ነቶም ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜቕርቡ ዚኸውን መምርሒ
ካብዛ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣትሒዝና፡ ኣብ መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት እንጥቀመሉ መምርሒ ዝቐለለ ኸም ዚኸውን ጌርናዮ ኣሎና። እዚ ዚስዕብ መምርሒታትን መዘኻኸሪታትን ነቲ ኣብ ናይ ግንቦት 2009 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ “ኣኼባ ኣገልግሎት እትዳለወሉ መገዲ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ዝወጸ ሓሳባት ዜመሓይሽን ዜነጽርን እዩ።
◼ መደረ፦ እዚ ኽፍሊ እዚ፡ ኣብቲ እተመደበ ጽሑፍ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ ዀይኑ፡ ሰማዕቲ ኣይሳተፉሉን እዮም። እቲ ተዛራባይ፡ ኣብቲ ነታ ጉባኤ ልዕሊ ዅሉ ዚጠቕማ ነጥብታት የተኵር።
◼ ሕቶታትን መልስታትን፦ እዚ ኽፍሊ እዚ ልክዕ ከም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣመና ሓጺር መእተውን መደምደምታን ዘለዎ ዀይኑ፡ ኣብ ኵሉ ሕጡብ ጽሑፋት እውን ሕቶታት ይሕተት እዩ። እቲ ዚመርሕ ሓው፡ ብዙሕ ሓሳብ ኪህብ የብሉን። ግዜ ኸም ዜፍቅዶ፡ ቀንዲ ጥቅስታት ኪንበብ ይከኣል እዩ። መምርሒ ኽሳዕ ዘይተዋህበ፡ ሕጡብ ጽሑፋት ኪንበብ የብሉን።
◼ ምይይጥ፦ እዚ ኽፍሊ እዚ፡ እተወሰነ ተሳትፎ ሰማዕቲ ዜጠቓልል መደረ እዩ። መደረ ጥራይ ኣይኰነን፣ ሕቶታትን መልስታትን ጥራይ እውን ኣይኰነን።
◼ መርኣያታትን ቃለ-መጠይቓትን፦ መርኣያ ንኺግበር መምርሒ ኺወሃብ ከሎ፡ እቲ ነታ ኽፍሊ ኬቕርብ እተመደበ ሓው፡ ኣብ ክፍሉ መርኣያ ኸም ዚቐርብ ንኺገብር ሓላፍነት ኣለዎ፣ እንተዀነ ግን፡ ናይ ግድን ንሱ ባዕሉ ነቲ መርኣያ ኬቕርቦ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። እቶም ኪሕግዝዎ ዚሓቶም ሰባት ክኢላታትን ኣብነታውያንን ኪዀኑ ኣለዎም፣ እንተ ተኻኢሉ ድማ፡ ኣቐዲሙ ኼዳልዎም ኣለዎ። ንገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብ መድረኽ ንምድያብ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኺረኽቡ ጥራይ ኢሉ፡ ዘይምኩራት ኣስፋሕቲ መርኣያ ኸም ዜቕርቡ ኺገብር ኣይግባእን፣ ልክዕ እዩ፡ ንገሊኦም ከም ሰብ ቤት ገይሩ ኺጥቀመሎም ይኽእል እዩ። መርኣያ ዜቕርቡ ኣስፋሕቲ፡ ንሰማዕቲ ዝባኖም ኪህብዎም የብሎምን። እቶም ቃለ-መጠይቕ ዚግበረሎም ክርስትያናት፡ ኣብ ኮፍ ዝበሉሉ ዘይኰነስ፡ ኣብ መድረኽ ደይቦም ኪሕተቱ ኣለዎም። መርኣያታትን ቃለ-መጠይቓትን፡ ልምምድ ኪግበረሉ ይግባእ። እቲ ኣኼባ ኻብቲ እተመደበሉ ሰዓት ይሓልፍ እንተ ኣልዩ እሞ፡ ክፍሊ ዜቕርብ ሓው ነቲ ኽፍሉ ኼሕጽሮ እንተ ኣድልዩ፡ መርኣያታት ወይ ቃለ-መጠይቓት ካብ ምስራዝ ኪቝጠብ ኣለዎ። ኣገልገልቲ ጉባኤ ንመርኣያ ወይ ንቓለ-መጠይቕ ዚኸውን ሰብ ቅድሚ ምምራጾም፡ ንኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ወይ ንኻልእ ሽማግለ ኼማኽሩ ኣለዎም።
ፍሉይ መምርሒ ዘለዎ ኽፍሊ እንተ ተዳልዩ፡ እቲ መምርሒ ብጥንቃቐ ኺሰዓብ ኣለዎ። ኣሕዋት ነቲ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚቐርብ ክፍልታት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ገይሮም እንተ ኣቕሪቦምዎ፡ ኣኼባታት ኣገልግሎት “ብስርዓትን በጋባብን” ንኪኸውን ኣበርክቶ ኺገብሩ እዮም።—1 ቈረ. 14:40።