ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንጥቅምቲ
2 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተዋጽአ ምልክታታት። ነቲ ዞባኻ ዝሰማማዕ እንተድኣ ኰይኑ ነቲ ብዛዕባ ናይ 8 ሕዳር ንቕሑ! ዝምልከት ምልክታ ፍሉይ ኣቓልቦ ግበረሉ።
15 ደቒቕ:- “ኵሉ ግዜ ንየሆዋ ወድስዎ።” ብሕቶን መልስን ዝወሃብ። ናይቲ ተጠቒሱ ዘሎን ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላኡ ኣጕልሕ። (ካብ ናይ መስከረም መንግስትና ኣገልግሎት። )
20 ደቒቕ:- “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ መጽሔታት ኣበርክት።” ነቶም ቀንዲ ነጥብታት ተዘራረበሎም: ብድሕሪኡ ሓደስቲ ሕታማት ንምብርካት ክትጥቀመሎም እትኽእል ኣርእስትታት ዘርዝር። ናይ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣቀራርባታት መርኣያ ኣዳሉ።
መዝሙር 153ን መዕጸዊ ጸሎትን።
9 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ዘድሊ። ወይ ድማ ካብ ናይ 15 ሓምለ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 25-7 እተመስረተ “ምውጋድ—ፍቕራዊ ምድላው ድዩ፧” ዘርእስቱ ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ።
20 ደቒቕ:- “መዘንበሊታት ብምውጋድ—ነቒሕናዶ ኣሎና፧” ብሕቶን መልስን ዝወሃብ። ግዜ ከም ዘፍቅዶ ካብ ናይ ግንቦት 1 1992 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-23 ተወሳኺ ሓሳባት ሃብ።
መዝሙር 128ን መዕጸዊ ጸሎትን።
16 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት።
20 ደቒቕ:- “ኣውራጃዊ ዓቢ ኣኼባ ዘለዓዕል ዕድመ የቃልሕ!—ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ንየሆዋ ብሓጐስ ወድሶ!” ብሕቶን መልስን ዝወሃብ።
20 ደቒቕ:- “ዕላማ ዘለዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ።” ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ሸቶታትና ተመያየጠሉ። ክልተ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ናይ ክልተ እተፈላለየ ኣቀራርባታት መርኣያ ክገብሩ መድብ። ሓደ ኣስፋሒ እዚ ዕዮ እዚ ብገንዘብ ብኸመይ ከም ዝካየድ ክገልጽ ኣዳሉ።
መዝሙር 130ን መዕጸዊ ጸሎትን።
23 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ቲኦክራቲካዊ ዜና። “ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም።”
15 ደቒቕ:- “እታ ጉባኤ ተድልየና ኢያ።” ብሕቶን መልስን ዝወሃብ።
15 ደቒቕ:- ናብታ ማሕበር ተገዳስነት ከም ዝህሉ ግበር። እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ በታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ገይሩ ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ይመያየጥ። ንግዱሳት ሰባት እታ ማሕበር ብኸመይ ከም እትሰርሕ: እተፈላለዩ ዕዮታት ብኸመይ ከም ዝመሓደሩ: ከምኡውን ንሳቶም ብኸመይ እቱዋት ከም ዝዀኑ ከተፍልጦም ስለምንታይ ጠቓሚ ከም ዝዀነ ግለጸሎም። ካብቲ ኣብ ገጽ 14 ከምኡውን 15 ዘሎ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዘነቓቕሑ ኣኼባታት” ዝብል ቀንዲ ነጥብታት ዘርዝር። ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ኣሕጽር ኣቢሎም እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ናይ ምእካብ ኣድላይነት ንኸማስወሉ ምእንቲ ክትሕግዞ ብኸመይ ኣብ ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምይይጥ ወይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትኣቱ ከም እትኽእል መርኣያ ኣቕርብ። ኵሎም ኣብ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን መደብ ናይ 1 ለካቲት 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ሒዞም ክመጹ ኣዘኻኽሮም።
መዝሙር 126ን መዕጸዊ ጸሎትን።
30 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 159
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኣብ ሕዳር ንመጻሕፍቲ “ናብራ ስድራቤትካ ” ከምኡውን “ንእስነትካ ” ኣብ ምብርካት ክሳተፉ ኣተባብዓዮም። እታ ጉባኤ ኣብ ሰነ ዝዓደለቶም ናይ መጻሕፍቲ ቍጽሪ ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ናይ መስከረም 1995 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት: ገጽ 7 ኣብ ትሕቲ ናይ ሰነ ጸብጻብ ኣገልግሎት ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት ተወከስ።
15 ደቒቕ:- ብጽንዓታውትኹም ጌርኩም ንኻልኦት ሰባት ጽንዓት ክትገብሩ ፈቲንኩምዶ ትፈልጡ፧ ብዝርርብ ዝወሃብ። ገለ ኣስፋሕቲ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምሩ ክኢሎም ኢዮም:- ምስ ሓደ ተገዳሲ ሰብ ንገለ ግዜ ከጽንዑ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ኣዕሩኹ: ኣዝማዱ ወይ ዝፈልጦም ሰባት ኣብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝግደሱ እንተድኣ ኣልዮም ይሓትዎ። ዝበዝሕ ግዜ ብዙሕ ኣስማት ይውሃቡ ኢዮም። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክትበጽሖም ከሎኻ ስሙ ክትጠቕሶ ትኽእል እንተድኣ ኴንካ ሕተቶ። ክትበጽሖ ከሎኻ ድማ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:- “እገለ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰሉ ንስኻውን ካብቲ ናጻ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓት መደብና ክትጥቀም ከም እትደሊ ሓሲቡ።” እዚ ናብ ውጽኢታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክምዕብል ዝኽእል ጠቓሚ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገለ ኣስፋሕቲ ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ተገደስቲ ሰባት ዝረኸቡ ወይ ሓድሽ ጽንዓት ዝጀመሩ: ሓደ ወይ ክልተ ተሞክሮታት ወስኸሉ።
20 ደቒቕ:- “እቲ ጕድለት ናይ መን ኢዩ፧” ካብ ናይ ግ 2/1 95 እንግሊዝኛ ዓንቀጽ እተወስደ ምስ ተሳተፍቲ ዝግበር ምይይጥ።
መዝሙር 138ን መዕጸዊ ጸሎትን።