ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ትሑዛት ይገብረና
1 ዕላማ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንዕዮ ስብከትን ደቂ መዛሙርቲ ምግባርን ከነቓቕሓናን ትሑዛት ክንከውን ክገብረናን ኢዩ ። (2 ጢሞ . 3:17) ብግቡእ ንኣኼባ ዘይንዳሎ እንተኾይንና ወይ ድማ ነቲ ዝተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ዘይነውዕሎ እንተኾይንና ጥቕሙ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ ።
2 ኣቐዲምካ ምድላው ነቲ መምርሒ ብግቡእ ክትወስዶ ክሕግዘካ ኢዩ ። ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝውሰዱ ጽሑፋት ድገሞም: ክትከታተልን ሓሳብ ንምሃብ ምእንቲ ክትክእልን ድማ ምሳኻ ተማላኣዮም ። ጥንቁቕ ሰማዒ ኩን: ንኻልእ መዓልቲ ክጠቕመካ ድማ ነጥብታት ሓዝ ።
3 እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ነቶም ናይ አኼባ መደባት ክትንትኖም ኢዩ ። ክኢላታትን ብቑዓትን ሽማግለታትን ድያቆናትን ድማ ክዳለውሉ ክምዘዙ ኢዮም ። (ኣገልግሎትና ገጽ 70) ብዙሓት ሽማግለታትን ድያቆናትን ዘይብለን ጉባኤታት ክሕግዝወን ዝኽእሉ ብቑዓት ኣሕዋት ክምዝዛ ይኽእላ ኢየን ። (ናይ መንግስቲ አገልግሎትና ጥቅምቲ 1976 ሕቶ ሳጹን) ነፍሲ ወከፍ ተዛራቢ ምሉእ ብምሉእ ክዳለወሉን ንዝተዋህቦ መምርሒታት ከስተብህለሉን አለዎ ። ግዜ ከይወስድውን ክጥንቀቕ አለዎ ።
4 ዝበዝሕ ግዜ እቲ ኣኼባ ብምልክታ ኢዩ ዝጅምር ። እቲ እተመዘዘ ሓው ከጥቀሱ ዘድልዮም ነገራት ክህልው ስለዝኽእሉ ነቲ ተዓዛቢ ኣቐዲሙ ክራኸቦ ኣለዎ ። እቶም ምልክታታት ብዛዕባ ካብ ማሕበር ዝተላእኩ ደብዳቤታት: ናይ ኣገልግሎት ምትዕርራያት ወይ ድማ ወርሓዊ ጸብጻብ ክኸውን ይኽእል ። ምናልባትውን ብዛዕባ ክብጽሑ ዘድልዮም ሕሙማት ወይ ድማ ንመጻኢ ዝተመደቡ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ንሰምዕ ንኸውን። ሓበሬታ ክትሰምዕን እጃምካ ከተበርክትን ብጥንቓቐ ተኸታተል ።
5 ሓደ ክፍሊ ናይቲ ኣኼባ ተሳትፎ ናይቶም ተኣከብቲ ዘድልዮ ምስ ዝኸውን ነቶም ዝተጠቕሱ ጥቕስታት ብምንባብ ነቲ ትምህርቲ ተዳለወሉ ። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከመይ ጌርካ ክትምድብ ከም እትኽእል ሕሰብ። ንኻልኦት ንምትብባዕውን እንታይ ሓሳባት ከም እትህብ ሕሰበሎም ። ሓጺር ተመኩሮ ብምውሳኽ ቁም ነገር ናይቲ ትምህርቲ ከተብርሆ ትኽእል ኢኻ ።
6 ተዋስኦ ምስ ዝህሉ ንገዛእ ርእስኻ ኣብቲ ኩነታት ከም ዘሎኻ ስኣላ : እንታይ ክትብል ከም ዘሎካ ድማ ሕሰብ ። ነቶም ዝለዓሉ ክርክራትን ዝወሃቦም መልስን ኣስተብህለሎም ። ከምዚ ዓይነት ኩነታት ምስ ኣጋጠመካ ዝሃብካዮ መልሲ ክትዝክር ፈትን እሞ: ነቶም ኣብቲ ተዋስኦ ዝተላዕሉ ነጥብታት ብኸመይ ንመጻኢ ጽቡቕ ውጽኢት ክትረክብ ከም እትኽእል ክሕግዙኻ ሕስበሎም ።
7 እቶም ተዋሳእትን ቃለ–መጠይቅ ዝገብሩን ኣቐዲሞም ብግቡእ ክዳለዉ ኣለዎም ። ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ መድረኽ ምስ ወጸ እንታይ ክብልን እንታይ ክገብርን ከም ዘለዎ ክፈልጥ ኣለዎ ። ብዙሕ ምልምማድ ዘይተገብረሉ ክፍልታት ዝበዝሕ ግዜ ንሰማዕቲ ኣየለዓዕልዎምን ወይ አየበራትዕዎምን ኢዮም። ገሊኦም እቲ ናይ ግምቢ ዘብዕኛ መጽናዕቲ ምስ ተወድአ: ነቲ ወሲዶምዎ ዘለዉ ክፍሊ ኣብቲ መድረኽ ኰይኖም ምእንቲ ክለማመዱሉ ተዳልዮም ይመጹ እሞ: ነቶም ማይክሮፎን ዝሕዙ ኣሕዋት ድማ እቲ ዘድሊ ነገራት ምእንቲ ክቕረብ የፍልጥዎም።
8 ሓደ ሓደ ግዜ እቲ መደብ ፍልይ ዝበለ ነታ ጉባኤ ዘድልያ ወይ ድማ እዋናዊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጽ ዘጣመረ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብጥንቃቐ ስማዕ ነቲ ምኽሪ ኣብ ልብኻ ዕቖሮ ኣብ ግብሪ ድማ ኣውዕሎ ።
9 ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ’ ክንከውን ኢና እንደሊ ። (2 ጢሞ . 2:21) እቲ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ሓደ ካብቲ የሆዋ ነዚ ንምግባር ምእንቲ ክሕግዘና ኢሉ ዘዳለወልና ምስንዳእ ኢዩ ። ተኣማንነት ዘለዎ ተሳትፎን ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቅኑዕ ጻዕሪ ምርኣይን ‘ኣግልግሎትና ክንምልእ’ ብርግጽ ክሕግዘና ኢዩ ። — 2 ጢሞ . 4:5