ፧ እታ ኣብ መኽፈቲ ዓንቀጽ እተጠቕሰት ሳሊ፡ “ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ እትገብረልና ዅሉ ዜደንቕ ነገራት እንተ ዘኪርካ፡ ንሕሉፍ ክትርስዕን ንህሉው ኽትሰግሮን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ” ትብል።

እሞ ደኣ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣብ ቀረባ ግዜ እትገብሮ ነገራት ስለምንታይ ዘይትምሃር፧ ከምኡ ምግባርካ፡ ዋላ እውን ዘጋጠመካ ሓደጋ ዘስዕቦ ሳዕቤን እናሃለወ፡ ነቲ ኻብ ሓደጋ ናጻ ዝዀነ መጻኢ እናተጸበኻ ብህይወት ምንባር ዝሓሸ ጌርካ ኽትርእዮ ይሕግዘካ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሓደጋ ዝሓደጎ ሳዕቤናት ክትጻወር ዜኽእል ግብራዊ መምርሒ ይህብ እዩ። ሒደት ኣብነታት እስከ ርአ።

ኪሕግዝ ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

እኹል ዕረፍቲ ግበር።

“ካብ ክልተ ዕማዅ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ።”—መክብብ 4:6፡ እግረ ጽሑፍ።

ድሕሪ ዜሰምብድ ኣጋጣሚ፡ “ጽቡቕ ድቃስ ዘይምርካብ . . . ነቲ ስምባድ ከም ዜጋድዶ፡ ስምዒታዊ ሚዛንካ እውን ከም ዜስሕት” ተመራመርቲ ጸብጺቦም እዮም። ስለዚ፡ እኹል ድቃስ ምርካብ ጽቡቕ እዩ።

ብዛዕባ ስምዒታትካ ተዛረብ።

“ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ [ወይ፡ “ይጸቕጦ፡” እግረ ጽሑፍ]፣ ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ።”—ምሳሌ 12:25።

ንኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ንእትኣምኖ ፈታዊኻ ስምዒትካ ግለጸሉ። ኣባላት ስድራ ቤት ወይ ፈተውቲ ሰማዒት እዝኒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዜተባብዕ ቃላትን ግብራዊ ሓገዝን ኪህቡኻ ይኽእሉ እዮም።a

ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ሕሰብ።

“ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ [ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ]፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ንጽበ ኣለና።”—2 ጴጥሮስ 3:13።

a ንነዊሕ ግዜ ውጥረት ወይ ከቢድ ጭንቀት ዚስምዖ ሰብ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ኬድልዮ ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ