ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 3 ገጽ 12-13
  • ከመይ ገይሩ እዩ ዝሓሸ ህይወት ኪህልወካ ዚኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከመይ ገይሩ እዩ ዝሓሸ ህይወት ኪህልወካ ዚኽእል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ነዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ናብቲ ንሱ ዝሓለኖ ኺመልሶ ኣተስፍዩ ኣሎ
  • የሱስ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ብኸመይ ከም ዚጠቕሞም ኣርእዩ
  • ነታ ናብ ዝሓሸ ህይወት እትወስድ መገዲ ምርካባ
  • ኣብ ጕዕዞኻ ቐዳማይ ስጕሚ ሰጕም
  • ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ኣምላኽ እንታይ ኪገብር እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ወትሩ “ንዕኡ ስምዕዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 3 ገጽ 12-13
ሓደ ኻብቶም ኣቐዲሞም እተራእዩ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ

ከመይ ገይሩ እዩ ዝሓሸ ህይወት ኪህልወካ ዚኽእል፧

ሎሚ ህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዝሓለኖ ኣይኰነትን። ምድሪ በቶም ንልዑላውነት ፈጣሪ ዜኽብሩ፡ ካብ መምርሒኡ ዚጥቀሙ፡ ንፍቕሩን ንኻልእ ባህርያቱን ዜንጸባርቑ ሰባት ክትምላእ ነይርዋ። ንሳቶም እውን ንሓድሕዶም ብታሕጓስ እናተሓባበሩ ስድራ ቤታት ኬቝሙን ሓድሽ ነገራት ኪረኽቡን ንዅላ ምድሪ ገነት ኪገብርዋን ነይርዎም።

ኣምላኽ ነዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ናብቲ ንሱ ዝሓለኖ ኺመልሶ ኣተስፍዩ ኣሎ

  • “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”—መዝሙር 46:9።

  • “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ እውን እተጥፍኣሉ ምዱብ ግዜ መጺኡ።”—ራእይ 11:18።

  • “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24።

  • “ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም።”—ኢሳይያስ 65:22።

እዚ ትንቢታት እዚ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ንጉስ ሓንቲ መንግስቲ ኪኸውን ሸይምዎ ኣሎ፣ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ሰማይ ኰይና ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትገዝእ ፍጽምቲ መንግስቲ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ይጽውዓ። (ዳንኤል 2:44) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ኪዛረብ ከሎ፡ “ኣምላኽ ድማ ዝፋን . . . ኪህቦ እዩ፣ ንሱ ኸኣ . . . ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ” ኢሉ ኣሎ።—ሉቃስ 1:32, 33።

የሱስ ገዛኢ ምስ ኰነ ንህይወት ሰብ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ኣጸቢቑ ኸም ዜመሓይሾ ምእንቲ ኼርኢ ኢሉ፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሕ ተኣምራት ገይሩ እዩ።

የሱስ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ብኸመይ ከም ዚጠቕሞም ኣርእዩ

  • ኵሉ ዓይነት ሕማም ኣሕውዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ጸገማት ጥዕና ኻብ ደቂ ሰብ ከም ዜርሕቕ ኣርእዩ።—ማቴዎስ 9:35።

  • ባሕሪ ኣህዲኡ፣ በዚ ኸምዚ፡ ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ብምቍጽጻር ንደቂ ሰብ ከም ዜዕቍቦም ኣርእዩ።—ማርቆስ 4:36-39።

  • ንኣሽሓት መጊቡ፣ በዚ ኸምዚ፡ ንደቂ ሰብ ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ከም ዜማልእ ኣርእዩ።—ማርቆስ 6:41-44።

  • ኣብ ሓደ መርዓ፡ ማይ ናብ ወይኒ ለዊጡ፣ በዚ ኸምዚ፡ ንደቂ ሰብ ብህይወቶም ኪሕጐሱ ኸም ዚድግፎም ኣርእዩ።—ዮሃንስ 2:7-11።

እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ነቲ ኣምላኽ ንዜፍቅርዎ ዘዳለዎ ህይወት ክትረክብ እትኽእል፧ ነዚ ንምርካብ፡ ብሓንቲ “መገዲ” ኽትመላለስ ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኣ፡ ‘ናብ ህይወት እትወስድ ሒደት ዚረኽብዋ መገዲ’ ኢሉ ይገልጻ።—ማቴዎስ 7:14።

ነታ ናብ ዝሓሸ ህይወት እትወስድ መገዲ ምርካባ

እታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ እንታይ እያ፧ ኣምላኽ፡ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 48:17) በዛ መገዲ እዚኣ እንተ ተመላሊስና፡ ብሉጽ ህይወት ይህልወና እዩ።

የሱስ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” ኢሉ ኣሎ። (ዮሃንስ 14:6) እምበኣር፡ ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ሓቅታት እንተ ኣሚንናሉን ነቲ ዝሓደጎ ኣብነት እንተ ስዒብናን፡ ንኣምላኽ ክንቀርቦን ገዛእ ርእስና ኽንጠቅምን ኢና።

ከመይ ጌርካ ኢኻ ነታ መገዲ ህይወት ክትረኽባ እትኽእል፧ ብዙሓት ሃይማኖታት እኳ እንተ ኣለዋ፡ የሱስ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ጥራይ ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ ኣይኰነን ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ” ኢሉ ኣጠንቂቑ እዩ። (ማቴዎስ 7:21) “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” እውን ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 7:16) መጽሓፍ ቅዱስ ኣየነይቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት፡ ኣየነይቲ ድማ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምዃና ኸነለሊ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—ዮሃንስ 17:17።

ከመይ ጌርካ ኢኻ በታ መገዲ ህይወት ክትመላለስ እትኽእል፧ ፈለማ፡ ነቲ ምንጪ ህይወት ክትፈልጦ ኣሎካ፦ ንሱ መን እዩ፧ ስሙ መን ይብሃል፧ ባህርያቱ እንታይ እዩ፧ እንታይ ይገብር ኣሎ፧ ንዓናኸ እንታይ ክንገብር ይደልየና፧a

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ኪሰርሑን ኪበልዑን ኪጻወቱን ቈልዑ ኼዕብዩን ጥራይ ኣይኰነን ዚደልዮም። ንፈጣሪና ኽንፈልጦን ኣዕሩኹ ኽንከውንን ንኽእል ኢና። ፍቓዱ ብምግባር ከኣ፡ ከም እነፍቅሮ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና። የሱስ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻ . . . ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 17:3።

ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ “ዚጠቕመካ” እዩ ዚምህረካ።​—ኢሳይያስ 48:17

ኣብ ጕዕዞኻ ቐዳማይ ስጕሚ ሰጕም

ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብኸመይ ባህ ከም እተብሎ ምስ ተምሃርካ፡ ለውጥታት ክትገብር የድልየካ ይኸውን። እዚ ኸቢድ ኪመስል ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ ግና፡ ከምቲ ዝዀነ ደስ ዜብል ጕዕዞ ብስጕሚ ዚጅምር፡ እዚ እውን ቀዳማይ ስጕሚ ብምስጓም እዩ ዚጅምር። ብዛዕባ ኣምላኽ ንዘሎካ መሰረታዊ ሕቶታት መልሲ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚጥዕመካ ግዜን ቦታን መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኺምህሩኻ ይኽእሉ እዮም። ብወብሳይትና፡ ማለት www.pr418.com/ti ኣቢልካ ኽትረኽበና ትኽእል ኢኻ።

a ግምቢ ዘብዐኛ፡ ቍ. 1 2019 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ