ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/07 ገጽ 8
  • ነቶም ዘይንጡፋት ኣይትረስዓዮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቶም ዘይንጡፋት ኣይትረስዓዮም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ናባይ ተመለሱ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ከይተደናጐዩ ኺምለሱ ሓግዞም!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 2/07 ገጽ 8

ነቶም ዘይንጡፋት ኣይትረስዓዮም

1. ንዘይንጡፋት ከነተባብዖም ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

1 ዘይንጡፍ ዝዀነ ኣስፋሒ ትፈልጥዶ፧ ምናልባት እውን ናብ ጉባኤ ምምጻእ ገዲፉዎን ጠፊኡን ይኸውን። ነዚ ሰብ እዚ ኻብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል ከለኻ ረኺብካዮ ትኸውን። እዚ ሰብ እዚ መንፈሳዊ ሓውና ምዃኑ ኽንዝንግዕ የብልናን። ፍቕርና ኸነርእዮን ናብታ ጉባኤን ‘ናብቲ ጓሳናን ሓላው ነፍሳትናን’ ኪምለስ ክንሕግዞን ኢና እንደሊ።—1 ጴጥ. 2:25

2. ነቶም ዘይንጡፋት ከነተባብዖም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2 ተገዳስነት ኣርኢ:- ንሓደ ዘይንጡፍ ሰብ ኣሕጽር ኣቢልና ተሌፎን ምድዋል ወይ ምብጻሑ ኸም ዘይረሳዕናዮ ዜረጋግጽ እዩ። እንታይ ክንብሎ ንኽእል፧ ብዛዕባኡ ኸም እንሓስብ ብምንጋር ጥራይ ነቲ ሰብ ከነተባብዖ ንኽእል ኢና። ነቲ ዕላል ደስ ዜብልን ሃናጽን ግበሮ። (ፊል. 4:8) ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ዝሰማዕናዮ ደስ ዝበለና ነጥቢ ኽንነግሮ ንኽእል ኢና። ኣብ ዚመጽእ ግዜ ኣብ ዚግበር ሰሙናዊ ወይ ዓብዪ ኣኼባ ኽንዕድሞን ኮፍ መበሊ ኽንሕዘሉ ወይ መጕዓዝያ ኽንቅርበሉ ኸም እንኽእል ክንነግሮን ንኽእል ኢና።

3. ሓንቲ ዘይንጥፍቲ ዝነበረት ሓብቲ ንጥፍቲ ኽትከውን ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

3 ሓንቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ዘይንጥፍቲ ዝነበረት ሓብቲ ኣብ ሓደ ኽሊ ተረኽበት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ እኳ እንተ ዘይነበረት: እታ ዝረኸበታ ሓብቲ ግን ተመላሊሳ እናበጽሐት ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ መጽሔታት ትገድፈላ ነበረት። እታ ኣስፋሒት ድሕሪ ኣኼባ ኣውራጃ: ነታ ዘይንጥፍቲ ዝነበረት ሓብቲ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት እቲ ኣኼባ ኣካፈለታ፣ ኣብ መወዳእታ እታ ሓብቲ ንጥፍቲ ኣገልጋሊት ኰነት።

4. ሓደ ዘይንጡፍ ዝነበረ ሰብ ኣብ ኣኼባታት ብምክፋል ምሳና ዘለዎ ሕብረት ምስ ዚቕጽል ብኸመይ ኢና ኽንሕዞ ዘሎና፧

4 ሓደ ዘይንጡፍ ዝነበረ ሰብ ምስ ዚምለስ:- ሓደ ዘይንጡፍ ዝነበረ ሓው ናብ ኣኼባታት ኪመጽእ እንተ ደኣ ጀሚሩ: ብኸመይ ኢና ኽንሕዞ ዘሎና፧ የሱስ ንደቀ-መዛሙርቱ ጠንጢኖምዎ ነይሮም ምስ ተመልሱ ብኸመይ ድዩ ሒዝዎም፧ “ኣሕዋተይ” ኢሉ ብምጥቃስ ኣብኦም ምትእምማን ከም ዘለዎ ኣርኣየ። ኣገዳሲ መዝነት እውን ከይተረፈ ሃቦም። (ማቴ. 28:10, 18, 19) ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሑ እቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ “ኣየብኵሩን” ነበሩ።—ግብ. 5:42

5. ብዛዕባ ሓደ ዘይንጡፍ ሓው ምስ ሽማግለታት ክንዘራረበሉ ዚግብኣና ዅነታት ጥቐስ።

5 ንሓደ ዘይንጡፍ ዝነበረ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምምራሕና ወይ ንነዊሕ እዋን ዘይንጡፍ ዝነበረ ሓው ኣብ ኣገልግሎት ኬሰንየና ቕድሚ ምዕዳምና ኻብ ሽማግለታት መምርሒ ኽንሓትት ኣሎና። ኣብ ክልና ሓደ ዘይንጡፍ ኣስፋሒ ምስ እንረክብ: ኣድላዪ ሓገዝ ምእንቲ ኺገብሩሉ ንሽማግለታት ክንሕብር ኣሎና።

6. ንዘይንጡፋት ብምሕጋዝ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

6 ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዚገልጾ: እቶም ክሳዕ መወዳእታ ዚጐዩ እዮም ዚድሕኑ። (ማቴ. 24:13) ስለዚ: ነቶም እተዓንቀፉ ወይ ዝጠፍኡ ሰባት ኣስተብህለሎም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ብምርኣይ ፍቕሪ የሆዋ እንተ ደኣ ኣንጸባሪቕና: ምሳና ሓቢሮም ቅዱስ ኣገልግሎት ምቕራብ ኪቕጽሉ ኸለዉ ብምርኣይ ክንሕጐስ ኢና።—ሉቃ. 15:4-10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ