መዘንበሊታት ብምውጋድ —ነቒሕናዶ ኣሎና፧
1 የሱስ: ካብቲ ብርግጽ ክመጽእ ዘለዎ መዓት ‘ንምምላቝ ንቕሑ’ ኢሉ መጠንቀቕታ ሃበ። (ሉቃ. 21:36) ካብ ታሪኽ ወድሰብ ኣብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ነቶም ናብ መንፈሳዊ ምብዕዛዝ ኣቢሎም ዝኸዱ ጥፍኣት ይጽበዮም ኣሎ። እዚ ንነፍሲ ወከፍና ሓደጋ ዘምጽእ ኢዩ። የሱስ ምብላዕ: ምስታይ: ከምኡውን እቲ መዓልታዊ ናይ ናብራ ጭንቀት ጠቒሱ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዞም ነገራት እዚኣቶምውን ከይተረፉ ክሕዙና: መዘንበሊታት ክዀኑ: ከምኡውን ሓደገኛ መንፈሳዊ ምብዕዛዝ ከምጽኡልና ይኽእሉ ኢዮም።
2 ልሙዳት መዘንበሊታት:- ገሊኦም ናይ ቲቪ ወልፈኛታት ክሳዕ ዝዀኑ መጠኑ ብዝሓለፈ ወይ ብዘተሓታትት መዘናግዒ ተታሒዞም ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ቅድም ነታ መንግስቲ ምድላይ ማለት ንዅሎም ዓይነት መዘናግዒታት ከነወግዶም ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ብምስትውዓልን ብመጠኑን ከነዘውትሮ ከሎና: መዘናግዒ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምስ 1 ጢሞቴዎስ 4:8 ኣረኣእዮ።) ዝበዝሐ ግዜና: ዓቕምና ወይ ድማ ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ስብከት ዕዮ ዘሎና እጃም ብምውሳድ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ናብራና እንተድኣ ኰይኑ ግን መዘንበሊ ኢዩ።
3 ናይ ዘየድሊ ስጋዊ ነገራት ባህጊ መንፈሳዊ ምብዕዛዝ ዘስዕብ ካልእ ልሙድ መዘንበሊ ኢዩ። እዚ ንሓደ ሰብ ኣብ ዓለማዊ ዕዮ ብዙሕ ንኽሰርሕ ዝሓቶ ነቲ መንፈሳዊ ጕያ ድማ ከም ዝጻበብ ዝገብሮ ኢዩ። ገሊኦም ዝያዳ ምቹእ ዝዀነ ናብራ ምእንቲ ክህልዎም ስጋዊ ሃብቲ ኣብ ምድላብ ስለ እተዋሕጡ ናይ መንፈሳዊ ሸቶ ኣረኣእያ ኣጥፊኦም ኢዮም። ‘ቀለብን ክዳንን’ እኳ ዘድልየና እንተዀነ: ነቲ ካብ መገዲ እምነት ከውጽኣና ዝኽእል ፍቕሪ ገንዘብ ከይነዕቢ ክንጥንቀቕ ይግብኣና። (1 ጢሞ. 6:8-10) ኣዒንትና ኣብቲ ናይታ መንግስቲ ጥቕምታት ከም ዘተኵር ብዘይ ምግባርና: ነቲ መንፈሳዊ ድሌት ናይ ስድራቤትና ካብ ምሕላይ ንዝንግዕ ኣገልግሎትና ካብ ምምላእ ድማ ንሰንፍ።—1 ጢሞ. 5:8፣ 2 ጢሞ. 4:5
4 ጌና ካልኦት ድማ ብመንፈስ ክሳዕ ዝድቅሱ እቲ ‘[ናይ ናብራ ጭንቀት ትሓዓ ] ንልቦም ክኸብዶ’ የፍቅድሉ። (ሉቃ. 21:34) ሓድሓደ ግዜ: ብምኽንያት ናይ ጥዕና ጸገማት ወይ ዘሕዝን ናይ ስድራቤት ኵነታት ጭንቀት ኣሎ። ይኹን እምበር ከምዚኣቶም ዝበሉ ብሕታዊ ነገራት ብዛዕባ እቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዘሎና ግንዛበ ከጕድሎ የብሉን።—ማር. 13:33
5 ድያብሎስ ንዓና ኣብ ናይ ሕልሚ ኵነታት ኣእትዩ ደድሕሪ ገለ ዓለማዊ ትምኒታት ከም እንጐዪ ክገብረና ከሎ: ካብዚ ንላዕሊ ዘሐጕሶ የብሉን። ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ምእንቲ ክንቅጽል ክንቃለስ ኣሎና። ‘መዓልቲ [የሆዋ ትሓዓ ] ኸም ሰራቒ ዀይና ትመጽእ’ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና: ‘ክንነቅሕን ክንጥንቀቕን’ ድማ ኣድላዪ ኢዩ። (1 ተሰ. 5:2, 6) ናይ ምብዕዛዝ ምልክት ኣብ ገዛእ ርእስና ምስ እንዕዘብ: ነቲ ‘ግብሪ ጸልማት ክንድርብዮ’ ህጹጽ ኢዩ።—ሮሜ 13:11-13
6 ንቑሓት ክንከውን ዝድግፉና ሓገዛት:- ከምዚኣቶም ዝበሉ ሓገዛት እንታይ ኢዮም፧ ጸሎት ኣድላዪ ኢዩ። ከየባተኽና ክንጽሊ ይግብኣና። (1 ተሰ. 5:17) ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምቕራብ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ከነቓቕሓና’ ኢዩ። (እብ. 10:24) ናይ ገዛእ ርእስና ስርዓታውን ቅኑዕን ምርመራ: ድኽመታት ምእንቲ ከነወግድ ነቲ ዘድልየና ትኵራት ንኽንከውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (2 ቈረ. 13:5) ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ጽቡቕ ልማድ: በቲ ‘ቃል እምነት እተመገብና’ ክገብረና ኢዩ። (1 ጢሞ. 4:6) ጻዕረኛታት እንተድኣ ኰይንና: መዘንበሊታት ከም እነወግድ: ‘ንቑሓት ከምኡውን ኣብ እምነት ጽኑዓት’ ከም እንኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 16:13