ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/96 ገጽ 8
  • ሓቂ ምዝራብ ቀጽሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓቂ ምዝራብ ቀጽሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገለ ሰባት ንምድሓን ተመለሱ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • “እምነት ካብ ምስማዕ እያ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ካብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ናብ ህይወት ይመርሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ብዙሕ ሕቶታት ኢዩ ዝምልስ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 5/96 ገጽ 8

ሓቂ ምዝራብ ቀጽሉ

 1 ሃዋርያት “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ” በሉ። (ግብ. 4:​20) ንሕናውን ሎሚ እቲ ሓቂ ምዝራብ ክንቅጽል ኣሎና። ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምዕዳል ነቶም ዝሰምዑ ሰባት ንምርካብ ዝድግፍ መገዲ እኳ እንተዀነ: ነቶም ተገደስቲ ሰባት ብዛዕባ ሓቂ ብዙሕ ክንምህሮም እንተድኣ ኴንና ግን ክንምለሶም ኣሎና።

 2 ነታ “ፈጺሙ ውግእ ዘይህልወሉ ግዜ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ናይ ሚያዝያ ፍል​ይቲ “ንቕሑ!” ዓዲልካ እንተድኣ ነይርካ: ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ብምሕታት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዛዕባ ናይ ሃገራት ውግኣትን ሃይማኖታት ኣብቲ ውግእ ዝነበረን ግደን ተዘራሪብና ነይርና። ከምዚ ዝበለ ፍጻመታት ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዳሕሮት መዓልትታት ብምባል ዝጽውዖ ግዜ ንነብር ከም ዘሎና ብንጹር ዘረጋግጽዶ ኸይኰነ፧ [መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ) ኣርእዮ። ምዕራፍ 18 ቍጽሪ 4 ኣንብብ: ነቲ ኣብ ገጽ 150-154 ዘሎ ስእልታት ድማ ኣጕልሓዮ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነዚ ኣርእስቲ እዚ: ምስቲ ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ዘሎ ካልእ 29 ኣርእስትታት ገይራ ትገልጾ ኢያ። [ገጽ 5 ኣርእዮ።] ፍቓድካ እንተድኣ ኰይኑ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ጕዳይ ንኽትርድኦ ብኸመይ ክትሕግዘካ ከም እትኽእል ከርእየካ ምፈተኹ።” ፍቓደኛ እንተድኣ ኰይኑ ገጽ 7 ገንጺልካ ጽንዓት ጀምር።

 3 ክትምለስ ቃል ኣቲኻ ከምኡውን ብዛዕባ ሕጂ ኣብዚ እዋን እዚ ዕቝባ ዘለዎ ህይወት ብኸመይ ከተስተማቕር ከም ዝከኣል ገሊጽካ እንተድኣ ነይርካ: ነዚ ዝመስል ክትብል ትኽእል ኢኻ:-

◼ “መጀመርያ ክንራኸብ ከሎና: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሰብ መጻኢ ተስፋ ንኽንገብር ምኽንያት ዝህበና ሓሳባት ተዘራሪብና ነይርና። ሎሚ ድማ: ሕጂ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ዕቝባ ስምዒት ከም ዝስማዓና ክገብር ዝኽእል መን ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳባት ክነግረካ ምደለኹ።” መዝሙር 4:8 ኣንብብ። መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 168 ገንጺልካ ቍጽሪ 19 ኣንብብ። ድሕርዚ “ንስኻውን ኣብ ህይወትካ ብሓቂ ከምዚ ዝበለ ዕቝባ ብኸመይ ክትረክብ ከም እትኽል ዘርእየካ ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ምደለኻዶ፧” እቲ መልሲ እወ እንተድኣ ዀይኑ: ምዕራፍ 1 ገንጺልካ ጽንዓት ጀምር።

 4 ተመሊስካ ክትበጽሕ ከሎኻ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጽንዓት ንምዕያይ ቀጥታዊ ዕድመ ከተቕርብ ትኽእል:-

◼ “ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝምህር ምእንቲ ክንሕብሮም ኣብ ምሉእ ዓለም መጽሔታትና ንዕድል ኢና። ውልቀ​-⁠ሰባት ነቲ ዝፈለጥዎ እንተድኣ ኣማሲዎምሉ ድማ: ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንዓየሎም። [ነቲ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ድሕሪት ገበር ዘሎ ‘ክትብጻሕ ምደለኻዶ፧’ ዝብል ሳጹን ኣርእዮ።] ነዛ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ከም መሓበሪ ንጥቅመላ ኢና። ከመይ ገይርካ ጽንዓት ከም ዝዕየ ኣሕጽር ኣቢለ ከርእየካ።”

 5 ሓቂ ምዝራብ እንተድኣ ቐጺልና: ዝሰምዑን ኣዎንታዊ ምላሽ ዝህቡን ሰባት ከም ዘለዉ ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና።​—⁠ማር. 4:​20

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ