መዘኻኸሪ ንጸሓፍን ንናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ናይ ለካቲት ሕታም ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዝወጽእ ምልክታ ነቲ ጸሓፍን ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን “ንንጥፈታት ናይ ስርዓታውያን ፓይነራት ክግምግሙ” ይሕብሮም ኢዩ። ዕላማ ናይዚ ግምገማ እዚ እንታይ ኢዩ፧ ቅድሚ እታ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ምውዳኣ ነቲ ዘድሊ ሰዓታት ንምምላእ ሓገዝ ዘድልዮ መን ምኽዋኑ ንምውሳን ኢዩ።
ስርዓታውያን ፓይነራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 1,000 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ክውፍዩ ኢዩ ዝድለዮም። ገለ ፓይነራት ኣብ መወዳእታ ለካቲት ካብቲ ዝድለ ሰዓታት ድሒሮም ይጸንሑ እሞ እዚ ድማ ናብ ተስፋ ምቑራጽ ክመርሖም ይኽእል ኢዩ። ሽማግለታት ምትብባዕን ተግባራዊ ዝኾኑ ሓሳባትን ብምሃብ ንፓይነራት ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ኣብ መንጐ እቶም ነቲ ዓመት ዝድለዮም ዝመልኡ ፓይነራትን እቶም ናይ ፓይነር ንጥፈት ዘቋርጹን ዓቢ ወሳንነት ዘለዎ ኢዩ።
ፓይነራት ነቲ ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ብሽማግለታት ዝግበር ቅኑዕ ሓልዮት ብርግጽ የመስግንሉ ኢዮም። እታ ጉባኤውን ብተኣማንነት ኣብቲ መዝነቶም ዝጸንዑ: ኣብ ኣገልግሎቶም ከኣ ሕጕሳት ዝኾኑ ፓይነራት ስለ ዘለዉዋ ትጥቀም ኢያ።