ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/94 ገጽ 13-14
  • ኣቓልቦኻ ከየዘንበልካ ንየሆዋ ኣገልግሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቓልቦኻ ከየዘንበልካ ንየሆዋ ኣገልግሎ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከየስገልካ ንየሆዋ ኣገልግሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መዘንበሊታት ብምውጋድ —ነቒሕናዶ ኣሎና፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • “እተዳሎኹም ኩኑ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ‘ኣዚና ነቕልብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 4/94 ገጽ 13-14

ኣቓልቦኻ ከየዘንበልካ ንየሆዋ ኣገልግሎ

1 “እቲ [የሆዋ ትሓዓ] ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ።” (መዝ. 144:15) እዘን ናይ ንጉስ ዳዊት ቃላት ኣብዚ እኩይ መዓልትታትውን ከይተረፋዶ ሓቂ ኢየን ? (ኤፌ. 5:16) እወ: ክርስትያናት ንየሆዋ ከገልግሉ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዖም ። ኩሉ ግዜ ነገራት ቀለልቲ ኣይኮኑልናን እዮም ። ሰይጣን ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ጸገማት የምጽኣልና ኢዩ ። ልብና ግን ኣይድቆስን ኢዩ ። (2 ጢ⁠ሞ . 3:​1, 2) እቲ ኩነታት ኣዝዩ እናኸፍአ ምኻዱ መንግስቲ ኣምላኽ ነዛ እናበስበሰት ትኸይድ ዘላ ዓለም አጥፊኣ በታ ጽርይቲ ሓዳስ ዓለም ክትትክኣ ቀሪባ ምህላዋ ዝያዳ መረጋገጺ እዩ ። (2 ጴ⁠ጥ .  3:13) እቲ ጸልማት ናይዛ ዓለም እዚኣ ነቲ ሃልሃል ዝብል ዘሐጕስ ተስፋና ኣየደብዝዞን ወይ ኣየጥፍኦን ኢዩ ። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ናይታ መንግስቲ ተስፋና ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ኣዝዩ ደሚቑ ከምዘንጸባርቕ ኢዩ ዝገብሮ ። ኣብዛ ጸልማት ዓለም ከም ብርሃን ኰይንካ ንየሆዋ ከተገልግልሲ ኣየሐጕሰካንዶ?​—⁠ፊል. 2:⁠15.

2 ከም ውልቀሰብ ንየሆዋ ከመይ ጌርና ከነገልግሎ ከም ዘሎና ኩሉ ግዜ ክንጥቀቕ ይግብኣና ። ስለምንታይ ? ምኽንያቱ ሰይጣን እቲ ዝዓበየ ኣቓልቦ ዝስሕብ ኢዩ ። ሓንቲ መዝገበ ቃላት ነታ “ኣቓልቦ ኣዘንበለ (ዲስትራክት)” እትብል ቃል “ምጥዋይ” “ኣብ ሓደ ጊዜ (ናይ ሓደ ሰብ ኣቓልቦ) ናብ ካልእ ነገር ወይ ናብ ካልእ መገድታት ምስሓብ ወይ ምምራሕ” “ብዝጋጨዉ ስሚዒታት ወይ ድራኼታት ምልዕዓል ወይ ምድንጋር” ኢሉ ይገልጻ ። ካብታ ናብ ምድሪ ዝተደርበየላ ግዜ ኣትሒዙ ሰይጣን ንወዲ ሰብ ‘ብምስሓት’ ተዓዊቱ ኢዩ ። ናይ ሰባት ኣተሓሳስባ ካብቲ ሓቀኛ ክርክር ንምልጋስ ብዙሓት ሜላታት ይጥቀም ። (ራእ. 12:⁠9) ምንም እኳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሚእቲ ዓመት ዝኣክል ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ገዛእ ርእሶም እንተወፈዩ: ነቲ ብመንግስቲ ኣምላኽ ዝምለሽ ብዛዕባ ምቅዳስ ስም ኣምላኽን ምርግጋጽ ሓቅነት ሉኣላዊነቱን እተላዕለ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክርክር ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኢዮም ዝርድእዎ? ብተዛማዲ ውሑዳት ኢዮም ። (1 ዮ⁠ሃ .  5:19) ሰይጣን ንቢልዮናት ሰባት ኣቓልቦኦም ከዘንብል ካብ ከኣለ እቲ ካብ ቀደም ዝጸንሐ ሓደገኛ ነገር ኰይኑ ዘሎ ንዓናውን ንየሆዋ ካብ ምግልጋል ከነቋርጽ ከዘንብለና ወይ ድማ ንኣተሓሳስባና ክማርኽ ይኽእል ምዃኑ እዩ ። ዘሕዝን ገለ ኣሕዋትና በቲ ናይ ሰይጣን ኣቓልቦ ዘዘንብል ነገራት ተደናጊሮም ኢዮም። ኣእምሮኦም ካልእ ኣንፈት ክሕዝ ፈቒዶምሉ ። ሎሚ ኣቓልቦኻ ዘዘንብሉ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ ። እስከ ንገለ ካብኣቶም ንርኣዮም ።

3 ቁጠባዊ ጸገምን ፍቕረ ንዋይን:- ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ስራሕ ኣልቦነትን ናይ ናብራ ክብርን ጭንቀት ይፈጥሩ ኣለው ። ልክዕ’ዩ ንዓናን ንስድራናን ዝኸውን መግቢ: ክዳንን መዕቆብን ክንቅርብ ኣሎና ። ግን እቶም ንህይወት ዘድልዩ መሰረታውያን ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ከጨኑቑና ምስ እንፈቕደሎም ንኣተሓሳስባና ክቆጻጸርዎ ኢዮም ። ነቲ ክርክር ናይታ መንግስቲ ደገፍና ኣብ ክንዲ ምሃብ ኣብ ህይወትና ስጋዊ ድሕነትና ከም ቀንዲ ነገር ክንርእዮ ንኽእል ኢና ። ነዚ ብዝምልከት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን 13:5, 6 ምኽሪ ይህብ እዩ ። የሱስ ክርስቶስ እቶም ንድላይ ናይታ መንግስቲ ከቐድሙ ዝደልዩ ከም ዘይጭነቑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ ። እቶም ናይ ብሓቂ ዘድልዩና ነገራት የሆዋ ይህበና ኢዩ ። (ማቴ. 6:​25-34) ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ፓይነራትን ካልኦት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን እዚ ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጾሞ ኢዮም ።

4 ናይ ሰይጣን ዓለም ፍቕረ ንዋይ ኢያ እተቐድም። ኣብ ሚልዮናት ሰባት እቲ ደራኺ ሓይሊ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ሃብቲ ምእካብን ንእኡ ምሕላውን ኢዩ። ዝተመሳሰሉ ኣቓልቦኻ ዝስሕቡ ነገራት ኣብ ግዜ የሱስ ነይሮም ኢዮም። ሓደ ሃብታም መንእሰይ ገዛኢ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽወርስ እንታይ ክገብር ከም ዘድልዮ ንየሱስ ሓተቶ። የሱስ “ፍጹም [ወይ ምሉእ] ክትከውን እንተ ደሌኻስ ኪድ: ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ: ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ: ንዓ ሰዓበኒ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ. 19:​16–23) ብርግጽ ነዚ መንእሰይ እቲ ዝነበሮ ስጋዊ ሃብቲ ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍሱ ንኸየገልግሎ ኣዝቢልዎ ኢዩ። ልቡ ናብ ሃብቱ ኣቢሉ ኣቕነዐ። እቲ መንእሰይ ካብዚ ጾር እዚ ገዛእ ርእሱ ናጻ እንተ ዝገብራ ከም ዝጥቀም የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ናብ ኣምላኽ ዝገብሮ ወፈያ ምሉእ ከይከውን ከልኪልዎ ኢዩ። ንስኻኸ? ነቲ ዝለመድካዮ ዓይነት ኣነባብራ ምእንቲ ክትዕቅብ ኢልካስ ነዊሕ ሰዓታትዶ ዓለማዊ ስራሕ ትሰርሕ ኢኻ? እዝስ ነቲ ናብ የሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎትካዶ ተንኪፍዎ ኢዩ? ስጋዊ ሃብትኻዶ ነቲ ኣብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ክትውፍዮ ዝግብኣካ ግዜን ጉልበትን ክሳዕ እትስእን የጻብበልካ ኢዩ። (ማቴ. 6:​24) ዝበዝሕ ግዜኻ ናብ መንፈሳዊ ጥቕምታት ምእንቲ ክትውፍዮስ ኣነባብራኻ ከተቕልሎዶ ምኸኣልካ?

5 መዓልታዊ ጉዳያት ኣብ ናብራ ህይወት:- ጥንቁቓት እንተዘይኮይንና ኣብቶም ኣብ ናብራ ህይወትና ዘለዉ መዓልታዊ ጉዳያት ኣዚና ብምጥሓል ንመንፈሳዊ ነገራት ሸለል ምባል ክንጅምር ንኽእል ኢና። ነቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ዘክርዎም። ብማሕበራዊ ጉዳያት ኣዝዮም ትሑዛት ኢዮም ነይሮም። ይበልዑን ይሰትዩን ይምርዓዉን ንደቆም ከኣ የመርዕዉን ስለ ዝነበሩ ነቲ ኖህ ብዛዕባ እቲ ቀሪቡ ዝንበረ ማይ ኣይሂ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ግዱ ኣይገበሩን። ከየስተውዓልዎ ድማ ማይ ኣይሂ መጺኡ ንኹሎም ጸራሪጉ ኣጥፈኦም። ኣቓልቦኻ ምዝንባል ጥፍኣት ኣስዒቡሎም። የሱስ “ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ” በለ። (ማቴ. 24:​37–39) ሎሚውን ሰባት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወት ኣዝዮም ትሑዛት ብምዃኖም ነቲ እንነግሮም ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣየድህብሉን ኢዮም። ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ስለ ዘይብሎም ግዲ ኣይገብሩሉን ኢዮም።

6 ህይወትካ ነቲ መንፈሳዊ ነገራት እትህቦ ኣቓልቦ እናወሓደ–እናወሓደ ክሳዕ ዝኸይድ በቲ ማሕበራዊ ንጥፈታትዶ ትጻበብ ኢያ? ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ ኣብ ገዛ እንዳ ማርታን ማርያምን ተዓዲሙ ነበረ። ማርያም ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ጽን ኢላ ትሰምዖ ነበረት። በቲ ሓደ ወገን ድማ ማርታ “ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር: ነበረት።” ማርታ ንፍዕቲ ተቐባሊት ጋሻ ክትከውን ካብ መጠን ዝሓለፈ ተገዳስነት ነበራ። ንየሱስ ክትሰምዖ ግዜ የድልያ ከም ዝነበረ ኣይተገንዘበትን። ሕያውነት ብዝመልኦ መገዲ ገይሩ ሰፊሕ ምድላው ምግባር ኣድላዪ ከም ዘይነበረን ዝያዳ ኣቓልቦ ድማ ንመንፈሳዊ ነገራት ክወሃቦ ከም ዝግባእ ሓበረላ። ንስኻኸ ነዚ ምኽሪ እዚ ክትሰርሓሉዶ የድልየካ ኢዩ? (ሉቃ. 10:38–42) የሱስ ስሚዕትና ክሳዕ ዝድንዝዝ ልዕሊ ዓቕምና: ምእንቲ ከይንበልዕን ከይንሰትን ኣብ ገዛእ ርእስና ከነስተብህል ኣጠንቂቑና ኣሎ። ኣብዚ ኣብ ታሪኽ ናይ ወዲ ሰብ ዝኸፍአ ሰዓት እዚ: መሊእና ንቑሓት ክንከውን የድልየና። — ሉቃ. 21:​34–36

7 ደድሕሪ ተድላ ምስዓብ:- ሓደ ካብቲ ድያብሎስ ነቲ ክርክር ናይታ መንግስቲ ከይነስተብህለሉ ዝጥቀመሉ ዝዓበየ ኣቓልቦና ዝስሕበሉ ነገር ደድሕሪ ተድላ ምስዓብ ኢዩ። ሚልዮናት ኣብ ህዝበ ክርስትያን ንተድላ ኣብ ቦታ ኣምላኽ ኣቐሚጦማ ኣለዉ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዕቱብ ተገዳስነት ካብ ምግባርሲ ብገለ መዘናግዒ ክግረሙ ኢዮም ዝመርጹ። (2 ጢ⁠ሞ.  3:​4) ልክዕ’ዩ ጥዑይ ምዝንጋዕን መዘናግዕን ብገዛእ ርእሶም ጌጋ ኣይኮኑን። ግን ንተሌቪዥን: ሲነማ: ቪድዮ: ስፖርት: ዓለማዊ ንባብን ወይ ድማ ኣብ ንመሕለፍ ግዜ ዝግበር ንጥፈታት ኣብ ሰሙን ብዙሕ ሰዓታት ነሕልፍ እንተኾይንና ነቲ ጎራሕ ልብና ክዓብን ካብ የሆዋ ከርሕቐናን ከነፍቅደሉ ኢና። (ኤር 17:​9 ፣ እብ 3:​19) እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል? ኣብ ግዜ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምናልባት ኣእምሮኻ ይኹብልል ይኸውን ወይውን እቲ ኣኼባ ቀልጢፉ ተወዲኡ ተመሊስካ ደድሕሪ ተድላ ክትስዕብ ትምነ ትኸውን። ሽዑ ናብ ኣኼባታት ኣብ ክንዲ ምኻድ ወይ ናብ ግራት ኣገልግሎት ክንዲ ምስታፍ ኣብ ገዛኻ ምእንቲ ክትተርፍ መመኽነይታታት ክትደሊ ትጅምር። እዞም እትከታተሎም ዘሎኻ ኣብ ህይወትካ ኣቓልቦኻ ዘዝብሉኻ እንተኾይኖም: ግልጺ ዝኾነ ውሳኔ ክትገብረሉ ዝግብኣካ ግዜ ሕጂ ኢዩ። (ሉቃ. 8:​14) ቁሩብ ካብቲ ንመዘናግዒ ዝጠፍእ ክቡር ግዜስ ብዝበለጸ ንመንፈሳዊ ምዕብልናዶ ከገልግል ኣይምኻኣለን።

8 ግዜ ዝቐትሉ ጎናዊ ነገራት:- ገሊኦም ኣብቲ ልሙድ ጸገማት ናይዚ ዘመናዊ ማሕበረሰብ ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ትሑዛት ኮይኖም ይርከቡ ኣለዉ። ክርስትያናት ካብቲ ብዛዕባ ማሕበራዊ ክርክራት ዝግበር መወዳእታ ዘይብሉ ክትዓት ወይ ድማ አብቲ በደላት ንምዕራይ ዝግበር ፍረ ዘይብሉ ቃልስታት ናይዛ ዓለም እዚአ ከይኣትዉ ክጥንቀቑ ኣለዎም። (ዮሃ. 17:​16) ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ክፍሊ ናይቲ ናብ ምኽሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ከምኡውን ነባሪ መፍትሒ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ ዝብል መሰረታዊ ሓቅን ምእንቲ ከይነስተብህል ኢሉ ሰይጣን ዘዳለዎ ምህዞ ኢዩ። ብገለ በደል ወይ ኣድልዎ እንተ ተሳቐና: ቂመኛታት ወይ ድማ ብስሚዒትና ዝተበሳጨና ኮይንና ናይ የሆዋ መሰኻኻር ምዃንና ከይንርስዕ ክንጥንቀቕ ይግብኣና። እቲ ልዕሊ ኹሉ ዝተበደለ የሆዋ ኢዩ። ስሙ ኸኣ ኢና ክንቅድስ ዝግብኣና። — ኢሳ. 43:​10–12፣ ማቴ. 6:​9

9 ምንም እኳ ኵላትና ጽቡቕ ጥዕና ክህልወና ንደሊ እንተ ኾንና ናብቶም ዝወሃቡ ዘለዉ መወዳእታ ዘይብሎም ክልሳ ሓሳባትን ፈውስታትን ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ እንሓሊ ብዛዕባ ጥዕና ጭኑቓት ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ሎሚ ካብ ናይ ቀደም ንላዕሊ ብዛዕባ ዝተመጣጠነ መግብን ሕክምናን ንኣካላውን ስምዒታውን ሽግራት ፍወሳን ዝጣባቑ ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ንሓድሕዶም ዝጋጨዉ ኢዮም። ሓደ ሰብ ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ክሳዕ ዘይተጋጨወ ንጥዕና ዝምልከቱ ጉዳያት ዝገብሮም ውሳነ ብሕታዊ ኢዩ። ንኹሉ ናይ ወዲ ሰብ ሕማም ናይ ሓቂ ፈዋሲት መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ዘሎና ምሉእ እምነት ነጽንዓዩ። — ኢሳ. 33:​24፣ ራእ. 21:3, 4. 

10 ጽኑዓትን ዘይትነቓነቑን ኩኑ:- መወዳእታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን ካብቲ ኣገልግሎት የሆዋ ከዝብለና ሰይጣን ጻዕሩ ክውስኸሉ ኢዩ። “ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።” (1 ጴ⁠ጥ.  5:​9) ከመይ ገይርና? ንገዛእ ርእስና ብናይ ኣምላኽ ሓሳባት ክንምግቦ ኣሎና። (ማቴ. 4:​4) እቲ ኣቓልቦኻ ዘዘንብል ነገራት ናይዛ ዓለም እዚኣ ካብቲ ንምስትንታንን ንቓል ኣምላኽ ብትኽክል ከነንጸባርቖን ንዓናን ንቤተሰብናን ዘድልየና ግዜ ክሰርቀና ክንፈቕደሉ የብልናን። ኣብቲ ብስድራ ኮይንኩም እትእከብሉ ግዜ ብሓባር ኮይንኩም ብዛዕባ ዝሃንጹን ካልእ መንፈሳዊ ነገራትን ተዘራረቡ። ኣብቲ ዘይለዋወጥ ብሕታዊ መጽናዕትን ናይ ኣኼባታት ምድላው መደብኩምን ጽንዑ።

11 ዘጨንቑ ኵነታት ነእምሮኻ ዕረፍቲ ምስ ዝኸልእዎ ጾርካ ብጸሎት ናብ የሆዋ ደርብዮ። ንሱ ከም ዝሓልየልካ ርግጸኛ ኹን። (1 ጴ⁠ጥ.  5:​7) እቲ ሰላም ኣምላኽ ንልብኻን ሓሳብካን ይሓልዎ። (ፊሊ. 4:​6, 7) ኣቓልቦ ዘዘንብል ነገራት ነቲ መንፈሳዊ ኣረኣእያኻ ጽልግልግ ከብሎ ኣይትፍቀደሉ። ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ኵሉ ግዜ ንየሆዋ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮ። (ግብ. 2:​25) ከምቲ ምሳሌ 4:​25–27 “ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርኣያ: ቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ። ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ: ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን። ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይትግልስ: ንእግርኻ ኻብ እከይ ኣርሕቆ” ኢሉ ዘተባባዐና ኣረኣእያኻ ኩሉ ግዜ ናብቲ ዕላማኻ ኣቢልካ ኣቕናዓዮ።

12 ብተኣማንነት ኣኼባታት ተኻፈል። ኣብቲ መምርሒታት ናይ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ከተስተብህልስ ገዛእ ርእስኻ ቅጻዕ። (እብ. 2:​1፣ 10:​24, 25) ኣብ ክንዲ ናብቲ በዛ ዓለም ዝቐርበልካ ተድላታት ገጽካ እትጥምት: ውጽኢታዊ ኣገልግሎት ንኽትፍጽም ዕላማኻ ግበሮ። እዚ ኢዩ ነባሪ ሓጎስን ዕግበትን ዘምጽእ። (1 ተ⁠ሰ.  2:​19, 20) ኣብ መወዳእታ ዝኾነ ይኹን ነገር ወይ ሰብ ነቲ ቅዱስ ኣገልግሎትካ ከዘምብሎ ኣይተፍቅደሉ። “ጻዕርኹም በጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይትነቓነቑ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።” — 1ቈረ. 15:​58

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ