“እተዳሎኹም ኩኑ”
1 የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ እተዛረቦ ዘደንቕ ትንቢቱ: ብሓልዮት ሓዳር ከይንወሓጥ ኣጠንቂቑ ነይሩ። (ማቴ. 24:36-39፣ ሉቃ. 21:34, 35) እቲ ዓብዪ መከራ ኣብ ዘይተጸበናዮ እዋን ክጅምር ስለ ዝኽእል: ነቲ የሱስ “ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ናይ ግድን ክንስዕቦ ኣሎና። (ማቴ. 24:44) ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧
2 ንጭንቀትናን ሓሳባትና ንዝሰርቕ ነገራትን ምስናፉ:- ሓደ ኻብቲ ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና ንመንፈሳውነትና መፈንጠራ ዝዀነና ነገር “ሓልዮት ሓዳር” እዩ። (ሉቃ. 21:34) ኣብ ገሊኡ ሃገራት ድኽነት: ሽቕለተ-ኣልቦነት: ከምኡውን ክብሪ መነባብሮ ነቲ ኣብ ህይወት ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ኣጸጋሚ ይገብሮ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከኣ ብቐሊሉ ጥሪት ከተጥሪ ትኽእል። ስጋዊ ጥሪት ካብ መጠን ንላዕሊ ኸጨንቐና እንተ ጀሚሩ: ኣትኵሮና ኻብ መንግስቲ ኣምላኽ ክውሰድ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 6:19-24፣ 31-33) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነተኵር ይሕግዘና። ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ንኽትእከብ ሸቶኻ ጌርካዮዶ ኣለኻ፧—እብ. 10:24, 25
3 እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ሓሳባትና ብዝሰርቕን ክቡር ግዜና ብዝወስድን ነገራት ዝመልአት እያ። ሓደ ሰብ ኢ-መይል ኣብ ምንባብንን ኣብ ምስዳድን ወይ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታታት ኣብ ምጽዋት ብዙሕ ግዜ ዘሕልፍ እንተ ዀይኑ: ኮምፕዩተር መፈንጠራ ዀይንዎ ኣሎ ማለት እዩ። ተለቪዥን: ፊልም: መሕለፍ ግዜ: ዓለማዊ ጽሑፋት: ከምኡውን ስፖርት ብዙሕ ሰዓታት ምስ ዝወስደልና: ንመንፈሳዊ ነገራት ግዜ ዀነ ጕልበት ከም ዘይብልና ኽገብረና ይኽእል እዩ። መዘናግዕን መዛነዪን ንግዜኡ ኸሐድሰና ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ናይ ብሕትን ናይ ስድራቤትን መጽናዕቲ ግን ዘለኣለማዊ ረብሓ እዩ ዘምጽኣልና። (1 ጢሞ. 4:7, 8) መዓልታዊ ንቓል ኣምላኽ ንኸተስተንትነሉ ግዜ ትዕድግዶ ኢኻ፧—ኤፌ. 5:15-17
4 ማሕበር የሆዋ “ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ” ምእንቲ ኽንረክብ ኢላ: መንፈሳዊ ትምህርቲ እንረኽበሉ ምድላዋት ብምግባራ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስዋ! (ሉቃ. 21:36) እምነትና “ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን” ምእንቲ ኽትከውን: ነዚ ምድላዋት እዚ ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመሉ: ‘እተዳሎናውን ንኹን።’—1 ጴጥ. 1:7