ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/96 ገጽ 1
  • እንደገና ከገልግሉ ሓግዝዎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እንደገና ከገልግሉ ሓግዝዎም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቶም ዘይንጡፋት ኣይትረስዓዮም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ከይተደናጐዩ ኺምለሱ ሓግዞም!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “ናባይ ተመለሱ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 6/96 ገጽ 1

እንደገና ከገልግሉ ሓግዝዎም

1 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ ነቲ ከጋጥሞም ዝኽእል መንፈሳዊ ሓደጋ ብምግንዛብ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:⁠- “ምድ⁠ሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ: ሕጂ ኻብ ድቃስ እትባራበሩሉ ጊዜ [በጺሑ ኢዩ]።” (ሮሜ 13:11) ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ ባዕዚዞም ዝነበሩ ኣሕዋቱ ሓሲቡ ኢዩ፣ እንደገና ንጡፋት ክዀኑ ከበራብሮም ድማ ሃረር ይብል ነበረ።

2 ብሓቂ: ናይዛ ኣረጊት ዓለም ለይቲ ተወዲኡ ናይታ ሓዳስ ዓለም ወጋሕታ ድማ ቀሪቡ: ክበሃል ይከኣል ኢዩ። (ሮሜ 13:12) ብዛዕባ እቶም ከም ሰበኽቲ ወንጌል መጠን ምሳና ምሕባር ዘቋረጹ ኣሕዋትና ክንሓስብ ቅቡል ምኽንያት ኣሎና። ዝዛሕተሉ ሰባት ንየሆዋ እንደገና ምእንቲ ከገልግልዎ ብኸመይ ክንሕግዞም ምኸኣልና፧

3 ሽማግለታት እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ:⁠- መብዛሕትኦም ካብቶም ዝዛሕተሉ ሰባት ንሓቂ ኣይገደፍዎን፣ ብምኽንያት ተስፋ ምቝራጽ: ብሕታዊ ግድላት: ፍቕረ⁠-​ንዋይ: ወይ ብሰንኪ ኻልእ ናይ ህይወት ጭንቀታት ምስባኽ ጥራይ ኢዮም ኣቋሪጾም። (ሉቃ. 21:​34⁠-​36) ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ: ቅድሚ ምዝሕታሎም ክሕገዙ ዝሓሸ ኢዩ። ሓደ ኣስፋሒ ናይ ኣገልግሎት ንጥፈት ጸብጻብ ኣብ ምሃብ ዘይስርዓታዊ ምስ ዝኸውን እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ነቲ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሒ ክሕብሮ ኣለዎ። ናይ ጕስነት ምብጻሕ ንምግባር መደብ ክዳሎ ይከኣል ኢዩ። ናይቲ ግድል ቀንዲ ምንጭን ብኸመይ ድማ ሓገዝ ክወሃብ ከም ዝከኣልን ንምፍላጥ ክፍትኑ ኣለዎም።​—⁠ናይ 15 መስከረም 1993 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 20⁠-​3 ርአ።

4 ካልኦት ብኸመይ ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ:⁠- መብዛሕትና ሓደ ዝዛሕተለ ሰብ ንፈልጥ ኢና። ቅድሚ ሕጂ ናይ ቀረባ ዓርክና ዝነበረ ሰብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኽንሕግዞ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧ ሕጽር ዝበለ ምብጻሕ ዘይንገብረሉ። ዕርክነቱ ከም ዝናፈቕኩምዎ ንገርዎ። ምቕሉላት ኵኑ: ኣዎንታዊ ኣተሓሳስባ ድማ ይሃልኹም። ብመንፈስ ሓሚሙ ከም ዘሎ ከይገለጽኩም ሻቕሎትኩም ግለጹ። ዝሃንጽ ተመክሮታት ወይ ድማ ካልእ በታ ጉባኤ እተዓመ ጽቡቕ ነገራት ኣዘንትውሉ። ብዛዕባ ኣኼባታትናን “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ዝብል ኣውራጃዊ ኣኼባናን ብውዕዉዕ ስምዒት ንገርዎ: ኣብኡ ክካፈል ድማ ኣተባብዕዎ። ምስታ ጉባኤ እንደገና ምሕባር ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ምስኡ ናብቲ ኣኼባታት ክትከዱ ዓድምዎ። እቲ ዝረኸብኩምዎ ምላሽ ንሽማግለታት ኣፍልጥዎም።

5 ሓደ ዛሕቲሉ ዝነበረ ሰብ ናብቲ ኣኼባታት እንደገና ክመጽእ ከሎ: ነቶም ቅድም ዝፈልጦም ሰባት ምስ ረኸቦም ስክፍታ ክስምዖ ይኽእል ኢዩ። “ኣበይ ድኣ ነይርካ፧” ኢልካ ኣይትሕተቶ። ኣብ ክንድኡ: ናይ መርሓባ ስምዒት ከም ዝስምዖ ግበር። ኣብ ዕላልካ ሓውሶ። ምስቶም ዘይፈልጦም ሰባት ኣላልዮ። ኣብ ግዜ እቲ ኣኼባ ምስኡ ኮፍ በል: ናይ መዝሙር መጽሓፍን እቲ ዝጽናዕ ጽሑፍን ከም ዘለዎ ድማ ኣረጋግጽ። ካልእ ግዜ እውን ክመጽእ ኣተባብዓዮ: ዘድሊ ነገር ምስ ዝህሉ ድማ ደገፍካ ለግሰሉ።

6 ነቶም እተባረሩ ሰባት ምዉቕ ምፍታው ስለ ዘለዎም: የሆዋን የሱስን ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት መንፈሳዊ ሕውየት ክረኽቡ ከለዉ ይሕ​ጐሱ ኢዮም። (ሚል. 3:7፣ ማቴ. 18:​12⁠-⁠14) ካልኦት ንየሆዋ እንደገና ከገልግልዎ ኣብ ምሕጋዝ እንተድኣ ተዓዊትና ንሕናውን ከምዚ ዓይነት ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ