ካልኦት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቁም ነገር ከማስውሉ ሓግዞም
1 የሱስ እቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዘድልዮም ዝነበረ ሂብዎም ኢዩ። ሉቃስ 24:45 ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ይህብ:- “ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን: ኣእምሮኦም [ምሉእ ብምሉእ ትሓዓ ] ከፈተሎም።” ናይ ኣቦኡ መጎስ ክረኽቡ ዝደልዩ እንተድኣ ኰይኖም ንቓል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ከጽንዑን ክርድእዎን የድልዮም ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (መዝ. 1:1, 2) ናይ ስብከት ዕዮና ድማ ተመሳሳሊ ዕላማ ኢዩ ዘለዎ። ኣብቲ ‘የሱስ ዝኣዘዞ ኵሉ ክሕልዉ ንሰባት ክንምህር’ እንኽእለሉ ቦታ: ሸቶና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታት ንምጅማር ኢዩ። (ማቴ. 28:20) ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ እዞም ዝስዕቡ ገለ ሓሳባት ሓገዝቲ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
2 ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ቀሊል ኣጀማምራ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:-
◼ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ዝህቦ ተግባራዊ ቁም ነገር ዝገልጽ ካልእ ነገር ከርእየካ ምፈቶኹ። ብዙሓት ሰባት ምስ ካልኦት ብሰላም ክሰማምዑ ከቢድ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ። ምስቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ዝሓሸ ርክብ ንኸነማዕብል እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧ [መልሲ ድሕሪ ምሃቡ: ማቴዎስ 7:12 ገንጽል። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ] ገጽ 236 ቍጽሪ 17 ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት ወስኸሉ።] እዚ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ዘሎ ናይ ጥበብ ካልእ ኣብነት ኢዩ። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ክበጽሓካ ከሎኹ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምርዑዋት ብጾት ኣብ ርክቦም ዝዓበየ ሓጐስ ንኽረኽቡ ዝህቦ ምኽሪ ከርእየካ ደስ ኢዩ ዝብለኒ።” ተመሊስካ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ክህሉ ዝምሕጸኖ ኣብ ምዕራፍ 29 ዘሎ ሓሳብ ክትመያየጠሉ ምትዕርራይ ግበር።
3 ምስ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ተዘራሪብካ እንተድኣ ነይርካ: እዚ ኣቀራርባ እዚ ምናልባት ጽንዓት ንምጅማር ኣስላጢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:-
◼ “ዳርጋ ኵሎም እተዘራርቦም ሰባት ኣብ ሰላም ዝመልኣን ድሕነት ዘለዋን ዓለም ክነብሩ ከም ዝደልዩ ኢዮም ዝነግሩኻ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዚ ዝደሊ እንተድኣ ኰይኑ: ዓለም ብክንድዚ ዝኣክል ህውከትን ዓመጻን ዝመልአት ድኣ ስለምንታይ ኢያ፧ [መልሲ ተጸበ።] ን2 ቈረንቶስ 4:4 ኣንብብ። ኣምላኽ ብኸመይ ንድያብሎስ ከም ዘጥፍኦን ነባሪ ሰላምን ሓጐስን ዘለዋ ምድሪ ከም ዘምጽእን ግለጽ። ንራእይ 21:3, 4 ኣንብብ። ብድሕሪኡ ከምዚ ክትብል ትኽእል:- “ኣብ ዝመጽእ ክበጽሓካ ከሎኹ: ስለምንታይ ጭንቂ ዘይብላ ዓለም ክትጽበ ከም እትኽእል ዝገልጽ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ከርእየካ ምፈቶኹ ነይረ።”
4 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ቀጥታዊ ኣቀራርባ ተጠቒምካስ ጽቡቕ መልሲ ረኺብካ እንተድኣ ነይርካ: ክትምለስ ከሎኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል ትኸውን:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ክንዘራረብ ከሎና: ንመጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዖ ስለምንታይ ጠቓሚ ምዃኑ ተዘራሪብና ነይርና። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ክትገብር ቕኑዕ ጻዕሪ ምህላው ነቲ ኣምላኽ ዓቚሩልና ዘሎ ከነማስወሉ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። [ንዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] ኣምላኽ እንታይ ከም እተመባጽዐን ብኸመይ ከነሐጕሶ ከም እንኽእልን ዝገልጽ: ንኣሽሓት ዝሓገዘ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓት መደብ ኣማዕቢልና አሎና።” ንመጽሓፍ ፍልጠት ወይ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ] ኣፋልጥ: ነቲ ኣርእስቲ ናይቲ ምዕራፋት ዘርዝሮ: ብኸመይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንመርሕ ድማ ኣርኢ።
5 ቑኑዓት ሰባት ነቲ ኣዝዩ ብሉጽ ናይ ቃል ኣምላኽ ቁም ነገር ከማስውሉ ክትሕግዞም እንተድኣ ክኢልካ: በቲ ዝበለጸ ዝከኣል መገዲ ሓጊዝካዮም ኣሎኻ። ነቲ ትሕዝቶኡ ብምጽናዕ ክማሃርዎ ዝኽእሉ ጥበብ: ብዙሕ ሓጐስ ዘምጽኣሎም “ኦም ህይወት” ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ምሳ. 3:18