ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 2 ገጽ 6-7
  • እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚመውት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚመውት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገሊኦም ብኸመይ ከም ዝኸኣልዎ
  • ሓዘነይ ክኢለ ክነብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
  • ካብ ሓዘን ምጽንናዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • 16 ከምዚ ገይረ ኽሓዝን ይግብኣኒ ድዩ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ንሓዘንካ ኽትክእሎ ዚሕግዘካ ነገራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 2 ገጽ 6-7
ኣብ ገምገም ባሕሪ ተሓቛቚፎም ደው ዝበሉ ሕዙናት ሰብ ሓዳር ኣማዕድዮም ይጥምቱ

እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚመውት

“ዓብዪ ሓወይ ብሃንደበት ምስ ሞተ፡ ዝገብሮ ሓርቢቱኒ። ድሕሪ ኣዋርሕ ብሃንደበት እዝክሮን ሕማቕ ይስምዓንን ነይሩ፣ ካራ ይወግኣኒ ኸም ዘሎ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እሓርቕ ነይረ። ስለምንታይ እዩ ሓወይ ሞይቱ፧ ምስኡ ዝያዳ ግዜ ብዘይምሕላፈይ እውን እጥዓስ ነይረ።”—ቫነሳ፡ ኣውስትራልያ።

እትፈትዎ ሰብካ እንተ ሞይቱካ፡ በብዓይነቱ ስምዒታት ተሰሚዑካ ይኸውን እዩ። ሓዘንን ጽምዋን ረዳኢ ኣልቦነትን ተሰሚዑካ ይኸውን። ምናልባት ድማ ሕርቃንን ጣዕሳን ፍርህን ተሰሚዑካ ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ብህይወት ምንባር ዚሓይሽ እንተ ዀይኑ ሓሲብካ ትኸውን።

ሓዘን ምልክት ድኽመት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንሰብካ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትፈትዎ እዩ ዚሕብር። ይኹን እምበር፡ ካብቲ መሪር ሓዘንካ እተወሰነ እፎይታ ኽትረክብ ትኽእል ዲኻ፧

ገሊኦም ብኸመይ ከም ዝኸኣልዎ

ስቓይካ መወዳእታ ዘይብሉ ኺመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ዚስዕብ ሓሳባት ግና ኬደዓዕሰካ ይኽእል እዩ፦

ንሓዘንካ ግዜ ሃቦ

ኵሉ ሰብ ብሕደ መገዲ ወይ ብሕደ ንውሓት ግዜ ኣይኰነን ዚሓዝን። ይኹን እምበር፡ ሓዘንካ ምእንቲ ኺወጸልካ፡ ብኽያት ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ቫነሳ፡ “እበኪ ነይረ፣ ስቓየይ ከውጽኦ ነይሩኒ” ትብል። ሓብታ ብሃንደበት ዝሞተታ ሶፊያ ኸኣ፡ “ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ምሕሳብ፡ ንዝረኸሰ ቝስሊ ኸፊትካ ኸም ምጽራይ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ ነይሩ። እቲ ስቓይ ዳርጋ ዘይጽወር እዩ ነይሩ፡ ቍስለይ ኪሓዊ ግና ኣኽኢሉ እዩ” ትብል።

ብዛዕባ ሓሳባትካን ስምዒታትካን ተዛረብ

ሓድሓደ ግዜ፡ በይንኻ ኽትከውን ትደሊ ትኸውን። ንሓዘን በይንኻ እንተ ተሰኪምካዮ ግና፡ ከቢድ ጾር እዩ ዚዀነካ። ኣቦኡ ዝሰኣነ ጃረድ ዝስሙ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ “ብዛዕባ ስምዒታተይ ንኻልኦት ተዛሪበ። እቲ ዝበልክዎም እንተ ተረዲእዎም እኳ እንድዒ፣ ሓሳባትካ ኽትገልጽ ምኽኣል ግና ጽቡቕ እዩ” ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ። ኣብ መኽፈቲ ዓንቀጽ እተጠቕሰት ጃኒስ ድማ፡ “ንኻልኦት ምዝራብ ዓብዪ መጸናንዒ እዩ። ከም እተረድኡኒ እዩ ተሰሚዑኒ፣ በይነይ ከም ዝዀንኩ እውን ኣይተሰምዓንን” ብምባል ካልእ ጥቕሚ ትገልጽ።

ሓገዝ ተቐበል

ሓንቲ ሓኪም፡ “እቲ ንፈተውቱን ንኣዝማዱን [ኣብቲ] ናይ ፈለማ እዋን [ስምባድ] ኪሕግዝዎ ዚፈቅድ መቕርቡ ዝሞቶ ሰብ፡ ነቲ እተፈላለየ መድረኻት ሓዘን ብቐሊሉ ይሰግሮ እዩ” ትብል። ንፈተውትኻ ብኸመይ ኪሕግዙኻ ኸም ዚኽእሉ ኣፍልጦም፣ ኪሕግዙኻ እናደለዩ፡ እንታይ ከም ዚገብሩ ይጠፍኦም እዩ።—ምሳሌ 17:17።

ንኣምላኽ ብዝያዳ ቕረቦ

ቲና ኸምዚ ትብል፦ “ሰብኣየይ ብሃንደበት ብሕማም መንሽሮ ምስ ሞተ፡ መኻፍልቲ ምስጢረይ እየ ስኢነ። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ኵሉ እነግሮ እየ! መዓልቲ መዓልቲ፡ ነታ ዕለት ንምስጋራ ኺሕግዘኒ ብምልማን እየ ዝጅምር። ኣምላኽ፡ ዘርዚረ ኽውድኦ ብዘይክእል መገድታት ሓጊዙኒ እዩ።” ኣዲኣ ኽትሞታ ኸላ ጓል 22 ዓመት ዝነበረት ታርሻ ድማ፡ “ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ምንጪ መጸናንዒ ዀይኑለይ ነይሩ። ካብኡ ዜተባብዕ ሓሳብ እረክብ ነይረ” ትብል።

ንትንሳኤ ብኣእምሮኻ ስኣሎ

ቲና ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ፈለማ፡ ተስፋ ትንሳኤ ኣየጸናንዓንን፣ ስለምንታይሲ፡ ንዓይ ሰብኣየይ ሽዑሽዑ እዩ ዜድልየኒ ነይሩ፡—ንደቀይ እውን ኣቦኦም ሽዑሽዑ እዩ ዜድልዮም ነይሩ። ሕጂ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ግና፡ ነቲ ተስፋ ኣጥቢቐ እየ ዝሕዞ። ከም ገመድ መድሓን ነፍሲ እዩ ዀይኑለይ። ነቲ ንዕኡ ዝርእየሉ እዋን ብኣእምሮይ እስእሎ እየ፣ እዚ ድማ ብዙሕ ሰላምን ሓጐስን የምጽኣለይ እዩ።”

ልክዕ እዩ፡ ካብ ሓዘንካ ብኡብኡ እፎይታ ኣይትረክብን ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ቫነሳ ኸምዚ ዚስዕብ ኢላ እተዛረበቶ ምፍላጥካ የጸናንዓካ ይኸውን፦ “ከቶ ዘይስገር እዩ ዚመስለካ፣ ግናኸ፡ ብሩህ መዓልትታት ክትርኢ ኢኻ።”

ዋላ እኳ እቲ ኣብ ልብኻ ዚስምዓካ ባዶነት እንተ ዘይጠፍአ፡ ብህይወት ምንባር ከም ዚሓይሽ ኣይትረስዕ። በቲ ኣምላኽ ብለውሃቱ ዚህበካ ሓገዝ፡ ሕጂ ምስ ሰባት ጽቡቕ ዕርክነት ከተስተማቕርን ኣብ ህይወትካ ዕላማ ኺህልወካን ይኽእል እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንምዉታት ኬተንስኦም እዩ። ንእትፈትዎ ሰብካ ዳግም ክትሓቍፍ ይደልየካ እዩ። ሽዑ፡ እቲ ኣብ ልብኻ ዚስምዓካ ዘሎ ስቓይ ንሓዋሩ ኺፍወስ እዩ።

ኪሕግዝ ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣምላኽ ብዛዕባ ሓዘንካን ንብዓትካን ይግደስ እዩ።

ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ከምዚ ኢልዎ እዩ፦ “ንንብዓተይ ኣብ ሓርብኻ ኣክቦ። ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተመዝገበን፧”—መዝሙር 56:8።

ኣብ ልብኻ ዘሎ ንኣምላኽ ከተፍስሰሉ ትኽእል ኢኻ።

“ኣብ ቅድሚኡ [ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ] ብዛዕባ ጭንቀይ እነግር ኣለኹ። . . . ኦ የሆዋ፡a ናባኻ እምህለል ኣለኹ።”—መዝሙር 142:2, 5።

ተስፋ ኺህልወካ ይኽእል እዩ።

“ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]።”—ግብሪ ሃዋርያት 24:15።

ኣምላኽ ንኣዝዮም ብዙሓት ምዉታት ከም ዜተንስእ ኣተስፍዩ ኣሎ፣ ንምትንሳኦም እውን ሃረር ይብል እዩ።b—እዮብ 14:14, 15፡ እግረ ጽሑፍ።

a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

b ብዛዕባ ትንሳኤ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 30 ርአ። ካብ www.pr418.com/ti እውን ብናጻ ኸተራግፋ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ