ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/95 ገጽ 1
  • የሆዋ ሓይሊ ይህብ ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ሓይሊ ይህብ ኢዩ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከየባተኽና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • የሆዋ ሓይሊ ይህብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ምስ ውድብ የሆዋ ለጊብካ ንበር
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ብስርዓታዊ ልማድ እናዓቤኹም ቀጽሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 6/95 ገጽ 1

የሆዋ ሓይሊ ይህብ ኢዩ

1 ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን: ‘ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሰናይ [ጠባይ ትሓዓ ]’ እናሓዝና ነቲ ብስራት ክንሰብኮ መዝነት ተዋሂቡና ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:12፣ ማቴ. 24:14) ብመንጽር ናይዚ ጽንኩር እዋን እዚ ከምኡውን ድኻምናን ጉድለትናን: ነዚ ዕዮ እዚ ባዕላትና ክንፍጽሞ ፈጺምና ኣይምኸኣልናን። (2 ጢሞ. 3:​1-5) ሓገዝ ምእንቲ ክንረክብ ንየሆዋ ክንጽበ ምኽኣልና ኣየ ክንደይ ኢና እንሕጐስ!

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዙሕ ፈተናታት ተጸሚሙ ኢዩ። (2 ቈረ. 11:​23-27) ነዚ ክዋጽኣሉ: ነቲ እተመዘዘሉ ዕዮ ድማ ክፍጽም ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ? የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ሂብዎ ኢዩ። (2 ቈረ. 4:⁠7) ጳውሎስ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ነዚ መለኮታዊ ሓይሊ እዚ ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ። (ፊል. 4:​13) ብተመሳሳሊ መገዲ የሆዋ ክሕግዘና ኢዩ። ነዚ ሓገዝ እዚ ብኸመይ ኢና ክንረኽቦ እንኽእል?

3 ከየባተኽካ ብምጽላይ:- የሱስ ብዘይምሕላል ከየቋረጽና ‘ክንልምን: ክንደሊ: ክንኵሕኵሕ’ ተማሕጺኑና ኢዩ። (ሉቃ. 11:​5-10) ከየቋረጽና ምጽላይ ንየሆዋ: ዘሎና ዕምቈት ናይ ተገዳስነትና: ናይ ባህግና ብርታዐ: ከምኡውን ናይ ድራኼና ቅኑዕነት ይገልጸሉ ኢዩ። (መዝ. 55:17፣ 88:​1, 13፣ ሮሜ. 1:​9-11) ጳውሎስ “ከየባተኽኩም ጸልዩ” ኢሉ ከተባብዓና ከሎ ኣገዳስነት ናይ ከየቋረጽካ ምጽላይ ተገንዚብዎ ኢዩ። (1 ተሰ. 5:17) ጸሎት ሓደ ካብቲ ናይ የሆዋ ሓገዝ እንረኽበሉ ቀዳማይ መገድታት ኢዩ።

4 ቲኦክራቲካዊ መምርሒ ብምኽታል:- “ቲኦክራሲ” ማለት “ብኣምላኽ ምግዛእ” ማለት ኢዩ: ኣምላኽ ከኣ ፍቕሪ ኢዩ። ኣብ ዓበይትን ናእሽቱን ውሳኔታት ንስልጣኑ ብምቕባልን መምርሒታቱ ብምስዓብን ካብቲ ግዝኣቱ ንጥቀም ኢና። እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ቲኦክራቲካዊ ስርዓት ዝውክል ኢዩ። (ማቴ. 24:​45-47 ትሓዓ ) በረኸት የሆዋ ክንረክብ እንተድኣ ኴንና: ምስታ እቲ “ባርያ” ዝጥቀመላ ማሕበር ክንተሓባበር ኣድላዪ ኢዩ። (ምስ እብራውያን 13:17 ኣነጻጽሮ።) የሆዋ: ነቲ ዘድልየና ሓገዝ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ብምሃብ ንእኡ ዘሎና ተኣማንነትን ነቲ ሕግታቱ ክንእዘዝ ዘሎና ፍቓደኝነትን ክባርኾ ኢዩ።​—⁠እብ. 4:⁠16

5 ምስ ኣሕዋትና ብምቅርራብ:- ፍቕሪ መለለይት ምልክት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኢያ። (ዮሃ. 13:​34, 35) ምስቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝዓይነቱ ሰብኣዊ ባህርያት ምህላዉ: ብምኽንያት ብሕታዊ ፍልልያት ኣብ መንጎና ምስሕሓብ ክለዓል ይኽእል ኢዩ። ኣብ ነንሓድሕድና ብለውሃት እንድንግጽን ብኸምኡ ይቕረ እንብልን ክንከውን ከድልየና ኢዩ። (ኤፌ. 4:32) እዚ ምስቶም ኣብ እምነት ዘለዉ ኣሕዋትና ክንቀራረብን በቲ ኣብ ትሕቲ ፈተና ዘርእይዎ ጽኑዕ ምጽማም ክንተባባዕን ከኽእለና ኢዩ። ‘እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና ይበጽሖም ከም ዘሎ ምፍላጥና’ ንተመሳሳሊ ጸቕጥታት ክንዋጽኣሎም ኣምላኽ ዝህበና ብርታዐ ኣሎና።​—⁠1 ጴጥ. 5:⁠9

6 ጽቡቕ ናይ ብሕታዊ መጽናዕቲ ልማድ ብምዕቃብ:- ንኣእምሮናን ኣልባብናን ብመንፈስ ምስ እነጽንዖ ንናይ ሰይጣን መጥቃዕቲ ክንከላኸሎ የኽእለና ኢዩ። (1 ጴጥ. 5:⁠8) ጽቡቕ ልማድ ናይ ብሕታዊ መጽናዕቲ ነቲ ማዕከን ናይ ኣምላኻዊ ፍልጠትና ከዕብዮ ኢዩ። መዓልታዊ ብድሆታት ከጋጥመና ከሎ ካብዚ ኣምላኻዊ ፍልጠት እዚ ጥቕሚ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ድሕነት ክንረክብ “[ርጡብ ትሓዓ ] ፍልጠት” ኣገዳሲ ግደ ከም ዘለዎ ጳውሎስ ኣጋኒኑ ኢዩ። (1 ጢሞ. 2:​3, 4) መንፈሳዊ መግቢ ስርዓታዊ ኴንካ ምውሳድ ኣድላዪ ኢዩ።

7 እቲ ድልዱላት ንኽንከውን ዝሕግዘና ዘድሊ ኵሉ ምድላዋት በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተቐሪቡልና ኣሎ። ነቲ ንጥፈታታ ብምሉእ ልቢ ምድጋፍ ‘እናኸድና ንኸይንደክም’ ውሕስነት ክህበና ኢዩ።​—⁠ኢሳ. 40:​29-31

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ