ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w19 ለካቲት ገጽ 31
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝሰበኹሉ ምኵራብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣኼባና ኣይንሕደግ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ዓበይቲ ግብርታት ገበረ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ክርስትና ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣስፋሕፍሐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
w19 ለካቲት ገጽ 31

ትፈልጥዶ፧

ኣብ ከተማ ጋምላ እተረኽበ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ምኵራብ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ምኵራብ፦ እዚ ምስሊ እዚ፡ ኣብ ንድፊ እቲ ኻብ ሰሜናዊ ምብራቕ ባሕሪ ገሊላ ኣስታት ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ከተማ ጋምላ እተረኽበ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ምኵራብ ተመርኲስካ እተዳለወ እዩ። ጥንቲ ዝነበረ ምኵራብ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ድማ ይሕብር

ምኵራብ ብኸመይ ጀሚሩ፧

እታ “ምኵራብ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ኣኼባ” ወይ “ምእካብ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። ምኵራባት ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣይሁድ ዚምሃሩሉን ኣምልኾኦም ዜካይዱሉን ቦታታት ኣኼባ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ስም እዚ ንዕኡ ዚበቅዕ መጸውዒ እዩ። ምኵራባት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብንጹር ተጠቒሱ ኣይርከብን እዩ፣ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. እዚ መአከቢ ቦታታት ዝውቱር ምንባሩ ግና፡ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብንጹር ተጠቒሱ ኣሎ።

መብዛሕትኦም ምሁራት፡ ምኵራባት ካብቲ ኣይሁድ ኣብ ምርኮ ባቢሎን ዝነበሩሉ ግዜ ኣትሒዙ ኸም ዝጀመረ እዮም ዚኣምኑ። ምስዚ ብእተተሓሓዘ፡ ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ ኸምዚ ይብል፦ “እቶም ምሩኻት ነታ ቤተ መቕደሶም ኪረኽብዋ ይኽእሉ ብዘይምንባሮም፡ ኣብ ዓዲ ጓና ኸኣ ካብ ጭንቆም መጸናንዒ ይደልዩ ብምንባሮም፡ በብግዜኡ፡ ምናልባት ኣብ ሰናብቲ ተኣኪቦም ቅዱሳት ጽሑፋት የንብቡ ነይሮም እዮም።” ኣይሁድ ካብ ምርኮ ሓራ ምስ ኰኑ፡ ኪጽልዩን ቅዱሳት ጽሑፋት ኬንብቡን ኢሎም ኣኼባ ምግባር ቀጸሉ፣ ኣብ ኵሉ እቲ ዚነብሩሉ ዓድታት እውን ምኵራባት ሰርሑ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ምኵራባት ኣብ ከባቢ መዲተራነያንን ኣብ ብዘሎ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ እስራኤልን ንዚርከቡ ማሕበረሰባት ኣይሁድ፡ ማእከል ሃይማኖታውን ማሕበራውን ህይወቶም ኰይኑ ነይሩ እዩ። ኣብ ናይ የሩሳሌም ዩኒቨርሲቲ እብራይስጢ ዜገልግል ፕሮፌሰር ሊ ለቪን ብዛዕባ እቲ ምኵራብ ዚህቦ ኣገልግሎት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንመጽናዕቲ፡ ንቕዱስ መኣዲ፡ ንመጋባእያ ፍርዲ፡ ንመቐመጢ ገንዘብ ማሕበረሰብ፡ ንፖለቲካውን ንማሕበራውን ኣኼባ ዜገልግል ቦታ እዩ ነይሩ” ኢሉ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ልክዕ እዩ፡ እቲ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ኣገዳስነት ነይርዎ እዩ” ኢሉ እዩ። የሱስ ናብ ምኵራባት ኣዘውቲሩ ይኸይድ ምንባሩ እምበኣር ኬገርመና የብሉን። (ማር. 1:21፣ 6:2፣ ሉቃ. 4:16) ኣብኡ ኸኣ ነቶም ተኣከብቲ ምሂሩን ምዒዱን ኣተባቢዑን እዩ። ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ቈመት እውን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ምኵራባት ብዙሕ ሰቢኹ እዩ። ብመንፈሳዊ ነገራት ዚማረኹ ሰባት ናብ ምኵራብ ይኸዱ ነይሮም እዮም፣ ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስ ናብ ከተማ ምስ ኣተወ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፈለማ ናብ ምኵራብ ከይዱ ኣብኡ ይሰብኽ ነይሩ እዩ።—ግብ. 17:1, 2፣ 18:4።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ