ሕቶ ሳጹን
◼ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣብቲ እተመደበሉ ግዜ ንኽውዳእ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
ንፈተውትና ሓደ ጽቡቕ ነገር ከነካፍል ከለና ግዜ በሪሩ እዩ ዝሓልፍ። በዚ ምኽንያት እዚ: ነቲ ኣብ ኣኼባ እተቕርቦ ኽፍሊ ኣብቲ እተመደበሉ ግዜ ምውዳእ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ንምግባር እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧
ኣብ ሰዓትካ ጀምር። ኵሎም እቶም ኣባላት ጉባኤ ብሓባር ኣብ ዝእከቡሉ እዋን: እቲ ኣኼባ ኣብቲ እተመደበሉ ግዜ በገባብ ምእንቲ ኽጅምር: ሓደ ወይ ክልተ ደቒቕ ኣቐዲምካ ነቶም ሰማዕቲ ኣብ በቦታኦም ኮፍ ክብሉ ኽትነግሮም ትኽእል ኢኻ። (መክ. 3:1) ከም ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ዝኣመሰለ ሒደት ሰባት ጥራይ ዝእከቡሉ ኣኼባታት ነቶም ደንጕዮም ዝመጹ ንምጽባይ ተባሂሉ ደንጒኻ ኽጅመር የብሉን።
ብዝግባእ ተዳሎ። ሓደ ኻብቲ ብሰዓቱ ጀሚርካ ብሰዓቱ ንኽትውድእ ዘኽእለካ ረቛሒ እቲ እትገብሮ ምድላው እዩ። ዕላማ እቲ እተዋህበካ ኽፍሊ ንጹር ይዅነልካ። ቀንዲ ነጥብታት መምይ: ነዚ ድማ ኣጕልሓዮ። ኣብ ንኣሽቱ ዝርዝር ነጥብታት ኣይተተኵር። ነቲ ኣቀራርባኻ ቐሊል ግበሮ። እቲ ኽፍልኻ መርኣያታት ወይ ቃለ-መጠይቓት ዘጠቓልል እንተ ዀይኑ: ብዝግባእ ተለማመደሉ። ብእተኻእለካ መጠን ሰዓት እናረኣኻ: ዓው ኢልካ ተለማመደሉ።
ንኽፍልኻ መቓቕሎ። ክፍልኻ እተቕርበሉ መገዲ ብዝርርብ ኰነ ምስ ሰማዕቲ ብዝግበር ምይይጥ ብዘየገድስ: መቓቒልካ ምሓዙ ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝመቓቐልካዮ ኽፋል ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኸም እተሕልፍ ወስን: ነዚ ድማ ኣብ ሕድጋት እቲ ኽፍሊ እተቕርበሉ ወረቐት ጸሓፎ። ድሕሪኡ ኽፍሊ ኸተቕርብ ከለኻ: ግዜኻ ተቘጻጸር። ምስ ሰማዕቲ ኣብ ዝግበር ምይይጥ: ኣብ መእተዊ ኽፋል ብዙሕ ሓሳባት እንተ ተቐቢልካ: ደሓር ዝያዳ ርዝነት ኣብ ዘለዎ ጕዳይ ጐዪኻ ኽትሓልፎ ስለ ዝዀንካ: ካብ መጀመርታ ተጠንቀቕ። ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝመርሑ ኣሕዋት ነቲ ኣብ መወዳእታ ዝርከብ ናይ ድግማ ሳጹን ዝኸውን እኹል ግዜ ኽገድፉ ኣለዎም። ነቲ ንመዕጸዊ መዝሙርን ጸሎትን እተመደበ ግዜ ኸይወስድዎ ድማ ክጥንቀቑ ኣለዎም።
ኣብ ሰዓትካ ወድእ። ኣብ ከም ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኽፍልታት ዘለዎ ኣኼባ: ነፍሲ ወከፍ ተዛራባይ ክፍሉ ዝጅምረሉን ዝውድኣሉን ሰዓት ኣጸቢቑ ኽፈልጥ ኣለዎ። እቲ ኣኼባ ኻብቲ እተመደበሉ ግዜ ይሓልፍ እንተልዩ እንታይ ክግበር ይከኣል፧ እቶም ነቲ ዝተረፈ ኽፍልታት ዝመርሑ ኣሕዋት ኣብ ቀንዲ ነገራት ብምትኳርን እተወሰነ ዝርዝር ሓሳባት ብምሕዳግን ግዜ ክቝጥቡ ይኽእሉ። ከምዚ ምግባር መለለዪ ሓደ ንፉዕ መምህር እዩ።
እቶም ሰማዕቲ ዘበልና እውን: እንህቦ ሓሳባት ሓጺርን ኣብቲ ነጥቢ ዘተኰረን ብምግባር ነቲ ዝመርሕ ሓው ክንሕግዞ ንኽእል ኢና። እምበኣር: ኵላትና ኣኼባታትና “ብስርዓትን በጋባብን” ንኽካየድ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 14:40